ዘፍጥረት 49
49
ያእቆብ ንደቁ ኸም ዝመረቖም
1ያእቆብ ንደቁ ፀዊዑ፥ “በተን ዳሕረዎት ዘመናት ዘጋጥመኩም ክነግረኩምስ፥ ተኣከቡ” በሎም።
2“ኣቱም ደቂ ያእቆብ፥ ተኣከቡ እሞ ስምዑ።
ናብ ኣቦኻትኩም እስራኤል ከዓ ኣድምፁ።”
3“ሮቤል፥ ንስኻ በዅረይ ኢኻ፤ ሓይለይን ቀዳማይ ፅንዓተይን፥
ብኽብረት ብሉፅ፥ ብስልጣን ከዓ ብሉፅ ኢኻ።
4ከም ማይ ዘይርጉእ ኢኻ፤
ናብ ምድቃስ ኣቦኻ ደየብካ፤
ዓራት ኣቦኻ ኣርከስካ፤
ስለዙይ ሕልቅና ነኣኻ ኣይኹን።” #49፡4 ኣብ ግእዝ “እንተ ኾነ ምስ ዮሴፍ ወደይ ሰናይ ገይሩ እዩ እሞ ፀጋ እግዚኣብሄር ምስኡ ትኹን” ዝብል ይርከብ።
5“ስምኦንን ሌዊን ኣሕዋት እዮም፤
ኣስይፍቶም ኣፅዋር ዓመፃ እየን፤
6ብቝጥዓኦም ሰብ ቀተሉ፤
ብዅራኦምውን ቋንጃ ኣብዑር ቈረፁ፤
ኣብ ምኽሮም ኣይሕወሰኒ፤
ኣብ ኣኼባኦም ከዓ ኣይፀምረኒ።
7ኵራኣቶም ብርቱዕ፥ ናህሮም ከዓ ጨካን እዩ እሞ ርጉም ይኹን።
ኣብ ያእቆብ ክብትኖም እየ፤
ኣብ እስራኤል ድማ ፋሕ ከብሎም እየ።”
8“ይሁዳ፥ ኣሕዋትካ ኸመስግኑኻ እዮም፤
ኢድካ ኣብ ክሳድ ፀላእትኻ ኽትከውን እያ፤
ደቂ ኣቦኻ ኽሰግዱልካ እዮም።
9 #
ዘሑ. 24፡9፥ ራእይ 5፡5። ኦ ይሁዳ፥ ሽደን ኣንበሳ ኢኻ፤
ወደይ፥ ካብ ግዳይካ ተመለስካ፤
ከም ኣንበሳ ኣድበኻ፤
ከም ኣንስተይቲ ኣንበሳውን ለጥ በልካ፤
ከተስአካ ዝደፍር መን እዩ?
10እቲ ኽገዝእ ዝግብኦ #49፡10 ኽገዝእ ዝግብኦ፦ ወይ ‘ሴሎ’ ዝበሃል ገዛኢ ክሳዕ ዝመፅእ፥
ኣህዛብውን ክሳዕ ዝግዝእዎ፥
በትሪ መንግስቲ ኻብ ይሁዳ፥
ዘንጊ ገዛኢ ኸዓ ኻብ ማእኸል ኣእጋሩ፥ ኣይሰኣንን እዩ።
11ንኣድጉ ኣብ ጕንዲ ወይኒ፥
ንዒሉኡ ድማ ኣብ ብሉፅ ጨንፈር ወይኒ ኽኣስር እዩ፤
ክዳኑ ብወይኒ፥
ነፀላኡ ኸዓ ብደም ወይኒ ኽሓፅብ እዩ።
12ኣዒንቱ ኻብ ወይኒ ኽቐይሓ፥
ኣስናኑ ድማ ኻብ ፀባ ኽፅዕድዋ እየን።”
13“ዛብሎን ኣብ ገምገም ባሕሪ ኽነብር እዩ፤
መዕረፍ መራኽብውን ክኸውን እዩ፤
ወሰኑ ኸዓ ኽሳዕ ሲዶና ክኸውን እዩ።”
14“ይሳኮር፥ ብርቱዕ ዝዓፅሙ ኣድጊ እዩ፤
ኣብ ማእኸል ሰፈር ኣባጊዕ ድማ ይድቅስ።
15እታ ዘዕርፈላ ቦታ ፅብቕቲ፥
እታ መሬቱ ድማ ልምዕቲ
ከም ዝኾነት ምስ ረአየ፥
ንምስካም፥ ማእገሩ ኣትሓተ፤
ፀዓራይ ሓረስታይውን ኮነ።
16ዳን ከም ሓደ ኻብ ነገዳት እስራኤል ኮይኑ ንህዝቡ ኽዳኒ እዩ።
17ዳን ኣብ መንገዲ፥ ከም ተመን፥
ኣብ መተሓላለፊ ድማ ኸም መንደላይ ተመን ክኸውን እዩ፤
ንፈረስ ሸዀናኡ ይነኽሶ፤
ንፈረሰኛ ኸዓ ንድሕሪት ከም ዝወድቕ ይገብሮ።”
18“ኦ እግዚኣብሄር፥ ንምድሓንካ እፅበ ኣለኹ።”
19“ንጋድ ዘመትቲ ክዘምቱሉ እዮም፤
ንሱ ግና እግሪ እግሮም ስዒቡ ኸሳጕጎም እዩ።
20እንጀራ ኣሴር ረጒድ እዩ፤
ኣሴር ድማ ንነገስታት ዝበቅዕ ምግቢ ኸቕርብ እዩ።”
21“ንፍታሌም፥ ዝተፈትሐት መይዳቝ እዩ፤
ጥዑም ቃልውን ይህብ።” #49፡21 ወይ “ንፍታሌም ጥዑም ቃል እትህብ ኣብ በረኻ እትነብር እራብ እዩ”
22“ዮሴፍ፥ ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ዝተተኽለት፥
ጨናፍራ ኣብ መንደቕ ዝድይብ፥ ፈራይት ወይኒ እዩ።
23ቀስተኛታት ኣናወፅዎ፤
ፍላፃ ወርዊሮም ድማ ሰጐጕዎ።
24ቀስቱ ግና ፀኒዑ ይነብር፤
ቀላፅም ኣእዳዉ ድማ በእዳው እቲ ናይ ያእቆብ ሓያል፥
በቲ ሓላዊን ኰዅሒ እስራኤልን ፀንዐ።
25ንኣኻ ብዝረድአካ ኣምላኽ ኣቦኻ፥
ብዝባርኸካ ዅሉ ምግባር ብዝኽእል ኣምላኽ፥
ኣብ ላዕሊ ኻብ ሰማይ ብዝርከብ ረድኤት፥
ካብ መዓሙቕ ምድሪ ብዝርከብ በረከት፥
ካብ ማህፀንን ካብ ጡብን ብዝርከብ ምርቓ ኽባርኸካ እዩ።
26ካብቲ ኻብ ናይ ጥንቲ እምባታት በረከት፥
ካብ ናይ ዘለኣለም ኰረብታታት ምርቓ፥
ናይ ኣቦኻ በረከት ይበልፅ፤
እዝ ዅሉ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ዮሴፍ ይውረድ፤
ኣብ ማእኸል ኣሕዋቱ ሓለቓ ኣብ ዝኾነ ኣብ ልዕሊ ግንባር ዮሴፍ ይዕረፍ።”
27“ብንያም መንጣሊ ተዅላ እዩ፤
ንግሆ ዝመንጠሎ ይበልዕ፤
ምሸት ከዓ ዝማረኾ የካፍል።”
28እዚኣቶም ኵላቶም እቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል እዮም። እዙይ ከዓ እቲ ኣቦኣቶም ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዝግብኦም ክምርቖም እንተሎ ዝተዛረቦ እዩ።
ሞት ያእቆብ
29ሽዑ ያእቆብ ንደቁ፦ “እንሆ፥ ኣነ ናብ ወገናተይ ክእከብ እየ። ኣብታ ግራት ኤፍሮን ኬጢያዊ ዘላ በዓቲ ምስ ኣቦታተይ ቅበሩኒ። 30#ዘፍ. 23፡3-20። ንሳ ኣብ ግራት ማክጴላ፥ ኣብ መንፅር መምሬ ኣብ ምድሪ ከነዓን ዘላ፥ ኣብርሃም ንመቓብር ርስቲ ኽትከውን ኢሉ፥ ካብ ኤፍሮን ኬጢያዊ ምስታ ግራት ዝዓደጋ ድርብ በዓቲ እያ። 31#ዘፍ. 25፡9-10፥ 35፡29። ንኣብርሃምን ንሰበይቱ ሳራን ኣብኣ ቐበርዎም፤ ንይስሓቅን ንርብቃ ሰበይቱንውን ኣብኣ ቐበርዎም፤ ኣነ ድማ ንልያ ኣብኣ ቐበርክዋ። 32እቲ ግራትን እቲ ኣብኡ ዘሎ በዓትን፥ ካብ ደቂ ኬጢ ዝተዓደገ እዩ” በሎም። 33#ግ.ሓ. 7፡15። ያእቆብ ንደቁ እዙይ ኣዚዙ ምስ ወድአ፥ ኣእጋሩ ኣከበ፤ ነፍሱ ድማ ወፀት እሞ፥ ናብ ወገናቱ ተፀመረ።
Currently Selected:
ዘፍጥረት 49: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in