ሕዝቅኤል 40
40
ራእይ መፃኢት ቤተ መቕደስ
(40፡1—48፡35)
ሕዝቅኤል ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝተወሰደ
1ካብ እንማረኽ ኣብ መበል ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት፥ ኣብ መጀመርታ እታ ዓመት፥ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፥ እታ ኸተማ ኻብ እትውቃዕ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመታ፥ ልክዕ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ መፀት፤ ንሱውን ናብ ንየው ወሰደኒ። 2ብናይ እግዚኣብሄር ራእይ ናብታ ምድሪ እስራኤል ወሰደኒ፤ ኣብ ነዊሕ እምባ ኸዓ ኣንበረኒ፤ ኣብኡውን ብወገን ደቡብ ከም ህኑፅ ከተማ ነበረ። 3ናብኣ ኸዓ ወሰደኒ፤ እንሆ ድማ ኸም ነሃስ ዝትርኢቱ ሰብኣይ፥ ገመድ ልሕፂ እንጣጢዕን፥ ዝእምተሉ ዘንግን ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ኣብታ ደገ ደው ኢሉ ነበረ። #ራእይ 21፡10።
4እዝ ሰብኣይ እዙይ ከዓ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ምእንቲ ኸርእየካ ናብዙይ ተመሪሕኻ ኢኻ እሞ፥ ነቲ ዅሉ ኣነ ዘርእየካ በዒንትኻ ጠምቶ፤ በእዛንካ ድማ ስምዓዮ፤ ብልብኻ ኸዓ ኣቕልበሉ፤ እቲ ዅሉ ዝረአኻዮውን ንቤት እስራኤል ንገሮም” በለኒ።
ምብራቓዊ ኣፍ ደገ
5እንሆ ኸዓ፥ ነታ ቤት ብወፃኢ መንደቕ ከቢብዋ ነበረ፤ እቲ ሰብኣይ ኣብ ኢዱ ሒዝዋ ዝነበረ መአመቲት ዘንጊ ኸዓ ምንዋሓ ሽዱሽተ እመት እያ፤ እተን እመታ ድማ አእመትን ስድርን እየን፤ ንሱ ወርዲ እቲ መንደቕ ኣመተ፤ ሓንቲ ዘንጊ ኾነ፤ ቁመቱውን ሓደ ዘንጊ ኾነ። 6ድሕሪዙይ ናብታ ኣብ ወገን ምብራቕ ዘላ ደገ መፀ፥ ብደረጃታታ ኸዓ ደየበ፤ ነታ መድረኽ እታ ደገ ድማ ኣመታ፥ ወርዳ ሓንቲ ዘንጊ ነበረ፤ እታ ኻልአይቲውን ወርዳ ሓንቲ ዘንጊ ኾነት። 7ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ንብረት ከዓ፥ ምንዋሓ ሓንቲ ዘንጊ፥ ወርዳ ድማ ሓንቲ ዘንጊ እያ፤ ምርሕሓቕ እተን ክፍሊ ንብረታት ከዓ ሓሓሙሽተ እመት እዩ፤ እታ ኣብታ ናይ ደገ ገበላ ዘላ መድረኽ፥ እታ ደገ ብወገን ውሽጢውን ሓንቲ ዘንጊ ነበረ። 8ነቲ ብወገን ውሽጢ ዘሎ ገበላ እታ ደገ ኣመተ፤ ሓንቲ ዘንጊውን ኮነ። 9ንገበላ እታ ደገ ኣመቶ፥ ሸሞንተ እመት ከዓ ኾነ፤ ኣዕምዲ ተዛነብ ድማ ኽልተ እመት ኮና፤ ገበላ እታ ደገውን ብወገን ውሽጢ ነበረ። 10እተን ናይቲ ናብ ምብራቕ ዘብል ደገ ክፍሊ ንብረታት ሰለስተ በዙይ፥ ሰለስተ ድማ በቱይ ነበራ፤ ሰለስቲአን ልክዕ ሓደ ስፍሪ ነበራ፤ እተን ኣዕምዲ ከዓ በዙይን በቱይን ልክዕ ሓደ ስፍሪ ነበራ።
