ሆሴዕ 11
11
1“ንእስራኤል ገና ህፃን እንተሎ ኣፍቀርክዎ፤
ንወደይውን ካብ ግብፂ ፀዋዕኽዎ። #ዘፀ. 4፡22፥ ማቴ. 2፡15።
2ብመጠን ኣብዚሐ ዝፀዋዕኽዎም ከዓ ኻባይ ረሓቑ፤
ንሳቶም ንበዓሊም ሰውኡ፤
ንዝተቐረፁ ምስልታት ከዓ ዓጠኑ።
3ኣነውን ንኤፍሬም ኢዱ ሒዘ ታተ ኣበልክዎ፤
ግና ዝፈወስክዎም ኣነ ኸም ዝኾንኩ ንሳቶም ኣየስተውዓሉን።
4ኣነ ብናይ ሰብ ገመድ፥ ብናይ ፍቕሪ መእሰሪ ናባይ ሰሓብክዎም፤
ነቲ ኣርዑትውን ካብ ክሳዶም ኣልዓልኩሎም፤
ዝብላዕውን ኣቕረብኩሎም።”
5“ናባይ ክምለሱ ግና ኣይፈተዉን እሞ፥ ናብ ምድሪ ግብፂ ኽምለሱ እዮም፤ ኣሶርውን ንጉሶም ክኸውን እዩ፤ 6ስለ እቲ ዝተማኸርዎ ምኽሪ ኸዓ፥ ኣብ ከተማታቶም ሰይፊ ኽምዘዝ፥ ንዓበይቶምውን ከጥፍእ እዩ። 7ህዝበይ ብምዕማፅ፥ ልቡ ኻባይ ረሓቐ። ናብቲ ልዑል እንተ ፀውዕዎም እኳ፥ ልዕል ልዕል ከብሎም ኣይኽእልን።”
8 #
ዘዳ. 29፡23። ኦ ኤፍሬም ከመይ ገይረ ኽሓድገካ?
ኦ እስራኤል፥ ከመይ ገይረ ኣሕሊፈ ኽህበካ?
ከመይ ገይረኸ ኸም ኣዳማ ኽድርብየካ?
ከመይከ ኸም ሲባዮ ኽገብረካ?
ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተናወፀ፤
ኵሉ ምሕረተይውን ተለዓዒሉ እዩ።
9ኣነ ኣምላኽ እየ እምበር ሰብ ኣይኮንኩንሞ፥
ኣብ ማእኸልኩምውን ቅዱስ እየ እሞ፥
ብናህሪ፥ ቍጥዓይ ኣየምፅእን እየ፤
መቕሰፍቲ ቝጥዓይ ኣየውፅእን እየ፤
ንኤፍሬም ከጥፍእ ድማ ኣይምለስን፤
ብመዓትውን ኣይመፅእን።
10ንሱ ይጓዝም፥ እቶም ደቂ ኸዓ እናንቀጥቀጡ፥ ካብ ምዕራብ ይመፁ እሞ፥ ደድሕሪ እቲ ኸም ኣንበሳ ዝጓዝም እግዚኣብሄር ይኸዱ። 11ካብ ግብፂ ኸም ዒፍ፥ ካብ ምድሪ ኣሶር ድማ፥ ከም ርግቢ እናንቀጥቀጡ ኽመፁ እዮም፤ ኣነውን ኣብ ኣባይቶም ከንብሮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
12ኤፍሬም ብሓሰት፥ ቤት እስራኤል ድማ ብተንኰል ከበበኒ፤ ይሁዳ ኸዓ ምስቲ እሙን ቅዱስ እግዚኣብሄር ኣይፀንዕን።
Currently Selected:
ሆሴዕ 11: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in