እዝራ 8
8
1እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት እዚኣቶም እዮም፤ እቶም ብመንግስቲ ንጉስ ኣርጤክስስ ኻብ ባቢሎን ምሳይ ዝደየቡ ኸዓ መፅሓፍ ወለዶኦም እዙይ እዩ፦
2ካብ ደቂ ፊንሃስ፥ ጌርሶን፤ ካብ ደቂ ኢታምር፥ ዳንኤል፤ ካብ ደቂ ዳዊት፥ ሓጡስ፤
3ካብ ደቂ ሴኬንያ፥ ካብ ደቂ ፋሮስ፥ ዘካርያስ፤ ከምቲ ፅሑፍ ትውልዶም ከዓ ምስኡ ሚእትን ሓምሳን ኣወዳት ብትውልዲ ተቘፀሩ።
4ካብ ደቂ ፋሓት፥ ሞዓብ፤ ኤሊሆዔናይ ወዲ ዘራእያ፤ ምስኡ ድማ ኽልተ ሚእቲ ኣወዳት።
5ካብ ደቂ ሴኬንያ፥ ወዲ የሕዚኤል፤ ምስኡ ኸዓ ሰለስተ ሚእቲ ኣወዳት።
6ካብ ደቂ ዓዲን ድማ፥ ዔቤድ ወዲ ዮናታን፤ ምስኡውን ሓምሳ ኣወዳት።
7ካብ ደቂ ዔላም ከዓ፥ የሻያ ወዲ ጎቶልያ፤ ምስኡውን ሰብዓ ኣወዳት።
8ካብ ደቂ ሰፋጥያስ ድማ፥ ዝባድያ ወዲ ሚካኤል፤ ምስኡውን ሰማንያ ኣወዳት።
9ካብ ደቂ ኢዮኣብ፥ ኣብድዩ ወዲ ይሒኤል፤ ምስኡ ድማ ኽልተ ሚእትን ዓሰርተ ሸሞንተን ኣወዳት።
10ካብ ደቂ ሰሎሚት ከዓ፥ ወዲ ዮሲፍያ፤ ምስኡ ድማ ሚእትን ስሳን ኣወዳት።
11ካብ ደቂ ቤባይ ከዓ፥ ዘካርያስ ወዲ ቤባይ፤ ምስኡውን ዕስራን ሸሞንተን ኣወዳት።
12ካብ ደቂ ዓዝጋድ ድማ፥ ዮሓናን ወዲ ሃቃጣን፤ ምስኡውን ሚእትን ዓሰርተን ኣወዳት።
13ካብ ደቂ ኣዶኒቃም ድማ እቶም ዳሕረዎት ስሞም እዙይ እዩ፦ ኤሊፋላት፥ ይዑኤል፥ ሸማያ፥ ምስኣቶምውን ስሳ ኣወዳት።
14ካብ ደቂ በጉዋይ ከዓ፤ ዑታይን ዘቡድን፥ ምስኣቶምውን ሰብዓ ኣወዳት።
እዝራ ንኣገልግሎት ቤተ መቕደስ ዝኾኑ ሌዋውያን ከም ዝረኸበ
15ነቶም ህዝቢ ናብ ኣህዋ ኣቢሉ ናብ ዝውሕዝ ሩባ ድማ ኣከብክዎም። ኣብኡ ኸዓ ሰለስተ መዓልቲ ሰፈርና። ንህዝብን ካህናትን ቈፂረ ኣብኡ ኻብ ደቂ ሌዊ ሓደ እኳ ኣይረኸብኩን። 16ሽዑ ነቶም ኣሕሉቕ፥ ናብ ኣልኣዛር፥ ናብ ኣርኤል፥ ናብ ሸማያ፥ ናብ ኤልናታን፥ ናብ ያሪብ፥ ናብ ኤልናታን፥ ናብ ናታን፥ ናብ ዘካርያስ፥ ናብ ሜሱላም፥ ናብቶም መምህራን ከዓ ናብ ዮያሪብን ናብ ኤልናታንን ለኣኽኩ። 17ናብቲ ኣብ ቦታ ካሲፍያ ሓለቓ ዝነበረ፥ ናብ ኣዶ ሰደድክዎም። እቲ ነቶም ኣብ ቦታ ቤተ መቕደስ ካሲፍያ ንዝነበሩ ንኣዶን ነሕዋቱን ንናታኒምን፥ ንቤት ኣምላኽና ኣገልገልቲ ምእንቲ ኽሰዱልና ኸዓ፥ ክዛረብዎም ዝግብኦም ቃላት ነጊረ ሰደድክዎም። 18እታ ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኽና ኣብ ልዕሌና ስለ ዝነበረት፥ ካብ ደቂ ሞሖሊ የመና ብልሂ ዝነበረ ሰብኣይ፥ ወዲ ሌዊ፥ ወዲ እስራኤል ሰራብያ ድማ ምስ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ሸሞንተ ኣምፅኡልና። 19ከምኡውን ንሓሸብያ፥ ምስኡ ድማ ንየሻያ ኻብ ደቂ ሜራሪ ምስ ኣሕዋቱን ደቆምን ዕስራ ኣወዳት ኣምፅኡልና። 20ካብ ናታኒም ድማ ዳዊትን ኣሕሉቕን ንሌዋውያን ከገልግሉ ዘመረፅዎም ክልተ ሚእትን ዕስራን ናታኒም ነዞም በብስሞም ዝተፀውዑ ዅላቶም ሰደዱልና። እዚኣቶም ኵሎም በብስሞም ተመዝገቡ።
እዝራ ፆምን ፀሎትን ከም ዝኣወጀ
21ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ርእስና ኽነዋርድ፥ ንኣናን ንህፃናትናን ንዅሉ ጥሪትናን ቅኑዕ መንገዲ ንኽኾነልና፥ ኣብ ጥቓ ሩባ ኣሃዋ ፆም ኣወጅኩ። 22ንንጉስ፤ ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ንዝደልይዎ ዅላቶም ንፅቡቕ፥ ስልጣኑን ቍጥዓኡን ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ዝሓድግዎ ዅላቶም ከም ዝኾነት ኢልናዮ ነበርና እሞ፥ ስለዙይ ኣብ መንገዲ ኻብ ፀላእቲ ኸድሕኑና፥ ጭፍራን ፈረሰኛታትን ምልማን ሓፈርኩ። 23ብዛዕባ እዙይ ከዓ ፆምናን ናብ ኣምላኽና ፀለናን፤ ንሱ ድማ ሰምዐና።
