ሕዝቅኤል 41
41
1ናብታ መቕደስ ድማ ኣእተወኒ፤ ነቲ ዓምዲ እቲ መንደቕውን ኣመቶ፤ እቲ ወርዱ ኸዓ ኸም ወርዲ እታ ድንኳን፥ ሽዱሽተ እመት በዙይ፥ ሽዱሽተ እመት ከዓ በቱይ ኮነ። 2ወርዲ እታ ኣፍ ደገ ኸዓ ዓሰርተ እመት ነበረ፤ መእተዊ እታ ኣፍ ደገ ድማ ሓሙሽተ እመት በዙይ፥ ሓሙሽተ እመት ከዓ በቱይ ነበረ፤ ምንዋሓ ኣርብዓ እመት፥ ወርዳውን ዕስራ እመት ኣመቶ።
3ድሕሪዙይ ናብ ውሽጢ ኣተወ እሞ፥ ንመንደቕ እታ ኣፍ ደገ ኽልተ እመት፥ ነታ ኣፍ ደገ ኸዓ ሽዱሽተ እመት፥ ወርዲ እታ ኣፍ ደገውን ሸውዓተ እመት ኣመቶ። 4ነቲ ቕድሚ መቕደስ፥ ምንዋሑ ዕስራ እመት፥ ወርዱ ኸዓ ዕስራ እመት ኣመቶ፤ “እዚኣ እታ ቅድስተ ቅዱሳን እያ” ኸዓ በለኒ።
ኣብ መንደቕ ቤተ መቕደስ ለጊበን ዝተሰርሓ ኽፍልታት
5ድሕሪዙይ መንደቕ እታ ቤት፥ ሽዱሽተ እመት ኣመተ፤ ኣብ ዙርያ እታ ቤት ብዅሉ ወገና ዘለዋ ኽፍልታት ኣባይቲ ኸዓ፥ ወርደን ኣረርባዕተ እመት ኣመቶ። 6እተን ብጐና ዝነበራ ኽፍልታት ኣባይቲ፥ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ፥ ሰለስተ ደብሪ ዘለወን ሰላሳ እየን፤ ኣብ መንደቕ እታ ቤት ከይተፀግዓስ፥ ኣብቲ ኣብ ዙርያ ኽፍልታት ኣባይቲ ዘሎ መንደቕ እታ ቤት ክፅግዓ፥ ኣብኡ ተጋጢመን ነበራ። 7ኣብ ዙርያ እታ ቤት ካብ ደብሪ ናብ ደብሪ ዝዘውር መደያይቦ ነበረ እሞ፥ እቲ ኽፍልታት ኣባይቲ ብዙርያ ንላዕሊ ኣቢሉ ብዝወፀሉ መጠን፥ እናገፍሐ እዩ ዝኸይድ፤ ስለዙይ ምግፋሕ እታ ቤት፥ ናብ ላዕሊ ኣቢሉ እዩ ዝርኢ፤ ከምኡውን ካብ ታሕቲ ንላዕሊ፥ ብማእኸላይ ኣቢሉ መደየቢ ነበራ። 8ኣነ ኸዓ ነታ ቤት ብዙርያኣ ልዕል ዝበለ መሰረት ከም ዘለዋ ረአኹ፤ እቲ መሰረት እተን ብጐኒ ዝነበራ ኽፍልታት ኣባይቲ ድማ፥ በታ ዘንጊ ሽዱሽተ እመት ልክዕ ነበረ። 9እተን ብጐኒ ዘለዋ ኽፍልታት ኣባይቲ እተሃንፃሉ መንደቕ፥ ወርዱ ብወፃኢ ሓሙሽተ እመት ነበረ፤ ኣብ መንጎ እተን ብጐኒ ዝነበራ ኽፍልታት ኣባይቲ ኸዓ፥ ጥራሑ ዝነብር ቦታታት ኣሎ። 10ኣብ መንጎ እተን ክፍልታት ኣባይቲ ድማ፥ ብዙርያ እታ ቤት ዐዕስራ እመት ነበረ። 11ደገታት እተን ብጐኒ ዘለዋ ኽፍልታት ኣባይቲ ኸዓ፥ ናብቲ ጥራሑ ዝነብር ቦታታት፥ ሓንቲ ደገ ንሰሜን፥ ሓንቲ ኸዓ ንደቡብ ኣቢለን ነበራ፤ እቲ ጥራሑ ዘሎ ቦታ ኸዓ፥ ብዙርያኡ ወርዱ ሓሓሙሽተ እመት ነበረ።
ብወገን ምዕራብ ዘሎ ህንፃ
12እቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ጥራሑ ዘሎ ሕዳግ እተሃንፀ ንምዕራብ ወገኑ ወርዱ ሰብዓ እመት ነበረ፤ ናይቲ እተሃንፀ መእተዊ መንደቕ፥ ብዙርያኡ ሓሙሽተ እመት ነበረ፤ ምንዋሑ ኸዓ ተስዓ እመት ነበረ።
ዓቐን ምሉእ ቤተ መቕደስ
