ሕዝቅኤል 10
10
እግዚኣብሄር ንቤተ መቕደስ ሓደጎ
1ሽዑ ጠመትኩ፤ እንሆ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ርእሲ ኪሩቤል ዘለውዎ ጠፈር፥ ከም እምኒ ሰንፔር ኮይኑ፥ ትርኢት ዙፋን ዝመስል ኣብ ልዕሊኣቶም ተርኣየ። #ሕዝ. 1፡26፥ ራእይ 4፡2። 2ንሱ ኸዓ ነቲ ብልሕፂ እንጣጢዕ ዝተገብረ ዓለባ ዝተኸድነ ሰብኣይ፥ “ኣብ መንጎ እቲ መንኰራዅር፥ ኣብ ትሕቲ ኪሩቤል እቶ፤ ካብቲ ኣብ ማእኸል ኪሩቤል ዘሎ ነዳዲ ፍሓም ድማ፥ በእዳውካ ሓፊንካ ኣብ ልዕሊ እታ ኸተማ በትኖ” ኢሉ ተዛረቦ፤ ንሱውን እናረአኽዎ ኣተወ። #ራእይ 8፡5።
3እቲ ሰብኣይ ክኣቱ እንተሎ፥ እቶም ኪሩቤል ብወገን የማን እታ ቤት፥ ደው ኢሎም ነበሩ፤ እቲ ደመና ኸዓ ነቲ ውሽጣዊ ዓፀድ መልኦ። 4ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ፥ ካብ ልዕሊ እቶም ኪሩቤል ተልዓለ፤ ናብ ልዳት እታ ቤት ከዓ ኸደ፤ እታ ቤት ድማ ብደመና መልአት፤ እቲ ዓፀድውን ብፀዳል ክብሪ እግዚኣብሄር መሊኡ ነበረ። 5ህማም ኣኽናፍ ኪሩቤል ከዓ፥ ከም ድምፂ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ክዛረብ እንተሎ ኾይኑ፥ ክሳዕ እቲ ወፃኢ ዓፀድ ተሰምዐ።
6ኮነ ኸዓ፥ ነቲ ኻብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተሰርሐ ዓለባ ዝተኸደነ ሰብኣይ፥ ካብ መንጎ እቲ መንኰራዅር፥ ካብ መንጎ እቲ ኪሩቤል ሓዊ ውሰድ፥ ኢሉ ምስ ኣዘዞ፥ ንሱ ኣተወ፤ ኣብ ጥቓ መንኰራዅር ድማ ቖመ። 7እቲ ኪሩብ ድማ፥ ካብ መንጎ እቶም ኪሩቤል ናብቲ ኣብ መንጎ ኪሩቤል ዘሎ ሓዊ፥ ኢዱ ዘርጊሑ ኻብኡ ወሰደ፤ ኣብ ኣእዳው እቲ ኻብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተገብረ ዓለባ ዝተኸድነ ድማ ኣንበሮ፤ ንሱውን ሒዙ ወፀ።
8ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኪሩቤል ከዓ፥ ኢድ ሰብ ዝመስል ተርኣየ። 9ጠመትኩ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብ ጥቓ እቶም ኪሩቤል ኣርባዕተ መንኰራዅር፥ ሓሓንቲ መንኰራዅር ኣብ ጥቓ ነፍሲ ወከፍ ኪሩብ ነበረ፤ ትርኢት እቲ መንኰራዅር ድማ፥ ከም ሕብሪ እምኒ ቢረሌ ነበረ። #ሕዝ. 1፡15-21። 10ትርኢት ኣርባዕቲኦም ከዓ ይመሳሰል ነበረ፤ እቲ ሓደ መንኰራዅር፥ ኣብ ውሽጢ እቲ ሓደ መንኰራዅር ከም ዝኣተወ ይመስል ነበረ። 