ዘፍጥረት 46
46
እስራኤል ምስ ስድራኡ ናብ ግብፂ ኸም ዝኸደ
1እስራኤል ኵሉ ዘለዎ ሒዙ ተልዓለ። ኣብ ቤርሳቤህ ምስ በፅሐ ኸዓ፥ ንኣምላኽ ኣቦኡ ይስሓቅ፥ መስዋእቲ ሰውአ። 2እግዚኣብሄር ድማ ንያእቆብ ብራእይ ለይቲ “ያእቆብ! ያእቆብ!” ኢሉ ፀውዖ። ንሱ ኸዓ “እኒሀኹ” በለ።
3“ኣነ ኣምላኽ ኣቦኻ እግዚኣብሄር እየ። ኣብኡ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካ እየ እሞ፥ ናብ ግብፂ ምኻድ ኣይትፍራሕ። 4ኣነ ምሳኻ ናብ ግብፂ ኽወርድ እየ፤ ብርግፅ ድማ ኻብኡ ኣነ ኸውፅአካ እየ። ክትመውት እንተለኻ ኸዓ ዮሴፍ ኢዱ ኣብ ዓይንኻ ኸንብር እዩ” በሎ።
5ያእቆብ ድማ ኻብ ቤርሳቤህ ተስአ። ደቂ እስራኤል ከዓ ነቦኦምን ህፃናቶምን ኣንስቶምን፥ ናብቶም ያእቆብ ክመፀሉ ኢሉ ፈርዖን ዝሰደዶም ሰረገላታት ኣደየብዎም። 6#ግ.ሓ. 7፡15። ከፍቶምን ኣብ ምድሪ ከነዓን ዘጥረይዎ ገንዘቦምን ሒዞም፥ ናብ ግብፂ ኣተዉ። ያእቆብውን ንዅሉ ዘርኡ፥ 7ንደቁን ንደቂ ደቁን፥ ነዋልድ ደቁን፥ ንዅሉ ዘርኡን ሒዙ ናብ ግብፂ ኣተወ።
8ስም እቶም ናብ ግብፂ ዝኣተዉ ደቂ እስራኤል፥ እዝ ዝስዕብ እዩ፦ በዅሪ ያእቆብ፥ ሮቤል። 9ደቂ ሮቤል፦ ሄኖህ፥ ፈሉሶ፥ ኣስሮን፥ ከርሚ። 10ደቂ ስምኦን፦ ይሙኤል፥ ያሚን፥ ኦሃድ፥ ያኪን፥ ፆሓር፥ ሳኡል ወዲ እታ ከነዓናዊት። 11ደቂ ሌዊ፦ ጌድሶን፥ ቀዓት፥ ሜራሪ። 12ደቂ ይሁዳ ድማ፦ ዔር፥ ኣውናን፥ ሴሎም፥ ፋሬስ፥ ዛራ። ዔርናን ኣውናንን ግና ኣብ ምድሪ ከነዓን ሞቱ። ደቂ ፋሬስ፦ ኤስሮም፥ ሓሙል። 13ደቂ ይሳኮር፦ ቶላ፥ ፉዋ፥ ዮብ፥ ሺምሮን። 14ደቂ ዛብሎን ድማ፦ ሴሬድ፥ ኤሎን፥ ያሕልኤል። 15እዚኣቶምን፥ ዲና ጓሉን፥ ያእቆብ ካብ ልያ ኣብ መስጴጦምያ ሶርያ ዝወለዶም ደቁን ደቂ ደቁን እዮም። ኵሎም፥ ኣወዳትን ኣዋልድን፥ ሰላሳን ሰለስተን #46፡15 ሰላሳን ሰለስተን፦ ግእዝ “ሰላሳን ኣርባዕተን” ይብል። ነፍሲ ነበሩ።
16ደቂ ጋድ ድማ፦ ፅፎን፥ ሓጊ፥ ሹኒ፥ ኤስቦን፥ ዔሪ፥ ኣሮዲ፥ ኣርኤሊ። 17ደቂ ኣሴር፦ ዪምና፥ ዪስዋ፥ የስዊ፥ በሪዓ። ሴራሕ እትበሃል ሓፍቲ ኸዓ ነበረቶም። ደቂ በሪዓ፦ ሔቤር፥ መልኪኤል። 18እዚኣቶም ዘለፋ፥ እታ ላባ ንጓሉ ልያ ዝሃባ፥ ንያእቆብ ዝወለደትሉ ዓሰርተ ሽዱሽተ እዮም።
