YouVersion Logo
Search Icon

ዘፍጥረት 45

45
ዮሴፍ መን ምዃኑ ነሕዋቱ ኸም ዝገለፀሎም
1 # ግ.ሓ. 7፡13። ሽዑ ዮሴፍ ኣብ ቅድሚ ዅሎም እቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ክዕገስ ኣይከኣለን። ዓው ኢሉ ኸዓ “ንዅሎም ሰባት ካብዙይ ኣውፅኡለይ” በለ። ስለዙይ ነሕዋቱ ኽላለዮም እንተሎ፥ ሓደ ሰብ እኳ ምስኡ ኣይነበረን። 2ቃሉ ዓው ኣቢሉ ስለ ዝበኸየ ግብፃውያን ሰምዑ፤ ኣብ ቤት ፈርዖንውን ተሰምዐ። 3ዮሴፍ ድማ ነሕዋቱ “ኣነ ዮሴፍ እየ፤ ኣቦይከ ኽሳዕ ሕዚ ብህይወቱዶ ኣሎ?” በሎም። ኣሕዋቱ ድማ እዙይ ሰሚዖም ደንገፁ፤ ክምልሱሉውን ኣይከኣሉን። 4ዮሴፍ ከዓ ነሕዋቱ፥ “እስኪ ናባይ ቅረቡ” በሎም። ንሳቶም ድማ ቐረቡ። ዮሴፍ ከዓ፦ “ኣነ እቲ ናብ ግብፂ ዝሸጥኩምኒ ዮሴፍ ሓውኩም እየ። 5እግዚኣብሄር እዩ ህይወት ሰብ ንምድሓን ቀቅድሜኹም ዝለኣኸኒ እሞ፥ ናብዙይ ስለ ዝሸጥኩምኒ ኣይትጕሃዩ፤ ኣይትጨነቑውን። 6ኣብዛ ምድሪ ጥሜት ካብ ዝኸውን እንሆ ኽልተ ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ማሕረስ ኮነ ዓፂድ ዘይብለን ድማ ገና ሓሙሽተ ዓመታት ኣለዋ። 7እግዚኣብሄር ግና ኣብ ምድሪ ተረፍ ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ብዘደንቕ መንገዲ ንህይወትኩም ምእንቲ ኸድሕን፥ ቀቅድሜኹም ለኣኸኒ። 8ሕዚ ኸዓ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን ናብዙይ ዝለኣኽኩምኒ። እግዚኣብሄር ንፈርዖን ዘማኽሮ ኣቦኡ፥ ንዅላ ቤተ መንግስቱ ጐይታኣ፥ ንምድሪ ግብፂ ገዛኢኣ ገበረኒ።
9“ሕዚ ቐልጢፍኩም ናብ ኣቦይ ተመለሱ እሞ፦ ‘ዮሴፍ ወድኻ ኸምዙይ ይብለካ ኣሎ፦ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዅላ ግብፂ ጐይታ ገበረኒ፤ ስለዙይ ናባይ ምፃእ፤ ኣይትደንጒ። 10ንስኻን ደቅኻን ደቂ ደቅኻን ኣባጊዕኻን ከፍትኻን ዘለካ ዅሉን ኣብ ቀረባይ ምእንቲ ኽትከውን፥ ኣብ ምድሪ ጌሴም ክትቅመጥ ኢኻ። 11#ግ.ሓ. 7፡14። ገና ሓሙሽተ ናይ ጥሜት ዓመታት ተሪፈን ኣለዋሞ፥ ንስኻን ቤተ ሰብካን ኵሉ ዘለካን ምእንቲ ኸይትሽገሩ፥ ኣብኡ ኽምግበኩም እየ’ ” በልዎ።
