ሆሴዕ 2
2
እስራኤል ክትሕደስ እያ
1ስለዙይ ነሕዋትኩም “ዓሚ” ነኣሓትኩም ድማ “ሩሃማ” ኢልኩም ፀውዕዎም።
ጥልመት ጎሜርን ክሕደት እስራኤልን
2ደቀይ፥ ድሕሪ ሕዚ እኖኹም ሰበይተይ ኣይኮነትን፤ ኣነውን ሰብኣያ ኣይኮንኩን እሞ፥ ተማጐቱ፤ ምስ እኖኹም ተሟጐቱ፤ ምንዝርናኣ ኻብ ገፃ፥ ዝሙታ ኸዓ ኻብ መንጎ ኣጥባታ ተርሕቕ። 3እንተ ዘይኮነ ቀሚሻ ቀንጢጠ ኸምታ ዝተወለደትላ መዓልቲ ጥራሓ ኽገብራ እየ፤ ከም ምድረ በዳን፥ ከም ንቑፅ ምድርን ክገብራ፥ ብፅምኢ ማይ ድማ ኽቐትላ እየ። 4ንደቃ ድማ ደቂ ምንዝርናኣ እዮም እሞ፥ ኣይምሕሮምን እየ። 5እኖኣቶም ኣመንዚራ እያ፤ እታ ዝጠነሰቶምውን ነወረት። ንሳ “ደድሕሪ እቶም እንጀራይን ማየይን ፀምረይን ሃረይን ዘይተይን መስተይን ዝህቡኒ ፈተውተይ ክኸይድ እየ” ኢላ ኣነወረቶም።
6ስለዙይ፥ እንሆ፥ ንመንገድኺ ብእሾዅ ኽሓፅሮ እየ፤ መንገድታት ከይትረክብ ከዓ ንዙርያኣ ብመንደቕ ክሓፅሮ እየ። 7ደድሕሪ ፈተውታ ኽትጐዪ እያ፥ ግና ኣይተርክቦምን፤ ክትደልዮም እያ፥ ግና ኣይትረኽቦምን። ሽዑ ንሳ “ካብ ሎሚ ቕድም ይሕሸኒ ነይሩ እዩሞ፥ ክኸይድ ናብቲ ቐዳማይ ሰብኣየይ ክምለስ እየ” ኽትብል እያ። 8ንሳ፥ እኽልን ወይንን ዘይትን ኣነ ኸም ዝሃብክዋ፥ እቲ ንበዓል ዝበሃል ጣዖት ዝተሰርሐ፥ ብሩርን ወርቅን ኣነ ኸም ዘብዛሕኩላ ኣይፈለጠትን።
9ስለዙይ እኽለይ ብጊዜኡ፥ ወይነይ ከዓ ብወርሓቱ፥ መሊሰ ኽወስዶ እየ። ነቲ ዕርቃና እትሽፍነሉ ፀምረይን ሃረይን ድማ ኽቕንጥጣ እየ። 10ሕዚ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ፈተውታ፥ ሓፍረታ ኽቐልዓ እየ፤ ካብ ኢደይ ከድሕና ዝኽእል ድማ፥ ሓደ እኳ የለን። 11ንዅሉ ሓጐሳን በዓላታን፥ ንዅሉ ሰርቀ ወርሓን ሰናብታን፥ ዝተቀደሱ ኣኼባታታን፥ ከትርፍ እየ። 12ንሳ ነቲ “ፈተውተይ ዝሃቡኒ ዓስበይ እዙይ እዩ” ዝበለቶ ተኽሊ ወይናን ኦም በለሳን ከባድሞ፥ ዱር ከዓ ኽገብሮ እየ፤ ኣራዊት በረኻውን ክበልዕዎ እዮም። 13ብምኽንያት እተን በዓል ንዝተብሃሉ ጣዖታት ዕጣን ዝዓጠነትለን መዓልቲታት ክቐፅዓ እየ፤ ንኣይ ረሲዓ ብቐለቤታን ብሽልማታን ኣጋይፃ፥ ደድሕሪ ፈተውታ እናሰዓበት፥ ንኣይ ግና ረሲዓትኒ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እግዚኣብሄር ንህዝቡ ዘለዎ ፍቕሪ
14ስለዙይ፥ እንሆ፥ ኣነ ኽሓባብላ ናብ ምድረ በዳውን ከምፅኣ እየ፤ ንልባ ድማ ኽዛረባ እየ። 15#ኢያሱ 7፡24-26። ብድሕሪኡ ኣታኽልቲ ወይና ኽህባ እየ፤ ንለሰ ኣኮርውን ናይ ተስፋ በሪ ክኾና ኽህባ እየ። ኣብኡ ኸምቲ ጊዜ ህፃንነታ፥ ከምቲ በታ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዝወፀትላ መዓልቲ ኽትዝምር እያ። 16በታ መዓልቲ እቲኣ፥ “ሰብኣየይ” ኢልኪ ኽትፅውዕኒ ኢኺ፤ ካብ ደጊም ግና “በዓለይ” #2፡16 በዓለይ፦ “ጐይታይ” ዝብል ትርጉም ኣለዎ። ኢልኪ ኣይትፅውዕንን ኢኺ፤ ይብል እግዚኣብሄር። 17ኣነ ድማ ስም በዓሊም ካብ ኣፋ ኸወግድ እየ፤ ድሕሪዙይ ከዓ ብስሞም ኣይዝከሩን እዮም።
18በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ምስ ኣራዊት በረኻን፥ ምስ ኣዕዋፍ ሰማይን፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምስ ዝንቀሳቐሱ ፍጥረታትን፥ ቃል ኪዳን ክኣትወሎም እየ። ኵሎም ብሰላም ምእንቲ ኽነብሩውን፥ ቀስትን ሰይፍን ኲናትን ካብ ምድሪ ኸወግድ እየ።
19ንዘለኣለም ንኣይ ክትኮኒ ኽሕፀየኪ እየ፤
ብፅድቅን ብፍርድን ብምሕረትን ብርህራሀን ክሓፅየኪ እየ።
20ብእምነት ንኣይ ክትኮኒ ኽሓፅየኪ እየ፤
ንስኺውን ንእግዚኣብሄር፥ ክትፈልጢ ኢኺ።
21በታ መዓልቲ እቲኣ ኽምልስ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤
ኣነ ንሰማይ ክምልሰሉ እየ፤
ሰማይውን ንምድሪ ኽምልሰላ እዩ።
22ምድሪ እውን ንእኽልን ንወይንን ንዘይትን ክትምልስ እያ፤
ዝናም ከዓ ንምድሪ ከጥልላ እዩ፤
እዚኣቶም ድማ ንኢይዝራኤል ክምልሱሉ እዮም።
23 #
ሮሜ 9፡25፥ 1 ጴጥ. 2፡10። ኣብ ምድሪ ንኣይ ክዘርኣ እየ፤
“ነታ ምሕረት ዘይረኸበት” #2፡23 1፡6 ረአ። ንዝተብሃለት ክምሕራ እየ፤
ነቲ “ዘይህዝበይ” #2፡23 1፡9 ረአ። ዝተብሃለ ድማ “ንስኻ ህዝበይ ኢኻ” ኽብሎ እየ፤
ንሱውን “ኣምላኸይ ኢኻ” ኽብለኒ እዩ።
Currently Selected:
ሆሴዕ 2: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in