YouVersion Logo
Search Icon

እዝራ 1

1
ንጉስ ቂሮስ፥ ኣይሁድ ንዓዶም ክምለሱ ኸም ዝኣዘዘ
1 # ኤር. 25፡11፥ 29፡10። ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣብ መጀመርታ ዓመቱ፥ እቲ ብኣፍ ኤርሚያስ ዝተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽፍፀም፥ እግዚኣብሄር ንመንፈስ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣለዓዓሎ። ኣብ ኵላ መንግስቱ ድማ ብቓልን ብፅሑፍን ከምዙይ ኢሉ ኣወጀ፦
2 # ኢሳ. 44፡28። “ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣምላኽ ሰማይ እግዚኣብሄር፥ ኵለን መንግስታት ምድሪ ሂቡኒ፤ ንሱ ኸዓ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ኢየሩሳሌም ቤት ክሰርሐሉ ኣዘዘኒ።
3“ዝኾነ ይኹን ካብ ህዝቡ ኣብ ማእኸልኩም ዘሎ ኸዓ ኣምላኹ ምስኡ ይኹን። ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብር ኣምላኽ እስራኤል፥ ቤት ክሰርሐሉ ናብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ኢየሩሳሌም ይደይብ።
4“ኣብ ኵለን ቦታታት ስደቱ ንዝተረፈ ዅሉ ሰብ ድማ፥ ብዘይ ሰብ እታ ቦታ፥ ብዘይ እቲ ብፍቓዶም ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቤት ኣምላኽ ዝወሃብ፥ ብብሩርን ብወርቅን ብገንዘብን ብእንስሳን ይሓግዝዎ።” 5ሽዑ እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ይሁዳን ብንያምን ካህናትን ሌዋውያንን፥ ነታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ክሰርሑ ኽድይቡ እግዚኣብሄር ንመንፈሶም ዘለዓዓሎ ዅሎም ተስኡ።
6እቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነብሩ ዅላቶም ከዓ፥ ብዘይ እቲ ብፍቓዶም ዝህብዎ ውህብቶ፥ በቕሓ ብሩርን ወርቅን ብገንዘብን ብእንስሳን ብዝኸበረ ውህብቶታትን ሓገዝዎም። 7ነቲ ናቡከደነፆር ካብ ኢየሩሳሌም ኣውፂኡ ኣብ ቤት ኣምላኹ ኣቐሚጥዎ ዝነበረ ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ፥ ንጉስ ቂሮስ ኣውፅኦ። 8ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ድማ ብኢድ ሚትሪዳጡ እቲ ተሓዚ መዝገብ ኣውፂኡ ንሹም ይሁዳ ንሰሳብሳር ቈፂሩ ሃቦ። 9ቍፅሩ ኸዓ፦ ሰላሳ ወርቂ ጭሐሎ፥ ሽሕ ብሩር ጭሐሎ፥ ዕስራን ትሽዓተን ካራታት፥
10ሰላሳ ፅዋዕ ወርቂ፥ ኣርባዕተ ሚእትን ዓሰርተን ካልእ ዓይነት ፅዋዕ ብሩር፥ ሽሕ ካልእ ኣቕሓ ነበረ። 11ኵሉ ኣቕሓ ወርቅን ብሩርን ሓሙሽተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበረ። እቶም ምሩኻት ካብ ባቢሎን ናብ ኢየሩሳሌም ክድይቡ እንተለዉ ሰሳብሳር ነዝ ዅሉ ኣደየቦ።

Currently Selected:

እዝራ 1: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in