እዝራ 4
4
ከም ብሓድሽ ቤተ መቕደስ ከይሰርሑ ኸም ዝተቓወምዎም
1እቶም ፀላእቲ ይሁዳን ብንያምን ከዓ፥ እቶም ተማሪኾም ዝነበሩ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል መቕደስ ከም ዝሰርሑሉ ምስ ሰምዑ፥
2 #
2 ነገ. 17፡24-41። ናብ ዘሩባቤልን ናብ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ቀሪቦም “ካብታ ኣስራዶን ንጉስ ኣሶር ናብዙይ ዘምፅአና መዓልቲ ጀሚርና ንኣምላኽኩም ንስውእ ኣለና፥ ከማኻትኩምውን ንደልዮ ኢናሞ፥ ምሳኻትኩም ክንሰርሕ” በልዎም። 3ዘሩባቤልን ኢያሱን እቶም ዝተረፉ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት እስራኤልን ግና፥ “ንሕናስ ከምቲ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ዝኣዘዘና በይንና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ደኣ ቤት ንሰርሐሉ እምበር፥ ንስኻትኩም ምሳና ዄንኩም ንኣምላኽና ቤት ክትሰርሑሉ ኣይግብአኩምን እዩ” በልዎም።
4ሽዑ እቶም ህዝቢ እታ ሃገር፥ ኢድ ህዝቢ ይሁዳ ኣድከሙ፤ ከይሰርሑ ድማ ኣፈራርሕዎም።
5ነቲ ምኽሮም ከፍርሱ ድማ መኻሮ ብገንዘብ ዓደጉሎም። እዙይ ከዓ ብዅሉ ዘመን ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ክሳዕ መንግስቲ ዳርዮስ ንጉስ ፋርስ ኮነ።
ንኢየሩሳሌም ከም ብሓድሽ ከይሰርሕዋ ኸም ዝተቃወምዎም
6 #
ኣስ. 1፡1። ኣርጤክስስ ምስ ነገሰ ድማ፥ ብመጀመርታ ዘመን መንግስቱ፥ ንሳቶም ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ዝነብሩ ናይ ክሲ ነገር ፀሓፉ።
7ብዘመን ኣርጤክስስ ከዓ ቢሽላም፥ ሚትሪዳጡ፥ ጣብኤልን እቶም ዝተረፉ ብፆቱን ናብ ኣርጤክስስ ንጉስ ፋርስ ፀሓፉ። ፅሕፈት እቲ ደብዳበ ኸዓ ብኣራማይስጥ #4፡7 ብኣራማይስጥ፦ ወይ “ብቛንቋ ሶርያ” ተፅሒፉ ነበረ እሞ፥ ብኣራማይስጢ ድማ ተተርጐመት።
8ሬሑም እቲ ሹምን ሲምሳይ እቲ ፀሓፍን ናብ ንጉስ ኣርጤክስስ ከምዙይ ኢሎም ኣንፃር ኢየሩሳሌም ደብዳበ ፀሓፉ፦ 9“ሽዑ ሬሑም እቲ ሹምን ሲምሳይ እቲ ፀሓፍን እቶም ዝተረፉ ተሓባበርቶም ዲናውያንን ኣፈርሳትካውያንን ጠርፈላውያንን ኣፈርሳውያንን ኣርካውያንን ባቢሎናውያንን ሱስናካውያንን ዴሓውያንን ኤላማውያንን፥ 10እቶም እቲ ዓቢይን ክቡርን ኣስናፈር ኣግዒዙ ኣብ ሰማርያን ኣብ ማዕዶ ሩባ ዘቐመጦም ካልኦት ኣህዛብን ደብዳበ ፀሓፉ።”