11ወርዲ እታ ኣፍ ደገ ድማ ዓሰርተ ሰለስተ እመት ኮነ። 12ኣብ ቅድሚ እተን ክፍሊ ንብረታት ዘሎ ሕዳጋት ድማ ሓንቲ እመት በዙይ፥ ሓንቲ እመትውን በቱይ እዩ፤ እተን ክፍሊ ንብረታት ከዓ፥ በዝ ወገን እዙይን በቲ ወገን እቱይን ሸሽዱሽተ እመት ነበረ። 13ነታ ደገ ኻብ ናሕሲ እታ ሓንቲ ክፍሊ ንብረት፥ ክሳዕ ናሕሲ እታ ኻልአይቲ ኣመተ፤ ወርዱ ኸዓ ኻብ ደገ ንደገ ዕስራን ሓሙሽተን እመት ኮነ። 14ነተን ኣዕምዲ ተዛነብ ድማ ብዙርያኡ ኽሳዕ እቲ ኣፀድ ደገ ስሳ እመት ገበሮ። 15ካብ ግምባር እታ ኣፍ ደገ፥ ክሳዕ ግምባር ገበላ እታ ውሽጣዊት ደገ ድማ ሓምሳ እመት ነበረ። 16ኣብተን ክፍሊ ንብረታትን ኣብተን ኣብ ውሽጢ ደገ ዘለዋ ኣዕምድን፥ ብዅሉ ዙርያአን ዓይኒ ርግቢ ዘለዎ መሳዅቲ ነበረን፤ ከምኡውን ኣብተን ገበላታት፥ ብወገን ውሽጠን ብዅሉ ዙርያአን መሳዅቲ ነበረን፤ ኣብ ልዕሊ እተን ኣዕምዲ ከዓ ስየታት ነበረ።
ኣፍኣዊ ዓፀድ
17ናብቲ ወፃኢ ዓፀድ ድማ ወሰደኒ፤ እንሆ ኸዓ ኣብኡ ኽፍልታት ኣባይቲ ነበረ፤ ዙርያ እቲ ዓፀድውን ብእምኒ ተነፂፉ ነበረ፤ ኣብቲ እምኒ እተነፀፎ ድማ ሰላሳ ኽፍሊ ቤት ነበረ። 18እቲ ብእምኒ እተነፀፈ ምድሪ፥ ኣብ ጥቓ ደገታት ነበረ፤ ልክዑ ኸዓ ኸም ምንዋሕ እቲ ደገታት እዩ፤ እዙይ እቲ ታሕተዋይ ብእምኒ እተነፀፈ ምድሪ ነበረ።
19ካብ ቅድሚ እታ ታሕተወይቲ ደገ ሒዙ፥ ክሳዕ እታ ውሽጣዊት ዓፀድ፥ ብወፃኢ ነቲ ወርዳ ኣመቶ፤ ብወገን ምብራቕን ሰሜንን ከዓ መሚእቲ እመት ኣመቶ።
ሰሜናዊ ኣፍ ደገ
20ነቲ ንሰሜን ገፁ ዘሎ ናይ ወፃኢ ዓፀድ ደገ ምንዋሑን ወርዱን ኣመተ። 21ክፍሊ ንብረታት ሰለስተ በዙይ፥ ሰለስተ ኸዓ በቱይ ነበራ፤ ኣዕምዲ ተዛነብን ገበላታቱን፥ ከምቲ ስፍራ እታ ቐዳመይቲ ደገ ምንዋሑ ሓምሳ እመት፥ ወርዱውን ዕስራን ሓሙሽተን እመት ነበረ። 22መሳዅታን ገበላኣን ስየታታን ብልክዕ እታ ናብ ምብራቕ እተብል ደገ ነበረ፤ መደያይቦኣ ኸዓ ሸውዓተ ደረጃ ነበረ፤ ገበላታታ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ። 23ደገ እታ ውሽጣዊት ዓፀድ ድማ፥ ብኣንፃር እተን ንምብራቕን ንሰሜንን ዝሪኣ ደገታት ነበረ፤ ካብታ ሓንቲ ደገ ክሳዕ እታ ሓንቲ ደገ ኣመተ፤ ሚእቲ እመት ከዓ ኾነ።
ደቡባዊ ኣፍ ደገ
24ድሕሪዙይ ናብ ደቡብ ኣቢሉ መርሐኒ፤ እንሆ ኸዓ ናብ ደቡብ እትርኢ ደገ ነበረት፤ ነዕምዳን ገበላታታን ከዓ ኽንዲ እተን መዐቀኒ ኣመተን። 25ከምተን መሳዅቲ ኸዓ ኣብኣን ኣብ ዙርያ ገበላታታን መሳዅቲ ነበራ። ምንዋሓ ሓምሳ እመት፥ ወርዳውን ዕስራን ሓሙሽተን እመት ነበረ። 26መደያይቦኣ ኸዓ ሸውዓተ ደረጃ ነበረ፤ ገበላታታ ድማ ኣብ ቅድሚኡ እዩ፤ ኣብ ርእሲ ኣዕምዲ ኸዓ፥ ስየታት ሓደ በዙይ ሓደ በቱይ ነበረ። 27እታ ውሽጣዊት ዓፀድ፥ ብወገን ደቡብ ደገ ኣለዋ። ካብታ ሓንቲ ደገ፥ ናብታ ሓንቲ ኣብ ወገን ደቡብ ዘላ ኣመተ፤ ሚእቲ እመት ከዓ ኾነ።
ውሽጣዊ ዓፀድ፥ ደቡባዊ ኣፍ ደገ
28በታ ደገ ደቡብ ኣቢሉ ድማ፥ ናብታ ውሽጣዊት ዓፀድ ኣእተወኒ፤ ነታ ደገ ደቡብ ከዓ ኽንዲ እተን መስፈሪ ኣመታ። 29-30ክፍሊ ኣቑሑታን ኣዕምዳን ገበላታታን ከዓ፥ ክንዲ እቲ መስፈሪ ነበረ። ኣብኣን ኣብ ዙርያ ገበላታታን ድማ መሳዅቲ ኣለዋ፤ ምንዋሓ ሓምሳ እመት፥ ወርዳውን ዕስራን ሓሙሽተን እመት ነበረ። ዕስራን ሓሙሽተን እመት ዝምንዋሑ፥ ሓሙሽተ እመት ከዓ ዝወርዱ ገበላታት ብዙርያኣ ነበረ። 31ገበላታቱ ናብቲ ኣብ ወፃኢ ዘሎ ዓፀድ ኣቢሉ እዩ፤ ኣብ ርእሲ ኣዕማድ ተዛነብ ከዓ ስየታት ነበረ፤ መደያይቦኡ ሸሞንተ ደረጃ ነበሮ።
ውሽጣዊ ዓፀድ፥ ምብራቓዊ ኣፍ ደገ
32ናብታ ኣብ ምብራቕ ዘላ ውሽጣዊት ዓፀድ ወሰደኒ እሞ፥ ነታ ደገ ኽንዲ እቲ መዐቀኒ ኣመታ። 33ክፍሊ ኣቑሑታን ኣዕምዲ ተዛነብን ገበላታታን ክንዲ እቲ መዐቀኒ ነበረ፤ ኣብኣን ኣብ ዙርያ ገበላታታን መሳዅቲ ኣሎ። ምንዋሓ ሓምሳ እመት ወርዳ ኸዓ፥ ዕስራን ሓሙሽተን እመት ነበረ። 34ገበላታታ ናብቲ ኣብ ወፃኢ ዘሎ ዓፀድ ኣቢሉ ነበረ፤ ኣብ ርእሲ ኣዕምዳ ድማ ስየታት በዙይን በቱይን ነበረ፤ መደያይቦኣውን ሸሞንተ ደረጃ ነበሮ።
ውሽጣዊ ዓፀድ፥ ሰሜናዊ ኣፍ ደገ
35ናብ ሰሜናዊት ደገ ድማ ወሰደኒ፤ ክንዲ እቲ መዐቀኒ ኸዓ ኣመቶ። 36ክፍሊ ኣቑሑታን ኣዕምዲ ተዛነብን ገበላታታን ከዓ፥ ከምኡ መሳዅቲውን ብዙርያኣ ነበረ፤ ምንዋሓ ሓምሳ እመት፥ ወርዳ ድማ ዕስራን ሓሙሽተን እመት ነበረ። 37ኣዕምዲ ተዛነብ ናብቲ ኣብ ወፃኢ ዘሎ ዓፀድ ኣቢሉ ነበረ፤ ኣብ ርእሲ ኣዕምዳ ኸዓ፥ በዙይን በቱይን ስየታት ነበረ፤ መደያይቦኣውን ሸሞንተ ደረጃ ነበሮ።
ኣብ ጥቓ ሰሜናዊ ኣፍ ደገ ዘሎ ህንፃታት
38ኣብ ጥቓ እተን ኣዕምዲ ተዛነብ ደገታት ድማ ሓንቲ ኽፍሊ ቤት ምስ መእተዊኣ ኣላ፤ ኣብኣውን ዝቃፀል መስዋእቲ ይሓፅቡ ነበሩ። 39ኣብ ደገ እታ ገበላ ኸዓ ዝቃፀል መስዋእትን፥ መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ በደልን፥ ዝሓርዱሉ ኽልተ ሰደቓ በዙይ፥ ክልተ ሰደቓ ድማ በቱይ ነበሩ። 40ኣብ ጥቓ እቲ ብወፃኢ ዘሎ ናብ ደገ ሰሜን ዘደይብ መሳልል ከዓ፥ ክልተ ሰደቓታት ነበሩ፤ ኣብቲ ኻልእ ወገን እታ ገበላ ደገ ድማ ኽልተ ሰደቓታት ነበሩ። 41እምበኣርከስ ኣብ ጥቓ እታ ደገ ኣርባዕተ ሰደቓታት በዙይ፥ ኣርባዕተ ሰደቓታት ከዓ በቱይ ነበሩ፤ እዝ መስዋእቲ ዝሓርዱሉ ሸሞንተ ሰደቓታት ነበሩ። 42ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ካብ ውቑር እምኒ ዝተገብረ ኣርባዕተ ሰደቓታት ነበሩ፤ ምንዋሑ እመትን ስድርን፥ ወርዱ እመትን ስድርን፥ ምብራኹ ሓደ እመት ነበረ፤ ኣብኡውን ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን፥ ንኻልእ መስዋእትን ዝሓርዱሉ መሳርሒ ዘንበሮ ነበረ። 43ሰስድሪ ዝምንዋሑ ዅላባት ብውሽጢ ኣብ ዙርያኡ ተጋጢሙ ነበረ፤ እዝ ሰደቓታት እዙይ እቲ ስጋ መስዋእቲ ዝንበሮ ነበረ።
44ኣብ ውሽጣዊ ዓፀድ፥ ኣብ ወፃኢ እታ ውሽጣዊት ደገ ኸዓ፥ ንመዘምራን ዝተገብረ ኽፍልታት ኣባይቲ ነበረ፤ ሓንቲ ኣብ ጥቓ እታ ሰሜናዊት ደገ ነበረት፤ ገፃ ድማ ናብ ደቡብ ኣቢላ እያ እትርኢ። እታ ሓንቲውን ኣብ ጥቓ እታ ምብራቓዊት ደገ ነበረት፤ ገፃ ኸዓ ናብ ሰሜን ኣቢላ እያ እትርኢ። 45ንሱውን በለኒ፤ እዛ ንደቡብ ኣቢላ ትርኢ ዘላ ኽፍሊ ቤት፥ ነቶም ነታ ቤት ከገልግሉ እተመረፁ ኻህናት እያ። 46እዛ ንሰሜን ኣቢላ ዘላ ኽፍሊ ቤት ድማ፥ ነቶም ኣብታ መሰውኢ ኸገልግሉ ዝነቕሑ ኻህናት እያ፤ ንሳቶም ከገልግልዎ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርቡ፥ ካብ ማእኸል ደቂ ሌዊ፥ ደቂ ሳዶቅ እዮም።
ውሽጣዊ ዓፀድን ህንፃ ቤተ መቕደስን
47ነቲ ኣርባዕተ ዝመኣዝኑ ዓፀድ ኣመቶ፤ ምንዋሑ ሚእቲ እመት ወርዱውን ሚእቲ እመት ነበረ፤ እቲ መሰውኢ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እታ ቤት እዩ ዝነበረ። 48ናብ ገበላ እታ ቤት ከዓ ወሰደኒ፤ ነቲ ኣዕምዲ ተዛነብ እታ ገበላ ድማ ኣመቶ፤ ሓሙሽተ እመት በዙይ፥ ሓሙሽተ እመትውን በቱይ ነበረ፤ ወርዲ እታ ደገ ኸዓ ሰለስተ እመት በዙይ፥ ሰለስተ እመት በቱይ ነበረ። 49ምንዋሕ እታ ገበላ ዕስራ እመት፥ ወርዳ ኸዓ ዓሰርተ ሓደ እመት ነበረ፤ በቲ ደረጃታት ድማ ይድይብዋ ነበሩ፤ ኣብ ጥቓ እቲ ኣዕምዲ ተዛነብ ከዓ ሓደ በቱይ፥ ሓደውን በቱይ ኣዕምዲ ነበሩ።
Currently Selected:
ሕዝቅኤል 40: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in