19ራሄል ሰበይቲ ያእቆብ ድማ ንዮሴፍን ንብንያምን ወለደት። 20#ዘፍ. 41፡50-52። ንዮሴፍ ከዓ ኣብ ምድሪ ግብፂ፥ ኣስናት ጓል ጶጥፌራ ኻህን ከተማ ሄልዮት ዝወለደትሉ፥ ምናሴን ኤፍሬምን እዮም። 21ደቂ ብንያም ድማ፦ ቤላ፥ ቤከር፥ ኣስቤል፥ ደቂ ቤላ ድማ ጌራ፥ ናዕማን፥ ኣኪ፥ ሮስ፥ ማንፌን፥ ሑፊም፥ ጌራም ንኣርድ ወለደ። 22ንያእቆብ ካብ ራሄል ዝተወለዱሉ ደቁን ደቂ ደቁን ዓሰርተ ኣርባዕተ እዚኣቶም እዮም።
23ወዲ ዳን፥ ሑሺም። 24ደቂ ንፍታሌም፦ ያሕፅኤል፥ ጉኒ፥ ዮፅር፥ ሺሌም። 25እዚኣቶም ደቂ ባላ ደቂ እታ ላባ ንራሄል ጓሉ ዝሃባ እዮም። ባላ፥ ንያእቆብ ዝወለደትሉ ዅሎም ሸውዓተ እዮም።
26እቶም ምስ ያእቆብ ናብ ግብፂ ዝኣተዉ፥ ብዘይ ኣንስቲ ደቁ፥ ካብ ሕቘኡ ዝወፁ ዅሎም ስሳን ሽዱሽተን ነበሩ። 27#ግ.ሓ. 7፡14። ኣብ ምድሪ ግብፂ ንዮሴፍ ዝተወለዱሉ ኸዓ ኽልተ ደቂ እዮም። ናብ ግብፂ ዝኣተዉ ዅሎም ቤተ ሰብ ያእቆብ እምበኣር ሰብዓ እዮም። #46፡27 ሰብዓ፦ ኣብ ከባቢ ባሕሪ ጨው (ምዉት ባሕሪ) ዝተረኽበ ብራናን ናይ ሰብዓ ሊቃውንቲ ትርጉምን “ሰብዓን ሓሙሽተን” ይብሉ። ግብ.ሓ. 7፡14 ረአ።
ያእቆብን ስድራኡን ኣብ ግብፂ
28ዮሴፍ ኣብ ጌሴም ምእንቲ ኽቕበሎ ያእቆብ ንይሁዳ ቐቅድሚኡ ሰደዶ። ኣብ ምድሪ ጌሴምውን በፅሑ፥ 29ዮሴፍ ሰረገላኡ ፅዒኑ፥ ነቦኡ ያእቆብ ክራኸቦ ናብ ጌሴም መፀ። ምስ ተራኸቡ፥ ዮሴፍ ክሳድ ኣቦኡ ብኢዱ ሓቝፉ ነዊሕ ጊዜ በኸየ። 30ያእቆብ ድማ ንዮሴፍ “ሕዝስ ገና ብህይወት ከም ዘለኻ ኻብ ፈለጥኩ፥ ገፅካውን ካብ ረአኹስ፥ እንተ ሞትኩውን ግዲ የብለይን” በሎ።
31ዮሴፍ ከዓ ነሕዋቱን ንቤተ ሰብ ኣቦኡን፦ “ናብ ፈርዖን ከይደ ‘ኣብ ምድሪ ከነዓን ዝነበሩ ኣሕዋተይን ቤተ ሰብ ኣቦይን፥ ናባይ መፂኦም ኣለዉ። 32እዞም ሰባት እዚኣቶም መርባሕቲ እንስሳ እዮም። ኣባጊዖምን ኣጣሎምን ከፍታቶምን ኵሉ ዘለዎምን ሒዞም መፂኦም ኣለዉ’ ኽብሎ እየ። 33ፈርዖን ፀዊዑ ‘ስራሕኹም እንታይ እዩ?’ ኢሉ እንተ ጠየቐኩም፥ 34ጓስነት ብግብፃውያን ፅዩፍ እዩ እሞ፥ ኣብ ምድሪ ጌሴም ምእንቲ ኽትቅመጡስ ‘ሓሻኽርካ፥ ንሕናን ኣቦታትናን ካብ ንእስነትና ኽሳዕ ሕዚ መርባሕቲ እንስሳት ኢና’ በሉ” በሎም።
Currently Selected:
ዘፍጥረት 46: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in