YouVersion Logo
Search Icon

ሕዝቅኤል 30

30
እግዚኣብሄር ንግብፂ ኽቐፅዓ እዩ
1ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦ 2-3“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ተነበ፤ በልውን፤ መዓልቲ ቐሪባ፥ እወ መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ ኣላ፤ መዓልቲ ደመና ጊዜ ኣህዛብ ክኸውን እዩ እሞ፥ ‘ዋይ በሉ ንመዓልቲ! ዋይ በሉ!’ 4ሰይፊ ኣብ ግብፂ ኽመፅእ እዩ፤ እቶም ውጉኣት ኣብ ግብፂ ምስ ወደቑ፥ ሃብታ ምስ ተወሰደ፥ መሰረታውን ምስ ፈረሰ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብርቱዕ ፍርሓት ክኸውን እዩ። 5ኢትዮጵያን ፉጥን ሉድን ኵሎም ሕውስዋስ ህዝብን ኩብን፥ ደቂ እታ ኺዳን ዝኣተወት ምድርን ምስኣቶም ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም።”
6እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቶም ንግብፂ ዝድግፉ ኽወድቁ እዮም፤ እቲ ዕቡይ ሓይላ ኸዓ ኽዋረድ እዩ፤ ካብ ሚግዶል ጀሚሩ ኽሳዕ ሴዌኔር፥ ኣብኣ ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 7ኣብ ማእኸል እተን ዝባደማ ሃገራት ከዓ ኽባድሙ እዮም፤ ከተማታቶም ድማ ኣብ ማእኸል እተን ዝፈረሳ ኸተማታት ክኾና እየን። 8ኣብ ግብፂ ሓዊ ምስ ኣጐድኩ ደገፍታ ዅሎም ከዓ ምስ ተሰባበሩ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።
9“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ነታ ደሓን ኣለኹ እትብል ኢትዮጵያ ኸሰምብድዋ፥ ልኡኻት ብመርከብ ካብ ቅድሚ ገፀይ ክወፁ እዮም፤ እንሆ ይመፅእ ኣሎ እሞ፥ ከምቲ ብመዓልቲ ግብፂ ዝኾነ ፍርሓት ክኾኖም እዩ።”
10እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ብኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ነቲ ብዙሕ ህዝቢ ግብፂ ኸጥፍኦ እየ። 11ንሱን ህዝቡ ኸዓ ምስኡን ካብቶም ህዝብታት የመና ዝጭክኑ፥ ነታ ምድሪ ኸጥፍእዋ ኽወፁ እዮም፤ ሰይፎም ንግብፂ ኽመዙላ፥ ነታ ምድሪ እውን ብቕቱላት ክመልእዋ እዮም። 12ነቲ ሩባታት ከንፅፎ፥ ነታ ምድሪ ድማ ናብ ኢድ ሕሱማት ሰባት ክሸጣ እየ፤ ነታ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን፥ ብኢድ ጓኖት ገይረ ኸባድሞ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ።”
13እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንጣዖታት ከጥፍኦም ንምስልታት ካብ ሜምፎስ ከወግዶም እየ፤ ድሕሪዙይ ካብ ምድሪ ግብፂ መስፍን ኣይኸውንን እዩ፤ ናብ ምድሪ ግብፂ ኸዓ ፍርሓት ከምፅእ እየ። 14ንጳጥሮስ ከባድማ፥ ኣብ ፆዓን ሓዊ ኽእጕድ፥ ኣብ ኖእ ከዓ ፍርዲ ኽገብር እየ። 15ቍጥዓይ ከዓ ናብ ሲን እታ ዕርዲ ግብፂ ኽኽዑ ንህዝቢ ኖእ ድማ ኸጥፍእ እየ። 16ኣብ ግብፂ ሓዊ ኽእጕድ እየ፤ ሲን ክትጭነቕ እያ፤ ኖእ ክትጠፍእ እያ፤ ንሜምፎስ ከዓ ፀላእቲ ብመዓልቲ ኽመፅዋ እዮም። 17ኣጕባዝ ኣቤንን ፊቤሴትን ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም፤ ንሳተን ከዓ ኽማረኻ እየን። 18ኣርዑት ግብፂ ኣብኣ ምስ ሰበርኩ፥ ሓበን ሓይላውን ምስ ተጠረሰ፥ ኣብ ጣፍናስ፥ መዓልቲ ኽትፅልምት እያ፤ ደመናውን ከጐልብባ እዩ፤ ኣዋልድ ደቃ ድማ ኽማረኻ እየን። 19ከምዙይ ገይረ ኣብ ግብፂ ፍርዲ ኽፈርድ እየ፤ ንሳቶምውን እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።”
ዝተሰብረ ሓይሊ ንጉስ ግብፂ
20ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት፥ ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒውን ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ 21“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንቕልፅም ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ሰበርክዋ፤ እንሆ ድማ ሰይፊ ንምሓዝ ምእንቲ ኽትድልድል ፈውሲ ገይሩ ብዓለባ ዝፅግና የለን።” 22ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንፈርዖን ንጉስ ግብፂ ኣብ ርእሱ ኣለኹ፤ ነተን ቀላፅሙ፥ ነታ ብርትዕትን ነታ ስብርትን ክሰብረን፥ ነቲ ሰይፊ ኸዓ ኻብ ኢዱ ኸውድቖ እየ። 23ነቶም ግብፃውያን ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ክብትኖም፥ ኣብ ኵለን ሃገራት ከዓ ፋሕ ከብሎም እየ። 24ንቐላፅም ንጉስ ባቢሎን ከበርትዐን ሰይፈይ ድማ፥ ኣብ ኢዱ ኸትሕዞ እየ፤ ንቐላፅም ፈርዖን ግና ኽሰብረን እየ፤ ንሱ ድማ ኸምቲ ንሞት እተወግአ ሰብኣይ ዝቕንዞ፥ ኣብ ቅድሚኡ ኽቕንዞ እዩ። 25ንቐላፅም ንጉስ ባቢሎን ከበርትዐን እየ፤ ቀላፅም ፈርዖን ግና ዘርጋሕ ኢለን ክወድቃ እየን፤ ንሰይፈይ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ምስ ኣትሓዝክዎ፥ ንሱውን ኣብ ምድሪ ግብፂ ማሕማሕ ምስ ኣበሎ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም። 26ነቶም ግብፃውያን ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ክብትኖም፥ ኣብ ኵለን ሃገራት ከዓ ፋሕ ከብሎም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም።”

Currently Selected:

ሕዝቅኤል 30: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in