YouVersion Logo
Search Icon

ሕዝቅኤል 32

32
ንጉስ ግብፂ ኸም ሓርገፅ እዩ
1ኮነ ድማ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመት፥ ኣብታ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒውን ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ 2“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንፈርዖን ንጉስ ግብፂ፥ መልቀስ ኣልቅሰሉ በሎውን፦ ‘ንስኻ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ከም ሽደን ኣንበሳ፥ ኣብ ባሕርታት ከዓ ኸም ገበል ትመላለስ ነበርካ፤ ኣብ ሩባታትካውን ጠውላሕላሕ በልካ፤ በእጋርካ ማያት ኣናዊፅካ ነቲ ወሓዚ ድማ ዘረግካዮ። 3እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ብብዙሓት እኩባት ኣህዛብ ገይረ፥ ኣነ መርበበይ ክዝርግሐልካ እየ፤ ንሳቶም ከዓ ብመርበበይ ክስሕቡኻ እዮም። 4ኣብ ልዕሊ ምድሪ ፃሕ ከብለካ፥ ኣብ በረኻ ኽድርብየካ ኵለን ኣዕዋፍ ሰማይ ከዕስለልካ እየ፤ ንኣራዊት ኵላ ምድሪ ድማ፥ ብኣኻ ኸፅግቦም እየ። 5ንስጋኻ ኣብ ልዕሊ እምባታት ከንብሮ፥ ንሽንጥሮታት ከዓ ብኣስከሬንካ ኽመልኦ እየ። 6ነታ እትሕምሰላ ዘለኻ ምድሪ፥ ክሳዕ እምባታት ብደምካ ኸስትያ እየ፤ እቲ ሩባታት ከዓ ብኣኻ ኽመልእ እዩ። 7ከጥፍአካ እንተለኹ፥ ንሰማያት ከጐልብቦ፥ ንኸዋኽብቱ ኸዓ ኸፀልምቶም፥ ንፀሓይ ድማ ብደመና ኽኽውላ እየ፤ ወርሒውን ብርሃና ኣይትህብን እያ። #ኢሳ. 13፡10፥ ማቴ. 24፡29፥ ማር. 13፡24-25፥ ሉቃ. 21፡25፥ ራእይ 6፡12-13፥ 8፡12። 8ንዅሉ ብርሃናት ሰማይ ብሰንክኻ ኸፀልምቶ፥ ኣብ ምድርኻውን ፀልማት ክዝርግሕ እየ’ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
9“ወረ ጥፍኣትካ ናብ ኣህዛብ፥ ናብ ዘይተፈልጡ ሃገራት ምስ ኣብፃሕኹ፥ ልቢ ብዙሓት ኣህዛብ ከጨንቕ እየ። 10ንሰይፈይ ኣብ ቅድሚኣቶም ማሕማሕ ከብሎ እንተለኹ፥ ንብዙሓት ኣህዛብ ብኣኻ ኸሰኽሖም እየ፤ ነገስታቶም ድማ የመና ኽርዕዱ እዮም። ብመዓልቲ ውድቀትካ ኸዓ፥ ነፍሲ ወከፍ ኵልሻዕ ስለ ህይወቱ ራዕራዕ ክብል እዩ።”
11ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰይፊ ንጉስ ባቢሎን ክለዓለካ እዩ። 12ነቲ ብዙሕ ህዝብኻ፥ ብሰይፊ እቶም ሓያላት ከውድቖ እየ። ንሳቶም ኵላቶም፥ ካብ ኣህዛብ ዝጭክኑ እዮም። ንትዕቢት ግብፂ ኸጥፍእዎ እዮም፤ ኵሉ እቲ ብዝሓታ ኸዓ ኽጠፍእ እዩ። 13ነቶም ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማያት ዝነበሩ ዅሎም እንስሳት ከጥፍእ እየ። ድሕሪዙይ እግሪ ሰብ ኣይዘርጎን፤ ሸዀና እንስሳውን ኣይረግፆን እዩ። 14ሽዑ ንማያቶም ከፅርዮ እየ፤ ንሩባታቶም ድማ ኸም ዘይቲ ኸውሕዞ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 15ነታ ምድሪ ግብፂ በረኻ ምስ ገበርክዋ፥ እቲ ነታ ምድሪ መሊእዋ ዝነበረ ምስ ባደመ፥ ነቶም ኣብኣ ዝነብሩ ዘለዉ ዅላቶም ምስ ወቓዕኽዎም፥ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም። 16እቲ ዝልቀስ መልቀስ እዙይ እዩ፤ ኣዋልድ ህዝብታት ከልቅሳላ እየን፤” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ዓዲ ምዉታት
17ኮነ ኸዓ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመት፥ ካብታ ወርሒ ኸዓ ኣብታ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ 18“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ነቲ ብዙሕ ህዝቢ ግብፂ ኣልቅሰሉ፤ ንኣኣን ነተን ኣዋልድ ክቡራት ህዝብታትንውን ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ፥ ናብ መዓሙቝ ምድሪ ደርብየን።” 19“ብፅባቐ ኻብ መን ትበልፂ? ውረዲ ምስቶም ዘይግሩዛት ከዓ ደቅሲ።
20“ኣብ ማእኸል እቶም ብሰይፊ ዝተቐትሉ ኽወድቁ እዮም። ንሰይፊ ተውሂባ ኣላ፥ ምስቲ ብዙሕ ህዝባ ጕተትዋ። 21ካብቶም ጀጋኑ እቶም ኣውራታት ሓያላት፥ ካብ ውሽጢ ሲኦል፥ ንእኡን ንደገፍቱን ከምዙይ ኢሎም ክዛረብዎ እዮም፤ ‘እቶም ዘይግሩዛት ብሰይፊ ዝተቐትሉ፥ ወሪዶም ኣብኡ ለጥ ኢሎም’ ኣለዉ።
22“ኣብኡ ኣሶርን ኵሉ ህዝባን ኣለዉ፤ ኣብ ዙርያኡ መቓብሩ ኣሎ። ኵላቶም ብሰይፊ ወዲቖም ተቐተሉ። 23መቓብሮም ኣብ ዓሚቍ ጕድጓድ፥ ህዝባ ኸዓ ኣብ ዙርያ መቓብራ ኣሎ፤ እቶም ኣብ ምድሪ ህያዋን ዝስክሑ ዝነበሩ ዅላቶም፥ ብሰይፊ ወዲቖም ተቐቲሎም እዮም።
24“ኣብኡ ዔላምን ኵሉ ህዝባን፥ ኣብቲ ዙርያ መቓብራ ኣለዉ። ኵላቶም ተቐተሉ፤ ብሰይፊ እውን ወደቑ። ንሳቶም ኣብ ምድሪ ህያዋን ዘሰክሑ ዝነበሩ ዘይግሩዛት ናብ መዓሙቝ ምድሪ ወረዱ። ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወረዱ ኸዓ ነውሮም ተሸከሙ። 25ንኣኣን ንዅሉ ህዝባን ኣብ ማእኸል እቶም ቅቱላት ኣንፀፉሎም። መቓብራ ኣብ ዙርያኣ እዩ፤ ኣብ ምድሪ ህያዋን ዘሰክሑ ነበሩ እሞ፥ ኵላቶም ዘይግሩዛት ብሰይፊ ዝተቐትሉ እዮም። ነውሮም ድማ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ተሸከሙ፤ ኣብ ማእኸል ቅቱላትውን ነበሩ።
26“ኣብኡ ሞሳህን ቶቤልን ምስ ኵሉ ህዝቦም ኣለዉ፤ ኣብ ዙርያኣቶም ድማ መቓብሮም ኣሎ። ኣብ ምድሪ ህያዋን መሰክሒ ስለ ዝነበሩ፥ ኵላቶም ዘይግሩዛት ብሰይፊ ዝተቐትሉ እዮም። 27ንሳቶም ከዓ ምስቶም ካብቶም ዘይግሩዛት ዝወደቑ፥ ምስ ኣፅዋር ውግኦም ናብ ሲኦል ዝወረዱ፥ ኣብ ትሕቲ ኣርእስቶም ድማ ኣስይፍቶም ዘንበሩ ጀጋኑ፥ ምስኣቶም ክድቅሱ እዮም። ኣብ ምድሪ ህያዋን መሰክሒ ጀጋኑ ስለ ዝነበሩ፥ ሓጢኣቶም ኣብ ልዕሊ ኣዕፅምቶም እዩ።
28“ንስኻ ኸዓ ኣብ ማእኸል እቶም ዘይግሩዛት ክትሰባበር፥ ምስቶም ብሰይፊ ዝተቐትሉ ድማ ኽትድቅስ ኢኻ።
29“ኣብኡ ኤዶምን ነገስታታን ኵሎም ኣሕሉቓን ኣለዉ፤ እዚኣቶም ሓይሎም ምስቶም ብሰይፊ ዝተቐትሉ ተነበሩ። ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱን ዘይግሩዛትን ደቂሶም ኣለዉ።
30“ኣብኡ እቶም ምስቶም ቅቱላት ዝወረዱ፥ ኵላቶም ኣሕሉቕ ሰሜንን፥ ኵላቶም ሲዶናውያንን ኣለዉ። ብሓይሎም ዘሰክሑ እንትኾኑ፥ ነዊሮም ዘይግሩዛት ኮይኖም፥ ምስቶም ብሰይፊ ዝተቐትሉ፥ ይድቅሱ ኣለዉ፤ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወረዱ ኸዓ ነውሮም ይፆሩ ኣለዉ።
31“ፈርዖን ክሪኦም፥ ስለ ዅሉ ህዝቡ ኸዓ ኽፀናናዕ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 32“ኣነ ኣብ ምድሪ ህያዋን መሰክሒ ዝኸውን ከምፅእ እየ እሞ፥ ንፈርዖንን ንዅሉ ህዝቡን ኣብ ማእኸል እቶም ዘይግሩዛት ምስቶም ብሰይፊ እተቐትሉ፥ ለጥ ከብልዎም እዮም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

Currently Selected:

ሕዝቅኤል 32: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in