ዘፍጥረት 48
48
ያእቆብ ንኤፍሬምን ንምናሴን ከም ዝባረኾም
1ድሕሪ ቑሩብ እዋን ንዮሴፍ “እንሆ፥ ኣቦኻ ሓሚሙ” በልዎ። ዮሴፍ ከዓ ንኽልቲኦም ደቁ፥ ንምናሴን ኤፍሬምን፥ ሒዝዎም ከደ። 2ንያእቆብ ድማ “እንሆ፥ ወድኻ ዮሴፍ መፂኡ” ኢሎም ነገርዎ። ያእቆብ ከዓ ተፀናኒዑ ኣብ ዓራቱ ኾፍ በለ። 3#ዘፍ. 28፡13-14። ያእቆብ ከዓ ንዮሴፍ ከምዙይ በሎ፦ “እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ፥ ኣብ ሎዛ ኣብ ምድሪ ከነዓን ተርኣየኒ፤ ባረኸኒ፤ ከምዙይ ድማ በለኒ፦ 4‘እንሆ፥ ኣነ ኸፍርየካን ከብዝሐካን፥ ብዙሕ ህዝቢ ኸዓ ኽገብረካን እየ፤ ብድሕሬኻ ድማ እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ርስቲ ዘለኣለም ገይረ ኽህቦ እየ።’
5“ሕዚ ኸዓ እቶም ኣነ ናባኻ ናብ ግብፂ እንተይመፃእኹ፥ ኣብ ምድሪ ግብፂ ዝተወለዱልካ ኽልቲኦም ደቅኻ ናተይ እዮም። ኤፍሬምን ምናሴን ከም ሮቤልን ስምኦንን ናተይ እዮም። 6ብድሕሪኦም እትወልዶም ውሉድ ግና ንኣኻ ይኹኑ። ኣብ ርስቶም ከዓ ብስም ኣሕዋቶም ኤፍሬምን ምናሴን ይሰመዩ። 7#ዘፍ. 35፡16-19። ኣነ ኻብ መስጴጦምያ ኽምለስ እንተለኹ፥ ኣብ ምድሪ ከነዓን ንኤፍራታ ኽበፅሕ ቑሩብ ምስ ተረፈኒ፥ ኣብ መንገዲ እንተለኹ ራሄል ሞተትኒ። ኣብ መንገዲ ኤፍራታ፥ ኣብ ቤተ ልሔም ከዓ ቐበርኩዋ።”
8ያእቆብ ድማ ንደቂ ዮሴፍ ምስ ረአዮም “እዚኣቶም እንታዎት እዮም?” ኢሉ ጠየቖ።
9ዮሴፍ ከዓ ነቦኡ “እዚኣቶም እግዚኣብሄር ኣብዙይ ዝሃበኒ ደቀይ እዮም” በሎ። ያእቆብ ድማ “ክምርቖምስ እስኪ ናባይ ኣቕርቦም” በሎ። 10ኣዒንቲ ያእቆብ ከዓ ኻብ እርጋን ዝተልዓለ ፈዚዘን ነበራ እሞ፥ ኣፅርዩ ኽርኢ ኣይኽእልን ነበረ። ዮሴፍ ድማ ናብ ኣቦኡ ኣቕረቦም። ያእቆብ ከዓ ሓሓቝፉ ሰዓሞም። 11ያእቆብ ንዮሴፍ፥ “ገፅካ ኽርኢ እየ ኢለ ኣይሓሰብኩን ነይረ፤ እግዚኣብሄር ግና፥ እንሆ፥ ንደቅኻውን ኣርኣየኒ” በሎ። 12ዮሴፍ ከዓ ንደቁ ኻብ ሕቝፊ ኣቦኡ ኣግልስ ኣቢሉ ብገፁ ናብ ምድሪ ሰገደ።
13ዮሴፍ ድማ ንኽልቲኦም ደቁ ወሲዱ፥ ንኤፍሬም ብየማኑ ገይሩ፥ ናብ ፀጋም ያእቆብ፥ ንምናሴ ኸዓ ብፀጋሙ ገይሩ፥ ናብ የማን ያእቆብ ኣቕረቦም። 14ምናሴ በዅሪ፥ ኤፍሬም ከዓ ምንኣሱ ነበረ። ያእቆብ ግና ኣእዳዉ ኣመሳቒሉ የማነይቲ ኢዱ ኣብ ርእሲ ኤፍሬም፥ ፀጋመይቲ ኢዱ ድማ ኣብ ርእሲ ምናሴ ኣንበረ። 15ንዮሴፍ ከዓ ኸምዙይ እናበለ መረቖ፦
“እቲ ኣቦታተይ፥ ኣብርሃምን ይስሓቅን፥ ዘገልገልዎ እግዚኣብሄር፥
እቲ ኻብ ዝውለድ ጀሚሩ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝመገበኒ ኣምላኽ ይባርኮም።
16እቲ መልአኹ ልኢኹ ኻብ ኵሉ ኽፉእ ዘድሓነኒ እግዚኣብሄር ነዞም ቈልዑ ይባርኮም።
ስመይን ስም ኣቦታተይ ኣብርሃምን ይስሓቅን ኣብኣቶም ይፀዋዕ፥
ኣብ ማእኸል ምድሪ ድማ ይብዝሑ።”
17ዮሴፍ ከዓ ኣቦኡ የማነይቲ ኢዱ ኣብ ርእሲ ኤፍሬም ከም ዘንበረ ሪኡ ኣይተሓጐሰን፤ ካብ ርእሲ ኤፍሬም ኣልዒሉ ናብ ርእሲ ምናሴ ኸሕልፋ ኸዓ ንኢድ ኣቦኡ ሓዛ። 18ዮሴፍ ድማ ነቦኡ፥ “ኣቦይ፥ ከምኡ ኣይኮነን፤ እቲ በዅሪ እዙይ እዩ እሞ፥ የማነይትኻ ኣብ ርእሱ ኣንብር” በሎ።
19ኣቦኡ ግና ኣበዮ፥ “ፈሊጠ ኣለኹ፤ ወደይ ፈሊጠ ኣለኹ። ዘርኢ ምናሴ ዓብዪ ህዝቢ ክኸውን እዩ፤ እቲ ንእሽተይ ሓዉ ግና ኻብኡ ኽዓቢ እዩ፤ ዘርኡውን ብዙሕ ኣህዛብ ክኸውን እዩ” በሎ።
20 #
ዕብ. 11፡21። ስለዙይ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ኢሉ መረቖም፦ “ ‘እግዚኣብሄር፥ ከም ኤፍሬምን ምናሴን ይግበርካ’ እናበሉ እስራኤል ክምርቑ እዮም።” ያእቆብ ንኤፍሬም ቅድሚ ምናሴ ገበሮ።
21ያእቆብ ድማ ንዮሴፍ፥ “እንሆ፥ ኣነ ኽመውት ቀሪበ ኣለኹ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ። ናብ ምድሪ ኣቦታትኩም ድማ ኽመልሰኩም እዩ። 22እንሆ እታ ኣነ ኻብ ኢድ ኣሞራውያን ብሰይፈይን ብቐስተይን ዝወሰድክዋ ምድሪ ሴኬም ድማ፥ ሕልፊ ኣሕዋትካ ሂበካ ኣለኹ” በሎ።
Currently Selected:
ዘፍጥረት 48: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in