YouVersion Logo
Search Icon

ዘፍጥረት 37

37
ዮሴፍን ኣሕዋቱን
1ያእቆብ ኣቦኡ ሰደተኛ ኾይኑ ይነብረሉ ኣብ ዝነበረ፥ ኣብ ምድሪ ከነዓን ተቐመጠ።
2ትውልዲ ያእቆብ ከምዙይ እዩ፦ ዮሴፍ ወዲ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት መንእሰይ ምስ ኮነ፥ ካብ ኣንስቲ ኣቦኡ ኻብ ባላን ዘለፋን ምስ ዝተወለዱ ኣሕዋቱ ናይ ኣቦኡ ኣባጊዕን ኣጣልን ይሕሉ ነበረ። ንሱ ብዛዕባ ሕማቕ ተግባር ኣሕዋቱ ነቦኡ የምፅአሉ ነበረ።
3እስራኤል ንዮሴፍ ኣብ እዋን እርግናኡ ስለ ዝወለዶ፥ ካብ ኵሎም ደቁ ኣብሊፁ ይፈትዎ ነበረ፤ ብሕብሪ ቐለማት ዘጌፀ ቐሚሽውን ከደኖ። 4እቶም ኣሕዋቱ፥ ኣቦኣቶም ሕልፊ ዅላቶም ከም ዝፈትዎ ሪኦም ፀልእዎ፤ ብሕውነት ክዛረብዎ ድማ ኣይደለዩን።
5ዮሴፍ ከዓ ሕልሚ ሓለመ፥ ነሕዋቱ ምስ ነገሮም ድማ የመና ፀልእዎ። 6ዮሴፍ ድማ “ዝሓለምክዎ ሕልሚ ኽነግረኩም ስምዑ” በሎም፦ 7“ንሕና ኣብ ማእኸል ግራት እንዳእቲ ንኣስር ነበርና። ሽዑ እንዳእተይ ተሲኣ ቀጥ ኢላ ደው በለት። እንዳዕትታትኩም ከዓ ንእንዳዕተይ ከቢበን ሰገዳላ።”
8ሽዑ ኣሕዋቱ “እሞ ብሓቂዶ ኣብ ልዕሌና ኽትነግስ ኢኻ? ብሓቂዶኸ ኽትገዝአና ኢኻ?” በልዎ። መሊሶም ድማ፥ ብሕልምታቱን ብዘረባኡን የመና ፀልእዎ።
9ዮሴፍ ከዓ ኻልእ ሕልሚ ሓለመ፤ ነሕዋቱውን “ካልእ ሕልሚ ሓሊመ፤ እንሆ ድማ ፀሓይን ወርሕን ዓሰርተ ሓደ ኸዋኽብትን እንትሰግዱለይ ረአኹ” ኢሉ ነገሮም።
10ከምቲ ነሕዋቱ ዝነገሮም ነቦኡ ድማ ነገሮ፤ ኣቦኡ ኸዓ “እዝ ዝሓለምካዮ እንታይ ዝሕልሙ እዩ? ብሓቂዶ ኣነን እኖኻን ኣሕዋትካን መፂእና፥ ኣብ ምድሪ ተደፊእና ኽንሰግደልካ ኢና?” ኢሉ ገሰፆ። 11#ግ.ሓ. 7፡9። ኣሕዋቱ ኸዓ ቐንኡሉ፤ ኣቦኡ ግና ነዝ ነገር እዙይ ኣብ ልቡ ይዓቝሮ ነበረ።
ዮሴፍ በሕዋቱ ኸም ዝተሸጠ
12ኣሕዋት ዮሴፍ ጥሪት ኣቦኣቶም ክጓስዩ ናብ ሴኬም ከይዶም ነበሩ። 13እስራኤል ከዓ ንዮሴፍ “ኣሕዋትካ ኣብ ሴኬም ይጓስዩዶ ኣይኮኑን? ሕዚ ኸዓ ነዓ፤ ናብኣቶም ክልእኸካ” በሎ። ዮሴፍ ድማ “እኒሀኹ” በሎ።
14ኣቦኡ ኸዓ “ኪድ እሞ ኣሕዋትካ ደሓን እንተ ሃልዮም፥ እተን ጥሪትውን ደሓን እንተ ሃልየን ርኢኻ፥ ወረኦም ኣምፅአለይ” ኢሉ፥ ካብ ሩባ ኬብሮን ለኣኾ።
ንሱ ኸዓ ናብ ሴኬም በፅሐ። 15ኣብቲ በረኻ ኸርተት ክብል እንተሎ ድማ ሓደ ሰብኣይ ረኸቦ፤ ንሱ ኸዓ “እንታይ ትደሊ ኣለኻ?” ኢሉ ጠየቖ።
16ዮሴፍ ድማ “ኣሕዋተይ እደሊ ኣለኹ። ኣበይ ይጓስዩ ኸም ዘለዉ እንዶ በይዛኻ ንገረኒ” በሎ።
17እቲ ሰብኣይ ከዓ “ካብዙይስ ተልዒሎም እዮም፤ ‘ናብ ዶታይን ንኺድ’ እንትብሉ ሰሚዐዮም ነይረ” በሎ። ዮሴፍ ድማ ደድሕሪ ኣሕዋቱ ኸይዱ፥ ኣብ ዶታይን ረኸቦም።
