ገላትያ 6
6
ብዛዕባ ተኸኣኢልካ ምንባር
1 #
ማቴ. 18፡15፥ 1 ቆሮ. 10፡12። ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ሓደ ሰብ ኣብ ሓጢኣት እንተ ተረኽበ፥ መንፈሳውያን ዝኾንኩም ንስኻትኩም፥ ነዝ ኸምዙይ ዝበለ ሰብ፥ ብለውሃት መንፈስ ምለስዎ። ንስኻውን ከምኡ ኸይትፍተን፥ ንባዕልኻ ተጠንቀቕ። 2ነፍሲ ወከፍ፥ ናይ ካልእ ፆር ይፁር፤ በዙይ ከዓ ሕጊ ክርስቶስ ክትፍፅሙ ኢኹም። 3#ሮሜ 15፡1-2፥ 1 ቆሮ. 8፡2። ሓደ ሰብ፥ ንዘይኮኖ ኸም ዝኾነ እንተ መሰሎ፥ ንባዕሉ የታልል። 4እንተ ኾነ፥ ነፍሲ ወከፍ ናይ ባዕሉ ስራሕ ይመርምር፤ ሽዑ ብናይ ብፃዩ ዘይኮነ፥ ብናይ ባዕሉ ስራሕ ክምካሕ እዩ። 5#ሮሜ 14፡12። ነፍሲ ወከፍ ናይ ባዕሉ ፆር፥ ክፀውር ይግባእ እዩ እሞ።
6 #
1 ቆሮ. 9፡11-14። እቲ ነቲ ቓል ዝመሃር ከዓ፥ ካብቲ ዘለዎ ፅቡቕ ነገራት ምስቲ መምህሩ ይካፈሎ። #6፡6 ግእዝ “ነዝ ነገርዙይ ንኡስ ክርስቲያን ዅሉ ይስምዓዮ፤ ሰናይ ነገር ዅሉ ኸዓ ይመሃር” ይብል። 7ኣይትስሓቱ፤ እግዚኣብሄር ኣይዕሾን እዩ፤ ሰብ ነቲ ዝዘርኦ እዩ ዝዓፅድ። 8#ዮሓ. 3፡6፥ ሮሜ 8፡13። እቲ ንስጋኡ ኸሕጕስ ኢሉ ዝዘርእ፥ ካብ ስጋኡ ሞት ይዓፅድ። እቲ ንመንፈስ ከሕጕስ ኢሉ ዝዘርእ ከዓ፥ ካብ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይዓፅድ። 9#መክ. 11፡1፥ 2 ተሰ. 3፡13። እዋኑ ምስ በፅሐ ኽንዓፅድ ኢናሞ፥ ሰናይ ስራሕ ንምስራሕ ኣይንሰልኪ። 10እምበኣር ጊዜ እንተለና፥ ንዅሉ ሰብ፥ ብሕልፊ እኳ፥ ነቶም ብእምነት ኣሕዋትና ዝኾኑ፥ ሰናይ ንግበር።
ብግርዘት ዘይኮነ ሓድሽ ፍጥረት
11 #
1 ቆሮ. 16፡21። ብኸመይ ዝበሉ ፍሩያት ፊደላት፥ ብኢደይ ከም ዝፀሓፍኩልኩም ረአዩ። 12#ገላ. 5፡2፥11። እቶም ብስጋ ኽምክሑ ዝደልዩ ሰባት፥ ክትግረዙ ግዲ ይብሉኹም ኣለዉ፤ ነዝ ዝገብርዎ ዘለዉ ኸዓ፥ ብሰንኪ መስቀል ክርስቶስ፥ ከይስደዱ ኢሎም እዮም። 13#ገላ. 5፡3። ንሳቶም ብስጋኹም ምእንቲ ኽምክሑ፥ ክትግረዙ ይደልዩኹም ኣለዉ እምበር፥ እቶም ግሩዛት እኳ ባዕልቶም፥ ንሕጊ ኣይሕልዉን እዮም። 14#1 ቆሮ. 2፡2። ኣነ ግና፥ ዓለም ንኣይ ዝተሰቕለትሉ፥ ኣነውን ንዓለም ዝተሰቐልኩሉ መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እንተ ዘይኮይኑስ፥ ትምክሕቲ ኻባይ ይርሓቕ። 15#2 ቆሮ. 5፡17፥ ገላ. 5፡6። ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝርከብ ሓድሽ ፍጥረት ምዃን እምበር፥ ምግራዝ ኮነ ዘይምግራዝ፥ ዝጠቕሞ የብሉን። 16ኣብቶም በዛ መምርሒ እዚኣ ዝነብሩ ዅሎምን፥ ኣብቶም ናይ እግዚኣብሄር እስራኤልን፥ ሰላምን ምሕረትን ይኹን።
17 #
2 ቆሮ. 4፡10፥ ፊልጵ. 3፡10። ኣነስ ምልክት መከራ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ ሰብነተይ እፀውር ኣለኹ እሞ፥ ድሕሪ ሕዚ ሓደኳ ኣየትክረኒ።
18ኣሕዋተይ፥ ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን።
Currently Selected:
ገላትያ 6: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: