ሕዝቅኤል 29
29
ኣንፃር ግብፂ ዝተነግረ ትንቢት
1ኣብ ዓስረይቲ ዓመት ኣብታ ዓስረይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒውን ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ መዓልቲ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ 2“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ኣቢልካ ምለስ፤ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ዅላ ግብፅን ከዓ ተነበ። 3ተዛረብ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገር፤ ኣታ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ፥ ኣብ ማእኸል ሩባታትካ እትድቅስ ገዚፍ ገበል፥ ንስኻ እቲ ሩባ ናተይ እዩ፤ ኣነ እየ ንርእሰይ ዝገበርክዎ፤ እትብል ዘለኻ እኒሀኹ ተልዓልኩኻ። 4ኣብ ምንጋጋኻ መቝለብ ክገብር፥ ንዓሳታት ሩባታትካ ድማ ኣብ ቅራፍካ ኸጥብቖም እየ፤ ምስ ኵሉ እቲ ኣብ ቅራፍካ ጠቢቑ ዘሎ ዓሳ ኸዓ፥ ካብ ማእኸል ሩባታትካ ኸውፅአካ እየ። 5ንኣኻን ንዅሉ ዓሳ ሩባታትካን፥ ኣብ በረኻ ኽድርቢ፥ ኣብ በረኻ ኽትወድቕ ኢኻ፤ ኣይትእረን ኣይትእከብንውን ኢኻ፤ ኣነ ንኣራዊት ምድርን ነዕዋፍ ሰማይን፥ ምግቢ ገይረ ወፈኹኻ። 6እቶም ኣብ ግብፂ ዝነብሩ ዅሎም፥ ንቤት እስራኤል ምርኵስ ዘንጊ ኾይኖምዎም እዮም እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም። #ኢሳ. 36፡6።
7“ብኢዶም እንተ ሓዙኻ ተሰበርካ፤ ንዅሉ መንኵቦም ከዓ ወጋእኻ፤ እንተ ተፀግዑኻ ተሰባበርካ፤ ብጐድኖም ድማ ሰንከል ኣበልካዮም። 8ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣነ ሰይፊ ኣብ ልዕሌኻ ኸምፅአልካ፥ ሰብን እንስሳን ድማ ኻባኻ ኸጥፍእ እየ። 9እቲ ሩባ ናተይ እዩ፤ ኣነ ኸዓ እየ ዝገበርክዎ ኢሉ እዩ እሞ፥ ምድሪ ግብፂ በረኻን ምድረ በዳን ክትከውን እያ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ኽፈልጡ እዮም።
10“ስለዙይ እኒሀኹ፥ ኣባኻን ኣብ ሩባታትካን ክለዓለካ፥ ንሃገር ግብፂ ኻብ ሚግዶል ክሳዕ ሴዌኔና፥ ክሳዕ ወሰን ኢትዮጵያ ኸዓ ምድረ በዳን በረኻን ክገብራ እየ። 11እግሪ ሰብ ኮነ፥ እግሪ እንስሳ ብኣኣ ኣይሓልፍን እዩ፤ ነርብዓ ዓመትውን ዝነብራ የብላን። 12ንሃገር ግብፂ ኣብ ማእኸል እተን ዝባደማ ሃገራት በረኻ ኽገብራ እየ፤ ከተማታታ ድማ ኣብ ማእኸል እተን ዝፈረሳ ኸተማታት ነርብዓ ዓመት በረኻ ክኾና እየን፤ ንግብፃውያን ከዓ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ፋሕ ከብሎም፥ ኣብ ኵሉ ሃገራትውን ክብትኖም እየ።”
13ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ድሕሪ ኣርብዓ ዓመት ነቶም ግብፃውያን ካብ ማእኸል እቶም ተበቲኖምዎም ዘለዉ ህዝብታት ክኣኻኽቦም እየ። 14ንምርኮ ግብፂ ኽመልሶም፥ ናብታ እተወለዱላ ናብ ምድሪ ጳጥሮስ ድማ ኽመልሶም እየ፤ ኣብኣውን ዝተዋረደት መንግስቲ ክኾኑ እዮም። 15ካብ ካልኦት መንግስትታት ትሕት ክትብል፥ መሊሳ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ኣይትዕበን እያ፤ መሊሶም ኣብ ኣህዛብ ከይገዝኡስ ከውሕዶም እየ። 16ድሕሪዙይ ቤት እስራኤል ብኣኣቶም ኣይእመኑን እዮም፤ ናብኣቶም ቈላሕ እንተ በሉ ግና በደሎም ከዘክርዎም እዮም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም።”
ንጉስ ናቡከደነፆር ንግብፂ ኽስዕራ እዩ
17ኣብ መበል ዕስራን ሸውዓተን ዓመት፥ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀኒ፦ 18“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ንጢሮስ ክሕዝ ኢሉ ንጭፍራኡ ብርቱዕ ፃዕሪ ኣፅዓሮም፤ ርእሲ ነዂዑ፤ መንኵብ ተመሊጡ፤ ግናኸ በቲ ንጢሮስ ክሕዝ ኢሉ ዝፀዓሮ ፃዕሪ፥ ንሱ ወይ ጭፍራኡ ዝኾነ ደመወዝ እኳ ኣይረኽቡን። 19ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እንሆ ንናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ንምድሪ ግብፂ ኽህቦ እየ፤ ንሱ ሃብታ ኽወስድ፥ ዝዝረፍ ክዘርፍ፥ ዝዝመት ከዓ ኽዘምት እዩ፤ እዙይ ድማ ንጭፍራኡ ደመወዝ ክኸውን እዩ። 20ንኣይ እዮም ዝገበርዎ እሞ፥ ፃማ ፃዕሩ ምድሪ ግብፂ ሃብክዎ’ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
21“በታ መዓልቲ እቲኣ ንቤት እስራኤል ቀርኒ ኸብቍል፥ ንኣኻ ድማ ኣብ ማእኸሎም እተኸፍተ ኣፍ ክህበካ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም።”
Currently Selected:
ሕዝቅኤል 29: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: