ዘፍጥረት 44
44
ፅዋዕ ዮሴፍ ኣብ ለቘታ ብንያም ከም ዝተረኽበ
1ዮሴፍ፥ ንኣዛዚ ቤቱ “እዞም ሰባት ክወስድዎ ኽሳዕ ዝኽእሉ ጌርካ ኣብ ለቛቱኦም እኽሊ ምልአሎም። ናይ ነፍሲ ወከፍ ገንዘብ ድማ፥ ኣብ ኣፍ ለቘታኡ ኣንብር። 2ነታ ብብሩር ዝተሰርሐት ፅዋዐይ፥ ምስቲ ዋጋ እኽሊ ገንዘብ ጌርካ፥ ናብ ኣፍ ለቘታ እቲ ንእሽተይ ግበራ” ኢሉ ኣዘዞ። ንሱ ኸዓ ኸምቲ ዮሴፍ ዝኣዘዞ ገበረ። 3ምስ ወግሐ፥ ነቶም ሰባት ኣእዱጎም ሒዞም ከም ዝኸዱ ገበሩ። 4ንሳቶም ካብ ከተማ ውፅእ ኢሎም ገና ኸይረሓቑ እንተለዉ፥ ዮሴፍ ንኣዛዚ ቤቱ “ተስእ ደድሕሪ እዞም ሰባት ጕየ፤ ምስ ኣርከብካዮም፥ ‘ስለ ምንታይ ክንዲ ፅቡቕ ክፉእ ትፈድዩ? 5እታ ጐይታይ ዝሰትየላን ብኣኣ ድማ ምስጢር ዝፈልጠላን ፅዋዕ ንሳዶ ኣይኮነትን? እዙይ ምግባርኩም ክፉእ ጌርኩም’ በሎም” #44፡5 ግእዝን ገሊኣቶም ጥንታዊ ትርጉምን “ነታ ብብሩር ዝተሰርሐት ፅዋዕ ጐይታይ፥ ስለ ምንታይ ኢኹም ዝሰረቕኩምዋ?” ይብሉ። በሎ።
6ንሱ ኸዓ ኣርኪቡ ኸምቲ ዝበሎ ገበረ። 7ንሳቶም ድማ፥ “ጐይታይ! ስለ ምንታይ ከምዙይ ኢልካ ትዛረብ? ከምዙይ ዝበለ ነገር ንሕና ኸቶ ኣይገበርናዮን። 8እቲ ኣብ ኣፍ ለቛቱና ዝረኸብናዮ ገንዘብ እኳ፥ ካብ ምድሪ ከነዓን መሊስናልካ ኢና። ካብ ቤት ጐይታኻ ግዳ ኸመይ ጌርና ብሩር ኮነ ወይ ወርቂ ኽንሰርቕ? 9ካብ ሓሻኽርኻ እታ ፅዋዕ ዝተረኽበቶ ይቀተል፤ ንሕና ዝተረፍና ድማ ባሮት ጐይታና ንኹን” በልዎ።
10ንሱ ኸዓ፥ “ሕራይ፥ ከም ዝበልኩምዎ ይኹን። እቲ ዝተረኽበቶ ባርያይ ይኹን፤ ዝተረፍኩም ግና ኻብ በደል ንፁሃት ኢኹም” በለ። 11ቀልጢፎም ከዓ ለለቘታኦም ናብ ምድሪ ኣውረዱ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ለቘታኡ ፈትሐ። 12ንሱ ኸዓ ኻብ ዓብዪ ጀሚሩ ኽሳዕ ኣብቲ ንእሽተይ ዝበፅሕ ጐርጐሮም። እታ ፅዋዕ ድማ ኣብ ለቘታ ብንያም ተረኽበት። 13ሽዑ ደንጊፆም ክዳውንቶም ቀደዱ፤ ኣእዱጎም ፅዒኖም ከዓ ናብ ከተማ ተመለሱ።
14ይሁዳን ኣሕዋቱን ናብ እንዳ ዮሴፍ ኣተዉ፤ ዮሴፍ ድማ ኣብ ገዛኡ ነበረ። ንሳቶም ከዓ ናብ ምድሪ ተደፊኦም ሰገዱሉ። 15ዮሴፍ ከዓ “እንታይ ግብሩ እዩ ዝገበርኩምዎ? ኸማይ ዝበለ ሰብ፥ ፈላጢ ምስጢር ከም ዝኾነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?” በሎም። 16ይሁዳ ድማ፥ “ንጐይታይ እሞ እንታይ ክንብለካ ኢና? እንታይከ ኽንዛረበካ? ኸመይ ጌርናኸ ርእስና ኽነንፅህ? ኣምላኽ በደልና ኻብ ቀልዐ፥ እኒሀና፤ ንሕናን እቲ ኣብ ኢዱ ፅዋዕ ዝተረኽበቶን ባሮትካ ኢና” በሎ።
17ዮሴፍ ግና “እዙይ ከቶ ኣይገብሮን እየ፤ እቲ ኣብ ኢዱ ፅዋዕ ዝተረኽበቶ ሰብኣይ ባርያይ ይኹን፥ ዝተረፍኩም ግና ናብ ኣቦኻትኩም ብሰላም ተመለሱ” በሎም።
ይሁዳ ንብንያም ከም ዝለመነሉ
18ሽዑ ይሁዳ ናብ ዮሴፍ ቀሪቡ ኸምዙይ በሎ፦ “ጐይታይ፥ ኣነ ሓሽከርካ ሓንቲ ቓል ኣብ እዝኒ ጐይታይ ክዛረብ እልምነካ ኣለኹ። ንስኻ ኸም ፈርዖን ኢኻሞ፥ ቍጥዓኻ ኣባይ ኣብ ሓሽከርካ ኣይንደድ። 19ጐይታይ! ነኣና ንሓሻኽርካ ‘ኣቦ ወይ ሓው ኣለኩምዶ?’ ኢልካ ጠየቕካና። 20ንሕና ኸዓ ንጐይታይ፥ ‘ሽማግለ ኣቦ ኣለና፤ ኣብ እርጋኑ ዝወለዶ ንእሽተይ ቈልዓውን ኣለና፤ ሓዉ ወዲ እኖኡ ስለ ዝሞተ ድማ፥ በይኑ እዩ ተሪፉ ዘሎ፤ ኣቦኡ ኸዓ ይፈትዎ እዩ’ በልናካ። 21ሽዑ ንስኻ ንኣና ንሓሻኽርካ ‘ክሪኦስ ናባይ ኣምፅእዎ’ በልካና። 22ንሕና ድማ ንጐይታይ፥ ‘እቲ ቘልዓ ነቦኡ ኽሓድጎ ኣይኽእልን እዩ፤ ነቦኡ እንተ ሓዲጉዎ ግና፥ ኣቦኡ ኽመውት እዩ’ በልናካ። 23ንኣና ንሓሻኽርካ ድማ ‘እቲ ንእሽተይ ሓውኩም ምሳኻትኩም እንተ ዘየምፂእኹምዎ፥ ደጊም ገፀይ ኣይትሪኡን ኢኹም’ በልካና።
24“ንሕና ኸዓ ናብ ሓሽከርካ ኣቦና ምስ ተመለስና ዘረባኻ ነገርናዮ። 25ኣቦና ድማ፥ ‘ተመሊስኩም ቁሩብ እኽሊ ሸምቱልና’ በለና። 26ንሕና ኸዓ፥ ‘ክንከይድ ኣይንኽእልን ኢና። ነዝ ንእሽተይ ሓውና ምሳና እንተ ዘይተማሊእናዮ፥ ገፅ እቲ ሰብኣይ ክንርኢ ኣይንኽእልን ኢና። ነዝ ንእሽተይ ሓውና ምሳና ኽንማልኦ እንኽእል እንተ ዄንና ግና ኽንከይድ’ በልናዮ። 27ኣቦና ሓሽከርካ ድማ፥ ‘ሰበይተይ ክልተ ወዲ ኸም ዝወለደትለይ፥ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 28እቲ ሓደ ካባይ ወፀ፤ ኣነ ኸዓ ብርግፅ ኣራዊት በሊዕዎ እዩ በልኩምኒ። ክሳዕ ሕዚ ድማ ኣይረአኽዎን። 29ነዙይ ከዓ ኻብ ቅድመይ እንተ ወሰድኩምዎ፥ እሞ ጕድኣት እንተ ረኸቦ፥ ንሲበተይ ብሓዘን ናብ መቓብር ከይተውርዱኒ’ በለና።
30“ሕዚ ኸዓ ኣነ ናብ ሓሽከርካ ኣቦይ እንተ ተመለስኩ፥ ነዝ ወዲ ድማ ምሳና እንተ ዘይተማሊእናዮ፥ የመና ስለ ዝፈትዎ፥ 31እቲ ቘልዓ ምሳና ኸም ዘየሎ ምስ ረአየ ኽመውት እዩ። ንሕና ሓሻኽርካ ኸዓ፥ ንሲበት ኣቦና ሓሽከርካ፥ ብጓሂ ናብ መቓብር ከም ዘውረድናዮ ኢና እንኸውን። 32ኣነ ሓሽከርካ ነዝ ቘልዓ እዙይ ካብ ኣቦይ ተውሒሰ እየ ኣምፂአዮ። ነቦይ ‘ናባኻ መሊሰ እንተ ዘየምፃእኽዎ ምሉእ ዕድመይ ሓጢኣተኛ እኸውን’ በልክዎ። 33ሕዚ ድማ ኣነ ኽንዲ ዝቘልዓ እዙይ፥ ባርያኻ ኾይነ ኽቕመጥ እልምነካ ኣለኹ። እዝ ቘልዓ እዙይ ግና፥ ምስ ኣሕዋቱ ይደይብ። 34ነዝ ወዲ እዙይ እንተይሓዝኩ ኸመይ ገይረ ናብ ኣቦይ ክድይብ እኽእል? እዝ ነቦይ ዝረኽቦ ኽፉእስ ክርኢ ኣይክእልን እየ” በሎ።
Currently Selected:
ዘፍጥረት 44: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in