YouVersion Logo
Search Icon

ሆሴዕ 14

14
ሆሴዕ፥ ንእስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ክምለሱ ኸም ዝለመኖም
1ኦ እስራኤል፥ ብሓጢኣትካ ወዲቕካ ኢኻ እሞ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተመለስ። 2ምሳኻትኩም ቃል ውሰዱ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ተመለሱ፤ ከምዙይ ድማ በልዎ፤ “ኵሉ ሓጢኣትና ይቕረ በለልና፤ ብምሕረትካውን ተቐበለና፤ ንሕና ኸዓ ኽንዲ ጣዕዋ፥ ፍረ ኸናፍርና ኽነቕርበልካ ኢና። 3ኣሶር ከድሕነና ኣይኽእልን፤ ኣብ ልዕሊ ኣፍራስውን ኣይንቕመጥን፤ እቲ ደኽታም ኣባኻ ምሕረት ይረክብ እዩ እሞ፥ ደጊም ነቶም ኣእዳውና ዝሰርሕዎም፥ ኣማልኽትና ኢኹም ኣይንብሎምን” በልዎ።
እግዚኣብሄር ንእስራኤል ሓድሽ ህይወት ከም ዘተስፈዋ
4ቍጥዓይ ካብኣቶም ተመሊሱ እዩ እሞ፥
ኣነ ንዓመፃኦም ክፍውሶ እየ፤
ብፍቓደይውን ብልቢ ኽፈትዎም እየ።
5ኣነ ንእስራኤል ከም ኣውሊ ክኾኖ እየ፤
ከም ፅቡቕ ዕምበባ ኽዕምብብ እዩ፤
ከም ኣእዋም ሊባኖስ ከዓ ሰራውር ክሰድድ እዩ።
6ጨናፍሩ ይዝርጋሕ፤
ፅባቐኡ ኸም ኣውሊዕ፥
መዓዛኡ ኸም ሊባኖስ ክኸውን እዩ።
7እቶም ኣብ ትሕቲ ፅላሉ ዝነብሩ ኽምለሱ እዮም፤
ብእኽሉውን ክፀግቡ እዮም፤
ከም ተኽሊ ወይኒ ይዕምብቡ፤
መዘከርታኦም ድማ ኸም ወይኒ ሊባኖስ ይኸውን።
8ካብ ደጊም፥ ጣዖት ንኤፍሬም እንታይ እዩ?
ኣነ ሰሚዐዮ ኣለኹ፤ ናብኡ ድማ ኽጥምት እየ።
ኣነ ኸም ዝለምለመ ፅሕዲ እየ፤
ፍረኻውን ኣባይ እዩ ዝርከብ።
መደምደምታ
9ነዝ ነገር እዙይ ዘስተውዕል ጠቢብ፥ ዝፈልጦ መስተውዓሊኸ መን እዩ? መንገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፤ ፃድቃን ብእኡ ይመላለሱ፤ ዓመፅቲ ግና ይሰናኸሉ።

Currently Selected:

ሆሴዕ 14: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in