YouVersion Logo
Search Icon

ሆሴዕ 1

1
1 # 2 ነገ. 15፡1-7፥ 15፡32-38፥ 16፡1-20፥ 18፡1—20፡21፥ 14፡23-29፥ 2 ዜና. 26፡1-23፥ 27፡1-8፥ 28፡1—32፡33። ብነገስታት ይሁዳ ብዖዝያንን፥ ብዘመን ኢዮኣታምን ብኣካዝን ብሕዝቅያስን፥ ከምኡውን ብዘመን ንጉስ እስራኤል ብወዲ ኢዮኣስ ኢዮርብዓምን፥ ናብ ወዲ ብኤሪ ሆሴዕ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ።
ሰበይቲ ሆሴዕን ደቁን
2እግዚኣብሄር ብመጀመሪያ ብሆሴዕ ገይሩ ኽዛረብ ምስ ጀመረ፥ እግዚኣብሄር ንሆሴዕ “እታ ምድሪ ኻብ እግዚኣብሄር ርሒቓ ዓብዪ ምንዝርና ተመንዝር ኣላ እሞ፥ ንስኻ ኸዓ ኺድ፥ ኣመንዝራ ሰበይትን ደቂ ኣመንዝራን ንኣኻ ውሰድ” በሎ።
3ሆሴዕ ከዓ ኸይዱ ንጎሜር ጓል ዴቤላይም ኣእተወ። ንሳ ኸዓ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደትሉ።
4 # 2 ነገ. 10፡11። እግዚኣብሄር ድማ “ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ንደም ኢይዝራኤል፥ ኣብ ልዕሊ ቤት ኢዩ ኽብቀል እየ፤ ንመንግስቲ ቤት እስራኤል ድማ ኸጥፍኣ እየ እሞ፥ ስሙ ኢይዝራኤል ኢልካ ስመዮ። 5በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንቐስቲ እስራኤል ኣብ ለሰ ኢይዝራኤል ክሰባብሮ እየ” በሎ።
6ጎሜር ከዓ መሊሳ ጠነሰት፤ ጓልውን ወለደት። እግዚኣብሄር ከዓ “ደጊም ንቤት እስራኤል ኣይምሕሮምን እየ እሞ ‘ሎሩሃማ’ #1፡6 ሎሩሃማ፦ ብዕብራይስጢ “ምሕረት ዘይረኸበ” ማለት እዩ። ኢልካ ስም ኣውፅአላ” በሎ። 7ንቤት ይሁዳ ግና ኽምሕሮም እየ፤ ብእግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ ዘድሕኖም እምበር፥ ብቐስትን ብሰይፍን ብውግእን በፍራስን ብፈረሰኛታትን ኣይኮነን በሎ።
8ጎሜር ንሎሩሃማ ጡብ ምስ ኣሕደገታ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት።
9እግዚኣብሄር ድማ ንሆሴዕ “ንስኻትኩም ህዝበይ ኣይኮንኩምን፤ ኣነውን ኣምላኽኩም ኣይኮነኩምን እሞ፥ ‘ሎዓሚ’ #1፡9 ሎዓሚ፦ ብዕብራይስጢ “ህዝበይ ዘይኮነ” ማለት እዩ። ኢልካ ስመዮ” በሎ።
10 # ሮሜ 9፡26። ግና ቝፅሪ ደቂ እስራኤል፥ ከምቲ ኽስፈርን ክቝፀርን ዘይከኣል ሑፃ ባሕሪ ክኸውን እዩ፤ ከምዙይውን ክኸውን እዩ፦ “ንስኻትኩም ህዝበይ ኣይኮንኩምን” ኣብ ዝተብሃሉሉ ቦታ “ውሉድ ህያው እግዚኣብሄር” ተብሂሎም ክፅውዑ እዮም። 11ደቂ ይሁዳን ደቂ እስራኤልን፥ ብሓድነት ክእከቡ እዮም፤ ንኣኣቶም ከዓ ሓደ ሓለቓ ኽመርፁ እዮም፤ ካብታ ምድሪ እውን ክወፁ እዮም። መዓልቲ ኢይዝራኤልውን #1፡11 ኢይዝራኤል፦ ብዕብራይስጢ “እግዚኣብሄር ይብትን” ማለት እዩ። ሆሴዕ 1፡4 ረአ። ኣብዙይ ግና “እግዚኣብሄር ይዘርእ” ማለት እዩ። ዓባይ መዓልቲ ኽትከውን እያ።

Currently Selected:

ሆሴዕ 1: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in