11ቅዳሕ እታ ናብ ንጉስ ኣርጤክስስ ዝሰደድዋ ደብዳበ እዙይ እዩ፦ “እቶም ኣብቲ ማዕዶ ሩባ ዘለዉ ባሮትካ፦ 12እቶም ካባኻ ናባና ዝመፁ ኣይሁድ፥ ናባና ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝመፁ እሞ ነታ ዓማፂትን ክፍእትን ከተማ ይሰርሕዋ ኸም ዘለዉ፥ መካበብያኣ ኸዓ ኸም ዝፈፀሙ መሰረታ ድማ ኸም ዘፅንዑ፥ ንጉስ ይፍለጥ። 13ሕዚ ኸዓ እዛ ኸተማ እዚኣ እንተ ተሰሪሓ፥ መካበብያኣውን እንተ ተሓዲሱ፥ ግብርን ቀረፅን ገፀ በረኸትን ከም ዘይኸፍሉን ኣታዊ ንጉስውን ከም ዝጐድልን፥ ንጉስ ይፍለጥ።
14“እምበኣርከስ ንሕና ጨው ቤት ንጉስ እናበላዕና፥ ንንጉስ እንተቃልልዎ ስቕ ኢልና ምርኣይ ኣይግበአናን እዩሞ፥ ልኢኽና ንንጉስ ነፍልጥ ኣለና። 15ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ኣቦታትካ ምርመራ ይገበር። እዛ ኸተማ እዚኣ ዓማፂት ከተማ ኸም ዝኾነት፥ ንነገስታትን ንኣውራጃታትን ከም ዝጐድአት፥ ካብ ጥንቲ ኸዓ ኣብኣ ዕግርግር ከም ዝገበሩ፥ ኣብቲ መፅሓፍ ታሪኽ ክትረኽቦን ክትፈልጦን ኢኻ። ብእኡ ምኽንያት ድማ እዛ ኸተማ እዚኣ ፈረሰት። 16እዛ ኸተማ እዚኣ እንተ ደኣ ተሰሪሓ፥ መካበብያኣ ኸዓ እንተ ተሓዲሱ፥ ሰገር ንየው ሩባ፥ ክፍሊ ኸም ዘይብልካ፥ ንንጉስ ነፍልጥ ኣለና።”
17ንጉስውን ንሬሑም ሹምን ንሲምሳይ ፀሓፍን ነቶም ኣብ ሰማርያን ኣብ ካሊእን ኣብ ሰገር ንየው ሩባ ዝተረፉ ብፆቶምን ከምዙይ ኢሉ ምላሽ ሰደደ፦
18“ሰላም፤ እታ ናባይ ዝሰደድኩምዋ ደብዳበ ተተርጒማ፥ ብግልፂ ኣብ ቕድመይ ተነቢባ። 19ኣነ ድማ ኽምርምሩ ኣዘዝኩ። መርመሩ እሞ፥ እታ ኸተማ ኻብ ጥንቲ ጀሚራ ኣብ ነገስታት ከም ዝተስአት፥ ኣብኣ ድማ ሽፍትነትን ህውከትን ከም ዝተገብረ ተረኽበ። 20ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ንሰገር ሩባ ዝነበረ ዅሉ ሃገር ዝገዝኡ ሓያላት ነገስታት ነበሩ፤ ግብርን ቀረፅን ገፀ በረኸትን ይቕበሉ ነበሩ። 21እምበኣርከስ ካባይ ትእዛዝ ክሳዕ ዝወሃብ፥ እቶም ሰባት ስራሕ ከቑሙ፥ እታ ኸተማ ኸዓ ኸይትስራሕ ኣዝዙ። 22በዝ ነገር እዙይ ሸለል ከይትብሉ ተጠንቀቑ። እቲ ንነገስታት ዝጐድእ ክፉእ ነገር ስለ ምንታይ እናበዝሐ ዝኸይድ?”
23እታ ቕዳሕ ደብዳበ ንጉስ ኣርጤክስስ ኣብ ቅድሚ ሬሑምን ሲምሳይ ፀሓፍን ኣብ ቅድሚ እቶም ብፆቶምን ምስ ተነበበት፥ ቀልጢፎም ናብ ኢየሩሳሌም ናብቶም ኣይሁድ ከዱ እሞ፥ ብቕልፅምን ብሓይልን ካብ ምስራሕ ኣብኰርዎም።
ስራሕ ቤተ መቕደስ ከም ብሓድሽ ከም ዝተጀመረ
24 #
ሓጌ 1፡1፥ ዘካ. 1፡1። ሽዑ ስራሕ እታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር በዀረ፤ ክሳዕ እታ ኻልአይቲ ዓመት መንግስቱ ንዳርዮስ ንጉስ ፋርስውን ተቛረፀ።
Currently Selected:
እዝራ 4: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in