ሕዝቅኤል 43
43
እግዚኣብሄር ናብታ ቤተ መቕደስ ተመለሰ
1ድሕሪዙይ ናብታ ደገ፥ ናብታ ንምብራቕ ኣቢላ እትርኢ ደገ ኣውፅአኒ። 2እንሆ ኸዓ ኽብሪ ኣምላኽ እስራኤል ካብ ምብራቕ ኣቢሉ መፀ፤ ድምፁ ድማ ኸም ህማም ብርቱዕ ማያት ነበረ፤ ምድሪ እውን ብኽብሩ በርሀት። 3እቲ ኣነ ዝረአኽዎ ራእይ ድማ፥ ከምቲ ነታ ኸተማ ኸጥፍእ ምስ መፃእኹ ዝረአኽዎ ራእይ እዩ፤ እዝ ራእያት እዙይ ከዓ፥ ከምቲ ኣብ ሩባ ኮቦር ዝረአኽዎ ራእይ ነበረ፤ ኣነውን ብገፀይ ፍግም ኢለ ወደቕኩ። 4ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ፥ በታ ናብ ምብራቕ እተርኢ ደገ፥ ናብታ ቤት ኣተወ።
5መንፈስ ሓፍ ኣበለኒ፤ ናብታ ውሽጣዊት ዓፀድ ከዓ ኣእተወኒ፤ እንሆ ድማ ኽብሪ እግዚኣብሄር ነታ ቤት መልኣ። 6ኣነ ኸዓ ኻብታ ቤት፥ ሓደ ኽዛረበኒ እንተሎ ሰማዕኹ፤ ኣብ ጥቓይ ድማ ሰብኣይ ደው ኢሉ ነበረ። 7በለኒውን፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እታ ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል፥ ንሓዋሩ ዙፋነይ ዝነብረላን፥ እግረይ ዝረግፃን ቦታ እዚኣ እያ፤ ቤት እስራኤል፥ ንሳቶምን ነገስታቶምን፥ ነቲ ቕዱስ ስመይ፥ ብምንዝርናኦምን ብሬሳ ነገስታቶምን፥ ኣብቲ ላዕለዋይ ቦታኦም ድሕሪዙይ ኣየርክስዎን እዮም። 8መንደቕ ጥራሕ ኣብ መንጎይን መንጎኣቶምን ክሳዕ ዝኸውን፥ መድረኾም ኣብ ጥቓ መድረኸይ፥ ልዳቶም ኣብ ጥቓ ልዳተይ ገበሩ፤ በዝ ዝገበርዎ ርኽሰት ነቲ ቕዱስ ስመይ ኣርከስዎ፤ ስለዙይ ድማ ብቝጥዓይ ኣጥፋእኽዎም። 9ሕዚ ንምንዝርናኦምን ንሬሳ ነገስታቶምን ካባይ ከርሕቑ እዮም፤ ኣነውን ንሓዋሩ ኣብ ማእኸሎም ክነብር እየ።”
10“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ብሓጢያቶም ክሓፍሩስ፥ ንቤት እስራኤል እዛ ቤት እዚኣ ኣርእዮም፤ ምስሊ እቲ ህንፃውን ይለክዑ። 11በቲ ዅሉ ዝገበርዎ እንተ ሓፈሩስ፥ ንዅሉ ምስላን ስርዓታን ምእንቲ ኽሕልውዎን ክገብርዎን፥ ምስሊ እታ ቤት ኣሰራርዓዓን ነቲ መውፅኢኣን መእተዊኣን ኵሉ ምስላን ኵሉ ስርዓታን፥ ኵሉ ምስላን ኵሉ ሕግጋታን ኣፍልጦም፥ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ከዓ ፀሓፎ። 12ሕጊ እታ ቤት ድማ እዙይ እዩ፤ እቲ ኣብ ዝባን እቲ እምባ፥ ኣብ ኵሉ ዙርያኡ ዘሎ ቦታ፥ የመና ቕዱስ እዩ፤ እንሆ ሕጊ እታ ቤት እዙይ እዩ።”
መሰውኢ
13ልክዕ እታ መሰውኢ ድማ ብእመት እዙይ እዩ፤ እታ እመት ከዓ እመትን ስድርን እያ፤ እግሩ ሓደ እመት ወርዱ ኸዓ ሓደ እመት እዩ፤ ብዘሎ ዙርያ ኸፈፉውን ገንዙ ሓደ ስድሪ እዩ፤ እዙይ መሰረት እቲ መሰውኢ እዩ። 14ካብ ምድሪ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ ታሕተዋይ ሕዳግ ክልተ እመት፥ ወርዱ ኸዓ ሓደ እመት እዩ፤ ካብቲ ታሕተዋይ ሕዳግ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እቲ መወዳእታ ሕዳግ ድማ፥ ኣርባዕተ እመት ወርዱውን ሓደ እመት እዩ። 15እቲ ዝባን መሰውኢ ኣርባዕተ እመት እዩ፤ ካብቲ መአጐዲ ሓዊ መሰውኢ ንላዕሊ ኣቢሉ ኸዓ ኣርባዕተ ቐርኒ ኣሎ። 16እቲ ናይ መሰውኢ መአጐዲ ሓዊ ምንዋሑ ዓሰርተ ኽልተ እመት፥ ወርዱ ኸዓ ዓሰርተ እመት እዩ፤ ኣርባዕቲኡ መኣዝኑውን ማዕረ እዩ። 17እቲ ሕዳግ ከዓ በርባዕተ ወገኑ፥ ምንዋሑ ዓሰርተ ኣርባዕተ እመት፥ ወርዱውን ዓሰርተ ኣርባዕተ እመት ማዕረ ማዕረ እዩ፤ እቲ ኣብ ዙርያኡ ዘሎ ኸፈፍ ድማ ፈረቓ እመት፥ እግሩ ኸዓ ብኽቡ ሓደ እመት እዩ፤ ደረጃታቱውን ናብ ምብራቕ ገፁ እዩ።
ምቕዳስ መሰውኢ
18በለኒ ድማ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብኡ ምእንቲ ኸቕርቡ፥ ደም ከዓ ኣብኡ ኽነፅጉስ፥ በቲ ዝስርሐሉ መዓልቲ ስርዓት እቲ መሰውኢ እዙይ እዩ፦ 19እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነቶም ከገልግሉኒ ኢሎም ዝቐርቡኒ፥ ካብ ዘርኢ ሳዶቅ ዝኾኑ ሌዋውያን ካህናት፥ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዝኸውን ዝራብዕ ክትህቦም ኢኻ፤’ 20ንስኻ ድማ ኻብቲ ደሙ ኽትወስድ፥ ኣብቲ ኣርባዕተ ቐርኑን፥ ኣብቲ ኣርባዕተ መኣዝን ሕዳጋትን፥ ኣብቲ ኸፈፉን ኣብ ዙርያኡ ኽትገብሮ ኢኻ፤ በዝ ኸምዙይ ክተፅርዮን ክተተዓርቖን ኢኻ። 21ነቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ክትወስዶ ኢኻ፤ ኣብ ወፃኢ መቕደስ፥ ኣብቲ እተወሰነሉ ቦታ እታ ቤት ድማ ኽቃፀል እዩ። 22ብኻልኣይ መዓልቲ ኸዓ፥ ጕድለት ዘይብሉ ዲበላ፥ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ክተቕርብ ኢኻ፤ ከምቲ ብዝራብዕ ገይሮም ዘፅረይዎ፥ ነቲ መሰውኢ ኸፅርይዎ እዮም። 23ምፅራዩ ምስ ፈፀምካ፥ ጕድለት ዘይብሉ ዝራብዕ፥ ካብ ኣባጊዕውን ጕድለት ዘይብሉ ማጕላ ኽተቕርብ ኢኻ። 24ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክተቕርቦ ኢኻ፤ እቶም ካህናት ድማ ጨው ክንስንሱሎም፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ከቕርቡሉ እዮም። 25ሸውዓተ መዓልቲ ዕለት ዕለት መስዋእቲ ሓጢኣት ዝኸውን ዲበላ ኽተቕርብ ኢኻ፤ ጕድለት ዘይብሎም ዝራብዕን፥ ካብ ኣባጊዕ ድማ ማጕላን ክስውኡ እዮም። 26ሸውዓተ መዓልቲ ነቲ መሰውኢ ኸፅርይዎን ከንፅህዎን ክቕድስዎን እዮም። 27እዘን መዓልቲታት እዚኣተን ምስ ተፈፀማ፥ በታ ሻምነይቲ መዓልትን ብድሕሪኣን፥ እቶም ካህናት ኣብቲ መሰውኢ ንዝቃፀል መስዋእቲ፥ ንመስዋእቲ ምስጋናኹምን ከቕርቡ እዮም፤ ኣነውን ባህ ኢሉኒ ክቕበለኩም እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። #ዘፀ. 29፡35-37።
Currently Selected:
ሕዝቅኤል 43: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in