12“ኣፈይ ትዛረበኩም ከም ዘላ ኸዓ ኣዒንትኹምን ኣዒንቲ ሓወይ ብንያምን ሪአን ኣለዋ። 13እቲ ኣብ ግብፂ ዝተውሃበኒ ዅሉ ኽብረይን እቲ ዅሉ ዝረአኹምዎን ነቦይ ንገርዎ፤ ነቦይውን ቀልጢፍኩም ናብዙይ ኣምፅእዎ” በሎም።
14ሽዑ ንኽሳድ ሓዉ ብንያም በእዳዉ ሓቚፉ ኽበኪ ጀመረ፤ ብንያምውን ኣብ ክሳዱ በኸየ። 15ንዅሎም ኣሕዋቱ ኸዓ እናበኸየ ሰዓሞም። ድሕሪዙይ ድማ ኣሕዋቱ ምስኡ ኽዛረቡ ጀመሩ።
16ኣብ ቤተ መንግስቲ ፈርዖን ከዓ “ኣሕዋት ዮሴፍ መፂኦም” ዝብል ወረ ተሰምዐ። ፈርዖንን መኳንንቱን ድማ ተሓጐሱ። 17ፈርዖን ድማ ንዮሴፍ፦ “ነሕዋትካ ኸምዙይ ግበሩ በሎም፦ ‘እንስሳኹም ፅዒንኩም ኪዱ፤ ናብ ምድሪ ከነዓን ከዓ ተመለሱ። 18ኣቦኻትኩምን ስድራኹምን ሒዝኩም ድማ ናባይ ምፁ። ካብ ምድሪ ግብፂ ድማ እቲ ዝበለፀ ኽህበኩም እየ። ስብሒ እዛ ምድሪ እዚኣውን ክትበልዑ ኢኹም።’ 19ከምኡውን፦ ‘ንህፃናትኩምን ነንስትኹምን ዝኾና ሰረገላታት ካብ ምድሪ ግብፂ ውሰዱ፤ ነቦኹም ድማ ሒዝኩምዎ ምፁ። 20እቲ ኣብ ምድሪ ግብፂ ዘሎ ዘዝበለፀ ዅሉ ንኣኻትኩም እዩ እሞ፥ በቲ እትሓድግዎ ንብረትኩም ኣይትሕሰቡ’ ኢልካ ንገሮም” በሎ።
21ደቂ ያእቆብ ከዓ ኸምቲ ዝተኣዘዝዎ ገበሩ። ዮሴፍ ድማ ኸምቲ ትእዛዝ ፈርዖን ሰረገላታት ሃቦም፤ ንመንገዲውን ስንቂ ሃቦም። 22ንነፍሲ ወከፎም ሓድሓደ ምሉእ ኽዳን ሃቦም። ንብንያም ግና ሰለስተ ሚእቲ ቕርሺ ብሩርን፥ ሓሙሽተ ምሉእ ክዳውንትን ሃቦ። 23ነቦኡ ድማ ኣብ ግብፂ ዝርከብ ኵሉ ዘዝበለፀ ዝተፅዓና ዓሰርተ ኣእዱግ፥ ንመንገዲ ስንቂ ዝኾኖ እኽልን ሕብስትን ዝተፈላለየ ምግብን፥ ዓሰርተ ፅዕነት ኣንስትዮ ኣእዱግን ሰደደሉ። 24ሽዑ ነሕዋቱ ኣፋነዎም፤ ምስ ተልዓሉ ድማ “ኣብ መንገዲ ንስንሳትኩም ኣይትበኣሱ” በሎም። ንሳቶምውን ከዱ።
25ካብ ሃገር ግብፂ ወፂኦም ከዓ ናብ ኣቦኣቶም ያእቆብ ናብ ምድሪ ከነዓን በፅሑ። 26“ወድኻ ዮሴፍ ገና ብህይወቱ ኣሎ፤ ንዅላ ምድሪ ግብፂ ዝገዝእ ዘሎውን ንሱ እዩ” ኢሎም ነገርዎ። ያእቆብ ድማ ብልቡ ደንገፀ፤ ክኣምኖምውን ኣይከኣለን።
27እቲ ዮሴፍ ዝበሎም ኵሉ ዘረባ ምስ ነገርዎን እቲ መምፅኢኡ ክኾኖ ኢሉ ዮሴፍ ዝሰደደሉ ሰረገላታትን ምስ ረአየ ግና፥ ህይወት ኣቦኣቶም ያእቆብ ተሓደሰ። 28እስራኤል ድማ “ወደይ ዮሴፍ ብርግፅ ብህይወቱ እንተ ሃልዩ ይኣኽለኒ? እንተይሞትኩ ኽሪኦ ክኸይድ እየ” በለ።

Currently Selected:

ዘፍጥረት 45: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in