YouVersion Logo
Search Icon

እዝራ 2

2
ካብ ምርኮ ዝተመለሱ እስራኤላውያን
(ነህ. 7፡73)
1ናቡከድነፆር ንጉስ ባቢሎን ናብ ባቢሎን ማሪኽዎም ካብ ዝነበሩሞ፥ ካብ ምርኮ ደይቦም ናብ ኢየሩሳሌምን ናብ ይሁዳን፥ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኣቶም ዝተመለሱ ደቂ ሃገር እዚኣቶም እዮም።
2እቶም ምስ ዘሩባቤል ዝመፁ፦
ኢያሱ፥ ነህምያ፥ ሰራያ፥ ረዕላያ፥ ካብ መርዶክዮስ፥ በላሳን፥ መሴፋር፥ በጉዋይ፥ ሬሑም፥ ምስ በዓና መፁ።
ቊፅሪ ህዝቢ እስራኤል እዙይ እዩ
3ደቂ ፋሮስ ክልተ ሽሕን ሚእትን ሰብዓን ክልተን።
4ደቂ ሰፋጥያስ ሰለስተ ሚእትን ሰብዓን ክልተን።
5ደቂ ኤራ ሸውዓተ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን።
6ደቂ ፈሓት ሞኣብ ካብ ደቂ ኢያሱን ኢዮኣብን ክልተ ሽሕን ሸሞንተ ሚእትን ዓሰርተ ኽልተን።
7ደቂ ዔላም ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን።
8ደቂ ዛቱዕ ትሽዓተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን።
9ደቂ ዘካይ ሸውዓተ ሚእትን ስሳን።
10ደቂ ባኒ ሽዱሽተ ሚእትን ኣርብዓን ክልተን።
11ደቂ ቤባይ ሽዱሽተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን።
12ደቂ ዓዝጋድ ሽሕን ክልተ ሚእትን ዕስራን ክልተን።
13ደቂ ኣዶኒቃም ሽዱሽተ ሚእትን ስሳን ሽዱሽተን።
14ደቂ በጉዋይ ክልተ ሽሕን ሓምሳን ሽዱሽተን።
15ደቂ ዓዲን ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን።
16ካብ ዓሌት ሕዝቅያስ ደቂ ኣጤር ተስዓን ሸሞንተን።
17ደቂ ቤሳይ ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን።
18ደቂ ዮራ ሚእትን ዓሰርተ ኽልተን።
19ደቂ ሓሱም ክልተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን።
20ደቂ ጋቤር ተስዓን ሓሙሽተን።
21ደቂ ቤተልሔም ሚእትን ዕስራን ሰለስተን።
22ሰብ ነጦፋ ሓምሳን ሽዱሽተን።
23ሰብ ዓናቶት ሚእትን ዕስራን ሸሞንተን።
24ደቂ ኣዝሞት ኣርብዓን ክልተን።
25ደቂ ቂርያትይዓሪምን ከፊራን ብኤሮትን ሸውዓተ ሚእትን ኣርብዓን ሰለስተን።
26ደቂ ራማን ጌባን ሽዱሽተ ሚእትን ዕስራን ሓደን።
27ሰብ ማክማስ ሚእትን ዕስራን ክልተን።
28ሰብ ቤቴልን ጋይን ክልተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን።
29ደቂ ናባው ሓምሳን ክልተን።
30ደቂ መጌብስ ሚእትን ሓምሳን ሽዱሽተን።
31ደቂ እቲ ኻልኣይ ዔላም ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን።
32ደቂ ካሪም ሰለስተ ሚእትን ዕስራን።
33ደቂ ሎድና ሓዲድን ኦኖምን ሸውዓተ ሚእትን ዕስራን ሓሙሽተን።
34ደቂ ኢያሪኮ ሰለስተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን።
35ደቂ ሴናኣ ሰለስተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሰላሳን።
36ካህናት፥ ደቂ ዮዳኤ ኻብ ቤት ኢያሱ ትሽዓተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን።
37ደቂ ኢሜር ሽሕን ሓምሳን ክልተን።
38ደቂ ፋስኮር ሽሕን ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሸውዓተን።
39ደቂ ካሪም ሽሕን ዓሰርተ ሸውዓተን።
40ሌዋውያን፥ ደቂ ኢያሱን ቀድምኤልን፥ ካብ ደቂ ሆዳይዋ፥ ሰብዓን ኣርባዕተን።
41ዘመርቲ፥ ደቂ ኣሳፍ ሚእትን ዕስራን ሸሞንተን።
