YouVersion Logo
Search Icon

ሕዝቅኤል 1:4-9

ሕዝቅኤል 1:4-9 ትመ15

እንሆ ኸዓ፥ ካብ ሰሜን ህቦብላ ንፋስ፥ ብርቱዕ ደመና ምስ ናይ ሃልሃልታ ሓዊ፥ ኣብ ዙርያኡ ኸዓ ፀዳል ብርሃን ክመፅእ እንተሎ ረአኹ፤ ከም ብልጭልጭ ዝብል ወርቂ ድማ ኻብ ማእኸሉ፥ ካብ ማእኸል እቲ ሓዊ ወፀ። ካብቲ ማእኸሉ ኸዓ ምስሊ ኣርባዕተ እንስሳ ወፀ፤ ትርኢቶም ድማ እዙይ እዩ፤ ሰብ ይመስሉ ነበሩ። ንነፍሲ ወከፎም ኣርባዕተ ኽንፊ ነበሮም፤ ንነፍሲ ወከፎምውን፥ ኣርባዕተ ገፅ ነበሮም። ኣእጋሮም ቀጥ ዝበለ ኣእጋር ነበረ፤ ከብዲ እግሮም ከዓ፥ ከም እግሪ ሸዀና ምራኽ ነበረ፤ ከም ርሱን ነሃስ ድማ ብልጭልጭ ይብል ነበረ። በርባዕተ ወገኖም ኣብ ትሕቲ ኣኽናፎም ኢድ ሰብ ነበሮም፤ ነርባዕቲኦም ከምዙይ ዝበለ ገፅን ክንፍን ነበሮም። ኣኽናፎም ንስንሳተን ዝተተሓሓዛ ነበራ፤ ክኸዱ እንተለዉ የማነ ፀጋም ግልፅ ኣይብሉን፤ ነፍሲ ወከፍ ኣቕኒዑ ንቕድሚኡ ይኸይድ ነበረ።

Free Reading Plans and Devotionals related to ሕዝቅኤል 1:4-9