11ክኸዱ እንተለዉ ድማ በርባዕተ ጐድኖም ይኸዱ ነበሩ፤ እንትኸዱ ኸዓ ናብ የማነ ፀጋም ግልፅ ኣይብሉን ነበሩ። እቲ ርእሲ ናብ ዘምርሖ ስፍራ ይስዕብዎ ነበሩ እምበር፥ ክኸዱ እንተለዉስ ኣይምለሱን ነበሩ። 12ኵሉ ሰብነቶምን ዝባኖምን ኣእዳዎምን ኣኽናፎምን፥ እቲ መንኰራዅርን ኣርባዕቲኡ መንኰራዅሮምን ብዅሉ ዙርያኦም ኣዒንቲ መሊእዎም ነበረ። #ራእይ 4፡8። 13ነቲ መንኰራዅር ከዓ፥ ኣነ እናሰማዕኹ፥ ጌልጌል ኢሎም ይሰምይዎ ነበሩ።
14ንሱ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ገፅ ነበሮ፤ እቲ ቐዳማይ ገፅ ኪሩብ፥ እቲ ኻልኣይ ገፅ ሰብ፥ እቲ ሳልሳይ ከዓ ናይ ኣንበሳ ገፅ፥ እቲ ራብዓይ ድማ ናይ ንስሪ ገፅ እዩ። #ሕዝ. 1፡10፥ ራእይ 4፡7። 15እቶም ኪሩቤል ከዓ ልዕል ልዕል በሉ፤ ንሳቶምውን እቶም ቀደም ኣብ ሩባ ኮቦር ዝረአኽዎም እንስሳ እዮም። 16እቶም ኪሩቤል ክኸዱ እንተለዉ፥ እቲ መንኰራዅር ድማ ጐኒ ጐኖም ይኸይድ ነበረ፤ እቶም ኪሩቤል ካብ ምድሪ እንትለዓሉ ኣኽናፎምውን እንትዝርግሑ፥ እቲ መንኰራዅርውን ካብ ጥቓኣቶም ኣየግልስን ነበረ። 17መንፈስ እቶም እንስሳ ኣብኣቶም ስለ ዝነበረ፥ እቲኣቶም ደው ክብሉ እንተለዉ፥ እዙይውን ደው ይብል ነበረ፤ እቲኣቶም ክለዓሉ እንተለዉ፥ እዙይውን ይለዓል ነበረ።
18ክብሪ እግዚኣብሄር ካብ ልዕሊ ልዳት እታ ቤት ወፀ፤ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ከዓ ቖመ። 19እቶም ኪሩቤል ድማ ኣኽናፎም ዘርግሑ፤ ክነቕሉ እንተለዉ ኸዓ፥ እቲ መንኰራዅር ብጥቓኣቶም ኮይኑ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ካብ ምድሪ ተልዓሉ፤ ኣብቲ ናይ ምብራቕ ኣፍ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ቖሙ። ክብሪ ኣምላኽ እስራኤልውን ኣብ ልዕሊኣቶም ነበረ። 20እዚኣቶም ከዓ፥ እቶም ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ እስራኤል፥ ኣብ ጥቓ ሩባ ኮቦር ዝረአኽዎም እንስሳ እዮም። ኣነውን ኪሩቤል ምዃኖም ኣለለኽዎም። 21ነፍሲ ወከፎም ኣርባዕተ ገፅን ኣርባዕተ ኽንፍን ነበሮም። ኣብ ትሕቲ ኣኽናፎም ከዓ ኣእዳው ሰብ ዝመስል ነበሮም። 22መልክዕ ገፆም ከምቲ ኣብ ጥቓ ሩባ ኮቦር ዝረአኹዎ ገፅ ነበረ፥ ትርኢቶምውን ከምኡ ነበረ፤ ነፍሲ ወከፎም ንቕድሚኡ ቀጥ ኢሉ ይኸይድ ነበረ።
Currently Selected:
ሕዝቅኤል 10: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: