እዝራ መእተዊ
መእተዊ
መፅሓፈ እዝራ መቐፀልታ ናይ ቀዳማይን ካልኣይን ዜና መዋእል እዩ። እዝ መፅሓፍ እዙይ ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ኣይሁድ ካብ ባቢሎን ተመሊሶም ኣብ ዓዶም ከምዝ ተቐመጡን ኣብ ኢየሩሳሌም ከም ብሓድሽ ንእግዚኣብሄር ከምልኹ ኸም ዝጀመሩን ዝትርኽ እዩ። ትሕዝቶኡ ኸዓ ኸምዝ ዝስዕብ እዩ። 1. ብትእዛዝ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ እቶም ናይ መጀመርታ ስደተኛታት ኣይሁድ ካብ ባቢሎን ተመለሱ። 2. ቤተ መቕደስ ከም ብሓድሽ ተሃኒፁ ተመረቐ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ንእግዚኣብሄር ከምልኹ ጀመሩ። 3. ድሕሪ ቑሩብ ዓመታት እዝራ፥ እቲ ምሁር ሕጊ እግዚኣብሄር ዝመርሖም ካልኦት ኣይሁድ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ። ነቲ መንፈሳዊ ውርሲ ደቂ እስራኤል ምእንቲ ኽሕልውዎ ድማ እዝራ ነቶም ህዝቢ መንፈሳዊ ህይወቶምን ማሕበራዊ ናብራኣቶምን ከመይ ገይሮም ከም ዝሰርዕዎ ሓገዞም።
ትሕዝቶ
1. እቶም መጀመርታ ኻብ ምርኮ ዝተመለሱ 1፡1-2፡70
2. ቤተ መቕደስ ከም ብሓድሽ ከም ዝተሃንፀን ከም ዝተመረቐን 3፡1-6፡22
3. እዝራ ምስ ካልኦት ካብ ምርኮ ኸም ዝተመለሰ 7፡1-10፡44
Currently Selected:
እዝራ መእተዊ: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in