YouVersion Logo
Search Icon

ዘፀኣት 9

9
ሓምሻይ መቕሰፍቲ
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ናብ ፈርዖን ኣቲኻ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዕብራውያን ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ከገልግሉኒ ንህዝበይ ስደዶም። 2ኣይሰድድን ኢልካ እንተ ኸልኪልካዮም ግና፥ 3እንሆ ኢድ እግዚኣብሄር፥ ኣብ በረኻ ኣብ ዘለዋ ጥሪትካ፥ ኣብ ኣፍራስ፥ ኣብ ኣእዱግ፥ ኣብ ኣግማል፥ ኣብ ከፍትን ኣብ ኣባጊዕን፥ ብርቱዕ መቕሰፍቲ ኽወርድ እዩ። 4እግዚኣብሄር ድማ ኣብ መንጎ ጥሪት እስራኤልን ኣብ መንጎ ጥሪት ግብፃውያንን ፍልልይ ክገብር እዩ፤ ካብ ጥሪት ደቂ እስራኤል ከዓ ሓንቲ እኳ ኣይትመውትን እያ።” 5እግዚኣብሄርውን ፅባሕ ነዝ ነገር እዙይ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ምድሪ ክገብሮ እዩ ኢሉ ጊዜ ወሰነ።
6ንፅባሒቱ ኸዓ እግዚኣብሄር ነዝ ነገር እዙይ ገበሮ። ኵለን ጥሪት ግብፂ ድማ ሞታ፤ ካብ ጥሪት ደቂ እስራኤል ግና ሓንቲ እኳ ኣይሞተትን። 7ፈርዖን ድማ ለኣኸ፤ እንሆ ኸዓ ኻብ ጥሪት ደቂ እስራኤል ሓንቲ እኳ ኣይሞተትን፤ ልቢ ፈርዖን ግና ተረረ፤ ነቲ ህዝቢ እውን ኣይሰደዶን።
ሻድሻይ መቕሰፍቲ
8እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን “ካብ እቶን፥ ሓሙዅሽቲ በእዳውኩም ሓፊንኩም ውሰዱ፤ ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ናብ ሰማይ ኣቢሉ የዝርዎ። 9ንዅላ ምድሪ ግብፂ ኸዓ ኣቦራ ክኸድና እዩ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ዘለዉ ሰብን ጥሪትን ድማ ግዝዋ ዘምፅእ ቍስሊ ኽወፆም እዩ” በሎም።
10 # ራእይ 16፡2። ስለዙይ ካብቲ ሓሙዅሽቲ ሓፊኖም ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ደው በሉ። ሙሴ ኸዓ ነቲ ሓሙዅሽቲ ናብ ሰማይ ኣቢሉ በተኖ፤ ኣብ ሰብን ኣብ እንስሳን ድማ ግዝዋ ዘምፅእ ቍስሊ ወፆም። 11ኣብቶም ኣስማተኛታትን ኣብ ኵሎም ግብፃውያንንውን ግዝዋ ወፀ። እቶም ኣስማተኛታትውን ብሰንኪ እቲ ቝስሊ ኣብ ቅድሚ ሙሴ ደው ምባል ሰኣኑ። 12እግዚኣብሄር ድማ ንልቢ ፈርዖን ኣትረሮ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝበሎ ድማ ኣይሰምዖምን።
ሻውዓይ መቕሰፍቲ
13እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ፅባሕ ኣንጊህኻ ተስእ፤ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ከዓ ደው በል እሞ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዕብራውያን ከምዙይ ይብል ኣሎ በሎ፦ ከገልግሉኒ ንህዝበይ ስደዶም። 14እንተ ዘይኮነ፥ ኣብ ኵላ ምድሪ ኸማይ ዝበለ ኸም ዘየለ ምእንቲ ኽትፈልጥ፥ በዛ ጊዜ እዚኣ ዅሉ ቝጥዓይ ኣብ ልዕሌኻን ኣብ ልዕሊ መኳንንትኻን ኣብ ልዕሊ ህዝብኻን ክሰድድ እየ። 15ሕዚ እውን፥ ኢደይ ዘርጊሐ ንኣኻን ንህዝብኻን ብፌራ ምወቓዕኹኹም ነይረ፤ ንስኻውን ካብ ምድሪ ምጠፋእኻ ኔርኻ። 16#ሮሜ 9፡17። ግና ሓይለይ ምእንቲ ኸርእየካ፥ ስመይውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ምእንቲ ኽንገር ኣልዒለካ ኣለኹ። 17ሕዚ እውን ከይትሰዶም ገናዶ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ትዕበ ኣለኻ? 18እምበኣር ፅባሕ በዛ ሰዓት እዚኣ፥ ግብፂ ኻብ ዝተመስረተትሉ መዓልቲ ኽሳዕ ሕዚ ተርእዩ ዘይፈልጥ፥ ብርቱዕ በረድ ከውርድ እየ። 19ስለዙይ ሕዚ ልኢኽካ እንስሳኻን ኣብ በረኻ ዘሎ ሃብትኻን ናብ ገዛ ኣክብ። ኣብቶም ኣብ ገዛ ዘይኣተዉን ኣብ በረኻ ዘለዉ ዅሉ ሰብን እንስሳን በረድ ክወርድ እዩ እሞ ኽሞቱ እዮም።”
20ካብ መኳንንቲ ፈርዖን ኵሎም እቶም ንቓል እግዚኣብሄር ዝፈርሑ፥ ሰቦምን እንስሳኦምን ናብ ኣባይቲ ኣህደሙ። 21እቶም ንቓል እግዚኣብሄር ሸለል ዝበሉ ድማ ሰቦምን እንስሳኦምን ኣብ በረኻ ሓደጉ።
22እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኢድካ ናብ ሰማይ ኣቢልካ ዘርግሕ እሞ፥ ናብ ኵላ ምድሪ ግብፂ፥ ናብ ልዕሊ ሰብን ናብ ልዕሊ እንስሳን ናብ ልዕሊ ዅሉ በቝሊ ገራሁን በረድ ክወርድ እዩ” በሎ። 23ሙሴ ኸዓ በትሩ ናብ ሰማይ ዘርግሐ፤ እግዚኣብሄር ድማ ነጐድጓድን በረድን ሰደደ፤ ሓዊ ኸዓ ናብ ምድሪ ወረደ። እግዚኣብሄር ድማ ናብ ምድሪ ግብፂ በረድ ኣዝነመ። 24#ራእይ 8፡7፥ 16፡21። በረድ ድማ ነበረ፤ ኣብ ማእኸል እቲ በረድ ድማ ሓዊ ይነድድ ነበረ። ሰብ ኣብ ግብፂ ኻብ ዝነብር ጀሚሩ ተርእዩ ዘይፈልጥ በረድ ወረደ። 25እቲ በረድ ከዓ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ኣብ በረኻ ንዘሎ ዅሉ፥ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ ወቕዐ፤ ንዝነበረ በቝሊ ግራውቲ ኣጥፍአ፤ ንዅሉ ኣእዋም በረኻ ኸዓ ሰባበሮ። 26ኣብታ ደቂ እስራኤል ዝነብርዋ ምድሪ ጌሴም ጥራሕ በረድ ኣይዘነመን።
27ፈርዖን ከዓ ልኢኹ ንሙሴን ንኣሮንን ፀውዖም። “ኣነ በዲለ እየ፤ እግዚኣብሄር ግና ፃድቕ እዩ፤ ኣነን ህዝበይንውን ሓጢኣተኛታት ኢና። 28ናይ ኣምላኽ ነጐድጓድን በረድን በዚሑ እዩሞ፥ ናብ እግዚኣብሄር ፀልዩ፤ ክሰደኩም እየ፤ ደጊም ኣብዙይ ኣይትቕመጡን ኢኹም” በሎም።
29ሙሴ ኸዓ “ካብ ከተማ ምስ ወፃእኹ፥ ኣእዳወይ ናብ እግዚኣብሄር ክዝርግሕ እየ፤ ሽዑ ምድሪ ናይ እግዚኣብሄር ምዃና ምእንቲ ኽትፍለጥ፥ እቲ ነጐድጓድ ክሓድግ እዩ፤ በረድውን ኣይወርድን። 30ንስኻን መኳንንትኻን ግና ገና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዘይትፈርሑ እፈልጥ እየ” በሎ።
31ስገም ሸዊቱ፥ እንጣጢዕውን ፈርዩ ነበረ እሞ ጠፍአ። 32ስርናይን ዓረስን ግና፥ ጊዜኡ ገና ነበረሞ ኣይተወቕዐን።
33ሙሴ ድማ ኻብ ፈርዖን ተፈልዩ ኻብ ከተማ ወፀ፤ ኣእዳዉ ናብ እግዚኣብሄር ዘርግሐ፤ ነጐድጓድን በረድን ድማ ሓደገ፤ እቲ ናብ ምድሪ ዝወርድ ዝነበረ ዝናም ከዓ ኣቋረፀ። 34ፈርዖን ከዓ ዝናምን በረድን ነጐድጓድን ከም ዝሓደገ ምስ ረአየ፥ ደጊሙ በደለ፤ ንሱን መኳንንቱንውን ልቦም ኣትረሩ። 35ከምቲ እግዚኣብሄር ብኣፍ ሙሴ ዝበሎ ድማ፥ ልቢ ፈርዖን ተረረ፤ ንደቂ እስራኤል ከዓ ኸይኸዱ ኸልከሎም።

Currently Selected:

ዘፀኣት 9: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in