ንቤተ መቕደስ ዝቐረበ ውህብቶ
24ካብ ሊቃነ ኻህናት ከዓ ዓሰርተ ኽልተ ሰባትን፥ ሰራብያን ሓሸቢያን፥ ምስኣቶም ድማ ኻብ ኣሕዋቶም ዓሰርተ ፈለኹ። 25እቲ ንጉስን መማኽርቱን ኣሕሉቑን፥ እቶም ካብ እስራኤል እተረኽቡ ዅላቶምን ንቤት ኣምላኽና ዝቐደስዎ ውህብቶኦም ብሩርን ወርቅን ኣቓሑን መዚነ ሃብክዎም።
26-27ሽዱሽተ ሚእትን ሓምሳን መክሊት #8፡26-27 ሓደ መክሊት፦ “42 ኪሎ” ኣቢሉ ይኸውን። ብሩር፥ ኣቑሑ ብሩር ድማ ሚእቲ መክሊት፥ ወርቂ ሚእቲ መክሊት፥ ዕስራ ፅዋዕ ወርቂ ኸዓ ሽሕ ዳሪክ #8፡26-27 ሓደ ዳሪክ፦ “500 ኪሎ” ኣቢሉ ይኸውን። ዝተመዝነ፥ ክልተ ጭሐሎ ድማ ኸም ወርቂ ዝምኽባሩ ኻብ ፅሩይ ዘንፀባርቕ ነሃስ እተሰርሐ ኣቑሑ መዚነ ኣብ ኢዶም ሃብክዎም።
28ከምዙይ ድማ በልክዎም፦ “ንስኻትኩም ንእግዚኣብሄር ዝተቐደስኩም ኢኹም፥ እዝ ኣቓሑውን ቅዱስ እዩ። እቲ ወርቅን ብሩርን ከዓ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ናይ ፍቓድ ውህብቶ እዩ። 29ኣብ ቅድሚ ኣሕሉቕ ካህናትን ሌዋውያንን፥ ኣብ ቅድሚ ኣሕሉቕ ማይ ቤት ኣቦታት እስራኤልን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብቲ ኽፍልታት ቤት እግዚኣብሄር ክሳዕ እትመዝኑ ተጠንቀቑን ሓልዉን” በልክዎም። 30እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ከዓ ናብ ቤት ኣምላኽና ናብ ኢየሩሳሌም ክወስድዎ ወርቅን ኣቑሑን ብሚዛን ተረከቡ።
ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝተመለሱ
31ብቐዳመይቲ ወርሒ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ መዓልቲ ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ክንከይድ፥ ካብ ሩባ ኣህዋ ተልዓልና። ኢድ እግዚኣብሄር ድማ ምሳና ነበረት እሞ ኣብ መንገዲ ኻብ ኢድ ፀላእን ካብ ዘድብዩን ኣድሓነትና። 32ናብ ኢየሩሳሌም ድማ በፃሕና፤ ኣብኣ ድማ ሰለስተ መዓልቲ ቀነይና።
33በታ ራብዐይቲ መዓልቲ ድማ፥ እቲ ብሩርን ወርቅን እቲ ኣቑሑን፥ ኣብ ቤት ኣምላኽና ብኢድ ሜሪሞት ወዲ ኻህን ኦርዮ ተመዘነ። ምስኡ ድማ ኣልኣዛር ወዲ ፊንሓስ ነበረ፤ ምስኣቶም ከዓ እቶም ሌዋውያን፥ ዮዛባት ወዲ ኢያሱን፥ ኖዓድያ ወዲ ቢንዊን ነበሩ። 34ኵሉ ተቘፀረን ተመዘነን፤ በቲ ጊዜ እቱይ ከዓ ዅሉ እቲ እተመዘነ ተመዝገበ።
35እቶም ኣብ ምርኮ ነይሮም ዝመፁ ምሩኻት ንኣምላኽ እስራኤል ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረቡሉ፤ ዓሰርተ ኽልተ ዝራብዓት ስለ ዅሎም እስራኤል፥ ተስዓን ሽዱሽተን ማጓሉ፥ ሰብዓን ሸውዓተን ጡቦታት፥ ዓሰርተ ኽልተ ዲበላታት ድማ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ኣቕረቡ። እዝ ዅሉ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ነበረ። 36እቲ ትእዛዝ ንጉስ ንመኳንንቲ ንጉስን ሰገር ንየው ሩባ ንዝነብሩ መሳፍንትን ሃብዎም። ንሳቶም ድማ ንህዝብን ንቤት እግዚኣብሄርን ሓገዙ።
Currently Selected:
እዝራ 8: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in