18ኣሕዋት ዮሴፍ ካብ ርሑቕ ረአይዎ፤ ገና ናብኣቶም ከይቀረበ እንተሎ ኸዓ፥ ክቐትልዎ ተማኸሩ። 19ንስንሳቶም ድማ “እንሆ እቲ ሓላሚ ይመፅእ ኣሎ፤ 20ንዑ ንቕተሎ። ካብዘን ጐዳጕዲ ኣብ ሓዲአን ንደርብዮ እሞ ‘ክፉእ ኣራዊት በሊዕዎ’ ንበል። እቲ ሕልምታቱ እንታይ ከም ዝኸውን ክንርኢ ኢና” ተበሃሃሉ።
21ሮቤል ግና እዙይ ምስ ሰምዐ ኸድሕኖ ኢሉ “ኣይንቕተሎ፥ 22ብኢድኩም እኳ ኣይትንክእዎ፤ ኣብዝ በረኻ እዙይ ናብ ዘሎ ጕድጓድ ደርቢይዎ እምበር ደምስ ኣይተፍስሱ” በሎም። ሮቤል ከምዙይ ዝበለ፥ ካብ ኢዶም ኣድሒኑ ናብ ኣቦኡ ኽመልሶ ኢሉ እዩ። 23ዮሴፍ ናብ ኣሕዋቱ ምስ በፅሐ፥ ነቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ነዊሕ በዓል ብዙሕ ሕብሪ ፅቡቕ ቀምሹ፥ ቀንጠጥዎ። 24ሒዞም ድማ ናብ ጕድጓድ ደርበይዎ። እቲ ጕድጓድ ማይ ዘይብሉ ንቑፅ ነበረ።
25እንጀራ ኽበልዑ ምስ ተቐመጡ፥ እስማኤላውያን ነጋዶ ኻብ ገለዓድ ክመፁ እንተለዉ ረአዩ። ንሳቶም ኣብ ኣግማሎም ሽቱን ቀመምን ከርበን ፅዒኖም ናብ ግብፂ ዝወርዱ ነበሩ። 26ይሁዳ ድማ ነሕዋቱ “ሓውና ቐቲልና፥ ደሙ እንተ ሓባእናስ፥ እንታይ ክዓብሰልና እዩ? 27ንዑ ግዳ ነዞም እስማኤላውያን ንሽጦ፤ ሓውናን ስጋናን እዩ እሞ፥ ኣይንቕተሎ” በሎም። ኣሕዋቱ ድማ ብዘረባኡ ተሰማምዑ። 28#ግ.ሓ. 7፡9። እቶም ነጋዶ ሰብ ምድያም ክሓልፉ እንተለዉ፥ ንዮሴፍ ሒዞም ካብ ጕድጓድ ኣውፅእዎ፤ ብዕስራ ብሩርውን ንእስማኤላውያን ሸጥዎ፤ ንሳቶም ድማ ናብ ግብፂ ወሰድዎ።
29ሮቤል ናብቲ ጕድጓድ ተመለሰ፤ እንሆ ኸዓ፥ ዮሴፍ ኣብቲ ጕድጓድ ኣይነበረን። ሽዑ ብጓሂ ኽዳኑ ቐደደ። 30ናብ ኣሕዋቱ ተመሊሱ ድማ፥ “እቲ ቘልዓ የለን፤ ደጊም ናበይ እየ ዝኸዶ?” በለ።
31ንሳቶም ከዓ ወጠጦ ሓሪዶም ንቐምሽ ዮሴፍ ኣብ ደም ኣለኹዎ። 32ነቲ ቐምሽ ናብ ኣቦኣቶም ሰዲዶም “እዙይ ረኺብና እሞ ቐምሽ ወድኻ እንተ ኾይኑ ወይ እንተ ዘይኮይኑ እስኪ ረአዮ” ድማ በልዎ።
33ያእቆብ ከዓ ነቲ ቐምሽ ዮሴፍ ኣለልዩ “እዙይ ናይ ወደይ እዩ፤ ክፉእ ኣራዊት በሊዕዎ። ዮሴፍ ብርግፅ ተበሊዑ እዩ” በለ። 34ያእቆብ ድማ ብጓሂ ኽዳኑ ቐዲዱ፥ ኣብ ሕቘኡ ወጮ ተዓጠቐ፤ ብዛዕባ ወዱ ብዙሕ መዓልቲ በኸየ። 35ኵሎም ኣወዳቱን ኣጓላቱን ድማ ኸፀናንዕዎ መፁ። ንሱ ግና ምፅንናዕ ኣበየ፤ “ብሓዘን ናብ ወደይ፥ ናብ መቓብር ክወርድ እየ” በለ። ስለዙይ ኣቦኡ ብዛዕባኡ በኸየ።
36ኣብ ግብፂ ድማ፥ እቶም ምድያማውያን ናብ ሓደ ኻብቶም ናይ ፈርዖን ኣዘዝቲ፥ ሓለቓ ዘብዐኛታት ዝኾነ፥ ናብ ጲጥፋራ ሸጥዎ።

Currently Selected:

ዘፍጥረት 37: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in