ገላትያ 5
5
ብክርስቶስ ዝርከብ ሓርነት
1 #
ዮሓ. 8፡36፥ ሮሜ 6፡14፥ ገላ. 4፡5። ብሓርነት ምእንቲ ኽንነብር ክርስቶስ ሓራ ኣውፂኡና እዩ። ስለዙይ ፅንዑ፤ መሊስኩም በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ።
2 #
ግ.ሓ. 15፡1፥ ገላ. 2፡21። እንሆ፥ ኣነ ጳውሎስ እነግረኩም ኣለኹ፦ እንተ ተገረዝኩም፥ ክርስቶስ ፈፂሙ ኣይጠቕመኩምን እዩ። 3#ሮሜ 2፡25። ኵሉ እቲ ዝግረዝ ሰብ ከዓ፥ ነቲ ሕጊ ብምሉኡ ኽፍፅሞ ግቡኡ ኸም ዝኾነ፥ ደጊመ እምስክር ኣለኹ። 4ኣቱም፥ ሕጊ ብምፍፃም ክትፀድቁ እትደልዩ፥ ካብ ክርስቶስ ተፈሊኹም ኢኹም፤ ካብ ፀጋ ኸዓ ወዲቕኩም ኢኹም። 5#ሮሜ 5፡1-2። ንሕና ግና፥ ብመንፈስ ብእምነት ክንፀድቕ ተስፋ ጌርና ንፅበ ኣለና። 6#1 ቆሮ. 7፡19፥ 13፡2። ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ኴንካ፥ እታ ብፍቕሪ እትሰርሕ እምነት እምበር፥ ምግራዝ ኮነ ዘይምግራዝ፥ ጥቕሚ የብሉን እሞ።
7 #
ገላ. 3፡1። ቅድም ፅቡቕ ትጐዩ ኔርኩም፤ ንሓቂ ኸይትእዘዝዋ ደኣ መን ኣዐንቀፈኩም? 8እዛ ምሕባል እዚኣ፥ ካብቲ ዝፀውዐኩም እግዚኣብሄር ኣይመፀትን። 9#1 ቆሮ. 5፡6። ውሑድ ማይ ብሒቝ፥ ንዅሉ እቲ ብሒቝ የብኵዖ እዩ። 10#ገላ. 1፡7። ካብዙይ ዝተፈለየ ኻልእ ከም ዘይትሓስቡ፥ ብጐይታ እተኣማመን እየ። እቲ ዘደናግረኩም ዘሎ ግና፥ ዝኾነ ይኹን ፍርዱ ኽቕበል እዩ። 11#1 ቆሮ. 1፡23፥ ገላ. 6፡12። ኣሕዋተይ፥ ኣነ “ግርዘት የድሊ እዩ” እናበልኩ፥ ዝሰብኽ እንተ ኾይነ ደኣ፥ ንምንታይ የሳጕጉኒ ኣለዉ? እቲ ናይ መስቀል ዕንቅፋት ከዓ ምተወገደ ነይሩ። 12እቶም ዝህውኹኹም ሰባት፥ እንተ ደልዮም ይሰለቡ።
ህይወት ብመንፈስ ቅዱስ
13 #
1 ቆሮ. 9፡19፥ 1 ጴጥ. 2፡16። ኣሕዋተይ፥ ንስኻትኩም ሓራ ኽትኮኑ ኢኹም ዝተፀዋዕኹም፤ ግና ሓርነትኩም ንስጋ ምኽንያት ኣይሃብ፤ ግና ንስንሳትኩም፥ ብፍቕሪ ከም ባሮት ኮኑ። 14#ሮሜ 13፡8። ሕጊ ብምሉኡ ኣብቲ “ንብፃይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር” ዝብል ትእዛዝ፥ ተጠቕሊሉ ኣሎ እሞ። 15ንስንሳትኩም እንተ ተናኸስኩምን፥ እንተ ተባላዕኹምን ግና፥ ከይትዋድኡ ተጠንቀቑ።
16 #
1 ጴጥ. 2፡11። ኣነ ግና ብመንፈስ ተመላለሱ፤ ድልየት ስጋ ኸዓ፥ ኣይትፈፅሙ እብለኩም ኣለኹ። 17#ሮሜ 7፡14፥15፥ 8፡5። ትምኒት ስጋ፥ ምስ መንፈስ መፃርርቲ እዩ፤ መንፈስ ከዓ፥ ምስ ድልየት ስጋ መፃርርቲ እዩ። ስለዙይ ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ፥ ክልቲኦም መፃርርቲ እዮም። 18#ሮሜ 8፡2። ብመንፈስ እንተ ተመሪሕኩም ግና፥ ትሕቲ ሕጊ ኣይኮንኩምን። 19#ቈላ. 3፡5። ተግባር ስጋ ግሁድ እዩ፤ ንሱ ኸዓ ዝሙት፥ ርኽሰት፥ ስድነት፥ 20ኣምልኾ ጣዖት፥ ጥንቈላ፥ ፅልኢ፥ ክርክር፥ ቅንኢ፥ ቍጥዓ፥ ንባዕልኻ ምፍታው፥ ምፍልላይ፥ መናፍቕነት፥ 21#1 ቆሮ. 6፡9-10። መንቀኝነት፥ ምቕታል፥ ስኽራን፥ ስድነት ዘለዎ ጐይላ፥ ነዙይ ዝመስል ኵሉን እዩ። ከምቲ ኣቐዲመ ዘጠንቀቕኩኹም፥ እቶም ነዙይ ዝመስል ዝገብሩ ዅሎም፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ኣይወርሱን እዮም። 22ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና፥ ፍቕሪ፥ ሓጐስ፥ ሰላም፥ ትዕግስቲ፥ ልግሲ፥ ሕያዋይነት፥ እምነት፥ 23ለውሃት፥ ንባዕልኻ ምግዛእ እዩ። ነዝ ኸምዙይ ዝመሰለ፥ ዝኽልክል ሕጊ የለን። 24#ሮሜ 6፡6። እቶም ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾኑ፥ ነቲ ስጋ ምስ ክፉእ ፍትወቱን ድልየቱን፥ ሰቒሎምዎ እዮም።
25ብመንፈስ እንነብር እንተ ደኣ ዄንና፥ ብመንፈስ ንመራሕ። 26#ፊልጵ. 2፡3። ንስንሳትና እናተነቓቐፍናን እናተቐናናእናን፥ ብኸንቱ ኣይንመካሕ።
Currently Selected:
ገላትያ 5: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: