YouVersion Logo
Search Icon

ሕዝቅኤል 31

31
ግብፂ ብዝግባ ኸም እትምሰል
1ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት፥ ኣብታ ሳልሰይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒውን ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ 2“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንፈርዖን ንጉስ ግብፅን፥ ነቲ ብዙሕ ህዝቡን ‘ብዕቤትካ ንመን ትመስል?’ በሎ።
3“እንሆ ኣሶር ጨናፍሩ ዝፅቡቕ፥ ፅላሉ ዝዕሙር፥ ቁመቱ ዝነዊሕ፥ ርእሱ ኣብ ማእኸል ደመና ኸም ዝነበረ፥ ከም ኦም ሊባኖስ ነበረ። 4ማያት ኣብቈልዎ፤ ቃላይ ኣዕበዮ፤ ውሕጅ ኣብ ዙርያ እቲ ተተኺልዎ ዘሎ ቦታ ወሓዘ፤ ፈሳሲኡውን ናብ ኵሉ ኣእዋም በረኻ ሰደደ። 5ስለዙይ ቁመቱ ኻብ ኵለን ኣእዋም በረኻ ተመልመለ፤ ሳላ እቲ ዘዕምሮ ዝነበረ ብዙሕ ማያት ጨናፍሩ በዝሐ፤ ጨንገፉ ነውሐ። 6ኣብቲ ጨናፍሩ፥ ኵለን ኣዕዋፍ ሰማይ ኣባይተን ሰርሓሉ፤ ኣብ ትሕቲ ጨንገፉ ድማ ዅሎም እንስሳ በረኻ ተዋለዱሉ፤ ኣብ ፅላሉ ኸዓ፥ ኵሎም ዓበይቲ ኣህዛብ ይቕመጡሉ ነበሩ። 7ሱሩ ኣብ ብዙሕ ማያት ነበረ እሞ፥ ብዕቤቱን ብምንዋሕ ጨንገፉን ፅቡቕ ነበረ። 8ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘሎ ኣእዋም ሊባኖስ ክኽውሎ ኣይከኣለን፤ ፅሕድታት ነቲ ጨናፍሩ ኣይተተኻኸልዎን፤ ፀሊሞ እኳ ኸም ጨናፍሩ ኣይነበረን፤ ኣብ ገነት እግዚኣብሄር ካብ ዘሎ ኦም፥ ሓደ እኳ ብፅባቐ ኣይተመዓራረዮን። #ዘፍ. 2፡9። 9ኣነ ብብዝሒ ጨናፍሩ ፅቡቕ ገበርክዎ፤ ኣብ ገነት እግዚኣብሄር ዘለዋ ኣእዋም ኤደን ከዓ ዅላተን ቀንኣሉ።”
10ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ብቑመት ልዕል ልዕል ስለ ዝበልካ፥ ርእስኻውን ኣብ ማእኸል ዕሙር ደመና ጨናፍር ስለ ዝገበረ፥ ብምኽንያት ቁመቱ ልቡ ስለ ዝተዓበየ፥ 11ኣነ ኣብ ኢድ እቲ ናይ ኣህዛብ ሓያል ከም ድሌቱ ኽገብሮ ኣሕሊፈ ሃብክዎ፤ ብሰንኪ ኽፍኣቱ ደርበኽዎ። 12እቶም ጓኖት ናይ ኣህዛብ ጨካናት፥ ቈራሪፆም ደርበይዎ፤ ጨናፍሩ ኣብ እምባታትን ኣብ ኵሉ ሩባታትን ወደቐ፤ ጨንገፉ ኣብ ኵሉ ኣፃድፍ እታ ምድሪ ተሓምሸሸ፤ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ኸዓ፥ ካብ ፅላሉ ተመለሱ፤ ሓደግዎውን። 13ኣብ ልዕሊ እቲ ውዱቕ ጕንዱ፥ ኵለን ኣዕዋፍ ሰማይ ተቐመጣ፤ ኵሎም እንስሳ በረኻ ድማ ኣብ ጨንፈሩ ሰፈሩ። 14እተን ኣብ ማይ ዝተተኽላ ኣእዋም፥ ብቑመተን ከይዕበያን፥ ጫፈን ኣብ ማእኸል ዕሙር ጨናፍር ከየልዕላን፥ ኵላቶም ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ዘለዉ ውሉድ ሰብ፥ ንመዓሙቝ ምድሪ ንሞት ተወፍዮም እዮም እሞ፥ እተን ማያት ዝሰትያ ዅላተን ሓያላት፥ ብትዕቢት ከይቖማስ እዙይ ኮነ።”
15እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “በታ ንሱ ናብ ሲኦል ዝወረደላ መዓልቲ፥ ሰባት ከም ዝቝዝሙ ገበርኩ፤ ብሰንኩ ንቓላይውን ምእንታኡ ኣጐልበብኩዎ፤ ንወሓይዙ ኸልከልክዎ፤ ዓበይቲ ማያት ተኸልከሉ፤ ብሰንኩ ንሊባኖስ ኣሕዘንክዎ፤ ብሰንኩ ዅለን ኣእዋም በረኻ ተናወፃ። 16ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ፥ ናብ ሲኦል ምስ ኣውረድክዎ፥ ካብ ድምፂ ምውዳቑ ዝተልዓለ ንኣህዛብ ራዕራዕ ኣበልክዎም፤ ኵላተን እተን ናይ ሊባኖስ ሕሩያትን ፅቡቓትን ኣእዋም ኤደን፥ ማይ ዝሰትያ ዝነበራ ዅለን፥ ኣብቲ መዓሙቝ ምድሪ ተፀናንዓ። 17ንሳቶም ድማ ናብቶም ቅልፅሙ ኾይኖም፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣብ ፅላሉ ተቐሚጦም ዝነበሩ ብሰይፊ ዝተቐትሉ፥ ምስኡ ናብ ሲኦል ወረዱ።”
18እምበኣርከስ “ብኽብረትን ዕቤትን፥ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ኤደን፥ ንመን ኢኻ እትመስል? ከምኡ ኸዓ ንስኻ ምስተን ኣእዋም ኤደን፥ ናብ መዓሙቝ ምድሪ ኽትድርበ ኢኻ፤ ኣብ ማእኸል እቶም ዘይተገዝሩ፥ ኣብ ማእኸል እቶም ሰይፊ ዝቐተሎምውን ክትድቅስ ኢኻ፤ እዙይ ፈርዖንን ኵሎም ህዝቡን እዮም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

Currently Selected:

ሕዝቅኤል 31: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in