YouVersion Logo
Search Icon

ሕዝቅኤል 9

9
መቕፃዕቲ ኢየሩሳሌም
1ኣብ ኣእዛነይ ከዓ፥ እቶም ነታ ኸተማ ዝቐፅዑ፥ ነፍሲ ወከፎም ነቲ ዘጥፍአሉ ኣፅዋር ኣብ ኢዱ ሒዙ ይቕረብ፥ እናበለ ዓው ኢሉ ድምፂ ኣስምዐ። 2እንሆ ድማ፥ ሽዱሽተ ሰባት፥ ነፍሲ ወከፎም ነቲ ዝቐትለሉ ኣፅዋር ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ካብቲ መንገዲ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ናብ ዘርኢ ላዕለዋይ ደገ መፁ፤ ሓደ ሰብኣይ፥ ካብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተገብረ ዓለባ ዝተኸድነ፥ ናይ ፀሓፊ ቐርኒ ቐለምውን ኣብ ሕቘኡ ዘለዎ፥ ኣብ ማእኸሎም ነበረ። ኣትዮም ድማ ኣብ ጥቓ እቲ መሰውኢ ነሃስ ቆሙ።
3ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ካብቲ ዝነበሮ፥ ካብ ልዕሊ ኪሩቤል ተልዓለ፤ ናብቲ ልዳት እታ ቤት ከዓ ኸደ፤ ነቲ ኻብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተገብረ ዓለባ ዝተኸደነ፥ ናይ ፀሓፊ ቐርኒ ቐለምውን ኣብ ሕቘኡ ዝነበሮ ሰብኣይ ፀውዖ። 4እግዚኣብሄር ከዓ፥ “ብማእኸል ከተማ፥ ብማእኸል ኢየሩሳሌም ሕለፍ እሞ፥ ነቶም ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእኸላ ዝግበር ዘሎ ርኽሰት፥ ዝጕህዩን ዝትክዙን፥ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ግበረሎም” በሎ። #ራእይ 7፡3፥ 9፡4፥ 14፡1።
5ኣነ እናሰማዕኹ ኸዓ እግዚኣብሄር ነቶም ካልኦት በሎም፦ “ደድሕሪኡ በታ ኸተማ ሓሊፍኩም ውቕዑ፤ ዓይንኹም ንሓደ እኳ ኣይትሕዘን፤ ኣይትራህርሁውን። 6ካብ መቕደሰይ ጀሚርኩም ንኣረጋውያንን ነጕባዝን ንጐራዙን ንቘልዑን ንኣንስትን ቅተሉ፤ ኣፅንቱ፤ ነቶም ማሕተም ዘለዎም ግና ኣይትቕረብዎም” በሎም። ንሳቶም ከዓ በቶም ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ዘለዉ ኣረጋውያን ጀመሩ።
7ንሱ ድማ፥ “ነታ ቤት ኣርክስዋ! ነቲ ኣደባባያት ከዓ ብምዉታት ምልእዎ! ውፁ” በሎም፤ ንሳቶም ከዓ ወፁ፤ ኣብታ ኸተማውን ይቐትሉ ነበሩ።
8ኮነ ድማ፥ ክቐትሉ እንተለዉ፥ ኣነ ተረፍኩ፤ ብገፀይ ወደቕኩ እሞ፥ “ወዮ! ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ቍጥዓኻ ኣብ ኢየሩሳሌም ክዒውካዶ፥ ንዅሎም ተረፍ እስራኤል ክተጥፍኦም ኢኻ?” ኢለ ኣእዌኹ።
9ንሱ ድማ በለኒ፦ “ሓጢኣት ቤት እስራኤልን ይሁዳን፥ የመና ዓብዪ እዩ፤ ‘እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር ሓዲግዋ፤ እግዚኣብሄር ሓንቲ እኳ ኣይርኢን እዩ’ ይብሉ ኣለዉ እሞ፥ እታ ምድሪ ብደም፥ እታ ኸተማውን ብዓመፅ መሊአን ኣለዋ። 10ስለዙይ ዓይነይ ኣይሓዝንን፤ ኣነ ኣይርህርህን፤ መንገዶምውን ኣብ ርእሶም ክመልሰሎም እየ።” 11እንሆ ኸዓ፥ እቲ ኻብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተገብረ ዓለባ እተኸድነ፥ ናይ ፀሓፊ ቐርኒ ቐለምውን ኣብ ሕቘኡ ዝነበሮ፥ “ከምቲ ዝኣዘዝካኒ ገበርኩ” ኢሉ ፀብፃቡ ሃበ።

Currently Selected:

ሕዝቅኤል 9: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in