ሕዝቅኤል 42
42
ኣብ ቤተ መቕደስ ዝተሰርሓ ኽልተ ህንፃታት
1ድሕሪዙይ ንሱ ናብቲ ናብ ሰሜን ዘብል መንገዲ ናብ ወፃኢ ዓፀድ ኣውፅአኒ፤ ናብቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ጥራሑ ዘሎ ቦታን፥ ኣብ ግምባር እቲ ናብ ሰሜን ዝርኢ ህንፃን፥ ዘሎ ኽፍሊ ቤት ከዓ ኣእተወኒ። 2እታ ደጊኣ ናብ ሰሜን ኣቢላ እትርኢ፥ ምንዋሓ ሚእቲ እመት፥ ወርዳ ኸዓ ሓምሳ እመት ነበረ። 3ኣብ ኣንፃር እታ ዕስራ ዝእመታ ውሽጣዊት ዓፀድ፥ ኣብ መንፅር እቲ ኣብ ወፃኢ ዓፀድ ዘሎ ምድሪ ቤት እምኒ ኸዓ፥ መተሓላለፊ ኣብቲ ሰለስተ ደርቢ ነበረ። 4ኣብ ቅድሚ እተን ክፍልታት ኣባይቲ ድማ፥ ዓሰርተ እመት ዝወርዱ መተሓላለፊ ነበረ፤ ናብ ውሽጢ ኸዓ ሓደ ዝእመቱ መንገዲ ነበረ፤ ደገታታውን ናብ ሰሜን ኣቢለን እየን። 5እቲ መተሓላለፊታት፥ ቦታ ስለ ዝወሰደለን፥ እተን ላዕለዎት ክፍልታት ኣባይቲ፥ ካብተን ታሕተዎትን ማእኸለዎትን ናይቲ ህንፃ ይፀባ ነበራ። 6ንሳተን ሰለስተ ደርቢ እየን እሞ፥ ኣዕምዲስ ኸምተን ናይ ዓፀድ ኣዕምዲ ኣይነበረንን፤ ስለዙይ ካብ ምድሪ ቤት ሒዙ እተን ላዕለዎት ክፍልታት ኣባይቲ፥ ካብተን ታሕተዎትን ማእኸለዎትን ይፀባ ነበራ። 7-8እተን ኣብ ወፃኢ ዘለዋ ኽፍልታት ኣባይቲ፥ ምንዋሐን ሓምሳ እመት ነበረ፤ እቲ ኣብ መንፅር ቤተ መቕደስ ዝነበረውን፥ ሚእቲ እመት ነበረ እሞ፥ እቲ ኣብ ቅድሚ ኽፍልታት ኣባይቲ፥ ናብቲ ወፃኢ ዓፀድ ዘብል፥ ኣብ ወፃኢ ኣብ ኣንፃር እቲ ኽፍልታት ኣባይቲ ዝነበረ መንደቕ፥ ምንዋሑ ሓምሳ እመት ነበረ። 9ነቶም ካብ ወፃኢ ዓፀድ ዝኣትዉ፥ ኣብ ትሕቲ እዘን ክፍልታት ቤት እዚኣተን ብወገን ምብራቕ መእተዊ ኣሎ። 10ኣብ ወገን ምብራቕ ኣብ መእተዊ እቲ መንደቕ ዓፀድ፥ ቅድሚ እቲ ጥራሑ ዘሎ ቦታን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ህኑፅን ክፍልታት ኣባይቲ ነበራ። 11ኣብ ቅድሚአን ከዓ፥ ከምቲ ናብ ሰሜን ዘብል ክፍልታት ኣባይቲ መተሓላለፊ ነበረ፤ ምንዋሐንን ወርደንን መውፅኢአንን ስርዓተንን ደገአንን ማዕረ ማዕረ ነበረ። 12ከምተን ናብ ደቡብ ዘብላ ደገታት ክፍልታት ኣባይቲ፥ ኣብ ልዕሊ እታ መንገዲ ደገ ነበረ፤ ንሳውን ነቶም ካብ ምብራቕ ዝአትዉ ኣብ ቅድሚ እቲ መንደቕ ዝነበረት እያ።
13በለኒውን፥ እዘን ኣብ ቅድሚ እቲ ጥራሑ ዘሎ ቦታ፥ ናይ ሰሜንን ደቡብን ክፍልታት ኣባይቲ፥ ቅዱሳት ክፍልታት ኣባይቲ እየን፤ ኣብአን እቶም ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርቡ ኻህናት፥ ነቲ የመና ቅዱስ ነገር ክበልዑ እዮም። ቅዱስ ቦታ እዩ እሞ፥ ኣብኡ ነቲ የመና ቅዱስ ነገር መስዋእቲ እኽልን፥ መስዋእቲ ሓጢኣትን፥ መስዋእቲ በደልን ከንብሩ እዮም። 14እቶም ካህናት ምስ ኣተዉ፥ እተን ዘገልገሉለን ኣልባሳት ቅዱሳት እየን እሞ፥ ኣብኡ ኸየንብርወን፥ ካብታ መቕደስ ናብ ወፃኢ ዓፀድ ኣይውፅኡ፤ ካልእ ክዳውንቲ ይከደኑ እሞ፥ ናብቲ ንህዝቢ ዝተመደበ ቦታ ይውፅኡ።
ብወፃኢ መለክዒ ቤተ መቕደስ
15ነታ ውሽጣዊት ቤት ኣሚቱ ምስ ወድአ፥ በታ ናብ መንገዲ ምብራቕ እተብል ደገ ኣውፅአኒ፤ በዙይን በቱይን ብዙርያኣ ድማ ኣመታ። 16ነቲ ወገን ምብራቕ በታ መአመቲት ዘንጊ ኣመቶ፤ በታ መአመቲት ዘንጊ ኸዓ ብዙርያኡ ሓሙሽተ ሚእቲ ዘንጊ ኾነ። 17ነቲ ወገን ሰሜን ከዓ ኣመቶ፤ በታ መአመቲት ዘንጊ ድማ፥ ብዙርያኡ ሓሙሽተ ሚእቲ ኾነ። 18ነቲ ወገን ደቡብ ከዓ ኣመቶ፤ በታ መአመቲት ዘንጊ፥ ሓሙሽተ ሚእቲ ዘንጊ ኾነ። 19ናብቲ ወገን ምብራቕ ዞረ፤ በታ መአመቲት ዘንጊ ድማ ሓሙሽተ ሚእቲ ዘንጊ ኣመቶ። 20ነቲ ኣብ ዙርያኡ ዘሎ መንደቕ፥ በርባዕቲኡ ወገን ኣመቶ፤ ምንዋሑ ሓሙሽተ ሚእቲ እመት፥ ወርዱ ኸዓ ሓሙሽተ ሚእቲ እመት ኮነ፤ እዙይ ነቲ ቕዱስ ካብቲ ዘይቅዱስ ዝፈሊ ነበረ።
Currently Selected:
ሕዝቅኤል 42: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in