42ደቂ ኣጋፈርቲ፥ ደቂ ሰሎም፥ ደቂ ኣጤር፥ ደቂ ጢልሞን፥ ደቂ ዓቁብ፥ ደቂ ሓጢጣ፥ ደቂ ሶባይ፥ እዚኣቶም ኵላቶም ሚእትን ሰላሳን ትሽዓተን።
43ናታኒም፤ ደቂ ሲሓ፥ ደቂ ሓሱፋ፥ ደቂ ጠብዖት፥
44ደቂ ኬራስ፥ ደቂ ሲዓ፥ ደቂ ፋዶን፥
45ደቂ ልባና፥ ደቂ ኣጋባ፥ ደቂ ዓቁብ፥
46ደቂ ኣጋብ፥ ደቂ ሰምላይ፥ ደቂ ሓናን፥
47ደቂ ጌዴል፥ ደቂ ጋሓር፥ ደቂ ራያ፥
48ደቂ ረኣሶ፥ ደቂ ኔቆዳ፥ ደቂ ጋሴም፥
49ደቂ ዖዛ፥ ደቂ ፋሴሓ፥ ደቂ ቤሳይ፥
50ደቂ ኣስና፥ ደቂ ምዑናውያን፥ ደቂ ንፋሰሲም፥
51ደቂ በቅቡቅ፥ ደቂ ሓቁፋ፥ ደቂ ሓርሑር፥
52ደቂ በስሎት፥ ደቂ ምሒዳ፥ ደቂ ሓርሳ፥
53ደቂ በርቆስ፥ ደቂ ሲሳራ፥ ደቂ ቴማ፥
54ደቂ ንስያ፥ ደቂ ሓጢፋ።
55ደቂ ገላዉ ሰሎሞን፥ ደቂ ሶጣይ፥ ደቂ ሶፌሬት፥ ደቂ ፍሩዳ፥
56ደቂ የዕላ፥ ደቂ ዶርቆን፥ ደቂ ጌዴል፥
57ደቂ ሰፋጥያስ፥ ደቂ ሓጢል፥ ደቂ ፈክራት ደቂ ሃፂቦይም፥ ደቂ ኣሚ።
58እዚኣቶም ኵላቶም ናታኒምን ደቂ ኣገልገልቲ ሰሎሞንን ሰለስተ ሚእትን ተስዓን ክልተን እዮም።
59እዚኣቶም ድማ ኻብ ቴልሜላን ካብ ቴላሬሳ ካብ ከሩብ ካብ ኣዳንን ካብ ኢሜርን ዝደየቡ ነበሩ፤ ካብ እስራኤል ምዃኖም ማይ ቤት ኣቦታቶምን ዘርኦምን ክነግሩ ዘይከኣሉ፦ 60ደቂ ዳላያ፥ ደቂ ጦብያ፥ ደቂ ኔቆዳ ሽዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ክልተን ነበሩ።
61ካብ ደቂ ካህናት ከዓ፥ ደቂ ኤብያ፥ ደቂ ኣቆስ፥ ደቂ እቲ ኻብ ኣጓላት ቤርዜሊ ገለዓዳዊ ሰበይቲ ዝወሰደ ብስሞምውን እተሰምየ ቤርዜሊ እዮም።
62እዚኣቶም ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ፥ ትውልዶም ደለዩ፤ ግናኸ ኣይተረኽቡን፤ ስለዙይ ከም ርኹሳት ተቘፂሮም ካብ ክህነት ተኸልከሉ።
63 # ዘሑ. 27፡21። እቲ ሓቴርሰታም ኸዓ፥ ብኡሪምን ብቱሚምን ንእግዚኣብሄር ዝጥይቕ ካህን ክሳዕ ዝትስእ ካብ ዝተቐደሰ ኣይትብልዑ በሎም።
64ኵሉ እቲ ማሕበር ብምሉኡ ኣርብዓን ክልተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ስሳን ነበረ።
65ብዘይ ሓሻኽሮምን ኣግራዶምን፥ ሸውዓተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ነበሩ። ዝዝምሩን ዝዝምራን ድማ ኽልተ ሚእቲ ነበርዎም።
66ኣፍራሶም ሸውዓተ ሚእትን ሰላሳን ሽዱሽተን፥ ኣባቕሎም ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን፥ 67ኣግማሎም ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተን፥ ኣእዱጎም ሽዱሽተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ዕስራን ነበሩ።
68ገሊኣቶም ኻብቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ከዓ ናብታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ምስ መፁ፥ ነታ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እታ ቦታኣ ኽሰርሕዋ ብፍቓዶም ገንዘብ ሃቡ።
69ንመዝገብ እቲ ስራሕ ዝኸውን ከከም ዓቕሞም ስሳን ሓደን ሽሕ ዳሪክ #2፡69 ሓደ ዳሪክ፦ “500 ኪሎ” ኣቢሉ ይኸውን። ወርቂ፥ ሓሙሽተ ሽሕ ምናን #2፡69 ሓደ ምናን፦ “700 ግራም” ኣቢሉ ይኸውን። ብሩር፥ ልብሲ ኻህናት ድማ ሚእቲ ሃቡ።
70 # 1 ዜና. 9፡2፥ ነህ. 11፡3። ካህናትን ሌዋውያንን ገሊኣቶም ኻብቲ ህዝብን ዘመርትን ኣጋፈርትን ናታኒምን ከዓ ኣብ ከከተማኣቶም፥ ኵላቶም እስራኤልውን ኣብ ከከተማኣቶም ተቐመጡ።

Currently Selected:

እዝራ 2: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in