13ነታ ቤት ድማ ኣመታ፥ ምንዋሓ ሚእቲ እመት ኮነት፤ እቲ ጥራሑ ዘሎ ቦታን፥ እቲ ህኑፅን መንደቑን ከዓ፥ ምንዋሑ ሚእቲ እመት ኮነ። 14ቅድሚት እታ ቤት ምስ ናይ እቲ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ዘሎ ፍሉይ ቦታ፥ ወርዱ ሚእቲ እመት ነበረ። 15ንሱ ኸዓ ነቲ ኣብ ቅድሚት እቲ ፍሉይ ዝኾነ ቦታ፥ ክሳዕ እቲ ብወገን ድሕሪት ዘሎ ህንፃን፥ ነቲ በዙይን በቱይን ዘሎ መተሓላለፊኡን ኣመቶ፤ ምንዋሑ ድማ ሚእቲ እመት ኮነ። እታ ውሽጣዊት መቕደስን እቲ ገበላታት እቲ ዓፀድን፥ ናብ ቤተ መቕደስ እተእቱ ኽፍሊ፥ መቕደስ፥ ቅድስተ ቅዱሳን፥ 16መድረኻትን እቲ ብሽቦ እተሰርሐ መሳዅትን፥ እቲ ኣብ ዙርያ እተን ሰለስተ ደብርታት ዘሎ መተሓላለፍን፥ ኣንፃር እቲ ልዳት፥ ካብ ምድሪ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ መሳዅቲ ድማ ኽዱን ነበረ። 17ካብ ልዕሊ እታ ደገ ኽሳዕ እታ ውሽጣዊት ቤት፥ ብወፃእን ብዅሉ ዙርያ እቲ መንደቕን ብኣታዊኡን ብወፃኢኡን ልክዕ እዩ። 18ኪሩቤልን ስየን ተቐሪፅዎ ነበረ፤ ኣብ መንጎ ኪሩቤልን፥ ኪሩቤልን ከዓ ሓንቲ ስየ ነበረት፤ ነፍሲ ወከፍ ኪሩቤል ከዓ ኸክልተ ገፅ ነበሮ። 19ነታ ስየ፥ ናብቲ ሓደ ወገና ገፅ ሰብ፥ ናብቲ ኻልእ ወገና ኸዓ ገፅ ኣንበሳ ነበራ፤ ንብዘላ እታ ቤት ብዅሉ ዙርያኣ ኸምኡ ተገይርዋ ነበረ። 20ካብ ምድሪ ሒዙ ኽሳዕ እቲ ልዕሊ ደጊኣ፥ ኪሩቤልን ስየን ተቐሪፅዎ ነበረ፤ እቲ መንደቕ እታ ቤተ መቕደስውን ከምኡ ነበረ። 21ልዳውቲ እታ መቕደስ ኣርባዕተ መኣዝን ነበሩ፤ ገፅ እታ ቕድስቲ ቦታ ድማ ትርኢታ ኸምኡ ነበረ።
ብዕንፀይቲ ዝተገብረ መሰውኢ
22እቲ መሰውኢ ድማ ኻብ ሉሕ እተሰርሐ፥ ቁመቱ ሰለስተ እመት፥ ንውሓቱ ኸዓ ኽልተ እመት ነበረ፤ መኣዝኑን ግድግዳኡን ከዓ ሉሕ ነበረ፤ ንሱውን “እዚኣስ እታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘላ ማእዲ እያ” በለኒ።
መዓፁ
23ነታ መቕደስን ቅድስቲ ቦታን፥ ክልተ ማዕፆ ኣለዋአን። 24ነፍሲ ወከፍ ማዕፆ ድማ፥ ክልተ መቃን፥ ኣብ ከክልተ ዝዕፀፉ መቃን ነታ ኻልአይቲ ኸዓ ኽልተ መቃን ኣለዋአን። 25ከምቲ ኣብ መንደቕ ዘሎ፥ ኣብተን ደገታት መቕደስ ከዓ፥ ኪሩቤልን ስየን ተቐሪፅወን ነበረ፤ ኣብ ወፃኢ እቲ ገፅ ገበላ ኸዓ፥ ካብ ረጕድ ኦም እተገብረ ናሕሲ ኣሎ። 26ኣብ ጐኒታት እታ ገበላ ኸዓ በዙይን በቱይን ዓይኒ ርግቢ ዘለወን መሳዅትን ስየን ነበረ፤ እተን ብጐኒ ዝነበራ ኽፍልታት ኣባይቲ እቲ ህንፃን እቲ ናይ ናሕሲ ዕንፀይትን ከዓ ኸምኡ ነበረ።
Currently Selected:
ሕዝቅኤል 41: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in