ዘፀኣት 3
3
እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸም ዝፀውዖ
1ሙሴ ድማ ኣባጊዕ ሓሙኡ ዮቶር ካህን ምድያም፥ ይጓሲ ነበረ። ነተን ኣባጊዕ እናዀብኰበን ናብ ምድረ በዳ፥ ናብቲ ደብሪ እግዚኣብሄር ተብሂሉ ዝፅዋዕ እምባ ኮሬብ #3፡1 እምባ ኮሬብ፦ “እምባ ሲና” ተብሂሉውን ይፅዋዕ እዩ። መፀ። 2መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ማእኸል ኣሻዅ ቈጥቋጥ ብሃልሃልታ ሓዊ ተርኣዮ። ሙሴ ድማ እታ ኣሻዅ ቈጥቋጥ እንተይተቓፀለት ሃልሃል እንትትብል ረአያ። 3#ግ.ሓ. 7፡30-34። ንሱ ኸዓ “እዛ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ከመይ ኢላ እያ ዘይትቃፀል? እስኪ ነዝ ዓብዪ ትርኢት እዙይ ቅርብ ኢለ ኽርኢ” በለ።
4እግዚኣብሄር ድማ፥ ሙሴ ኽርኢ ኸም ዝቐረበ ምስ ረአየ፥ ካብ ማእኸል እታ ኣሻዅ ቈጥቋጥ “ሙሴ! ሙሴ!” ኢሉ ፀውዖ።
ሙሴ ኸዓ “እኒሀኹ” ኢሉ መለሰ።
5እግዚኣብሄር ድማ “ናብዙይ ኣይትቕረብ፤ እዛ ደው ኢልካላ ዘለኻ ቦታ፥ ቅድስቲ ምድሪ እያ እሞ፥ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውፅእ። 6ኣነ ኣምላኽ ኣቦታትካ፥ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ እየ” በሎ። ሙሴ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ከይሪኦ ስለ ዝፈርሐ፥ ገፁ ኸደነ።
7እግዚኣብሄር ድማ “መከራ እቲ ኣብ ግብፂ ዘሎ ህዝበይ ሪአ ኣለኹ። ብሰንኪ እቶም ዘስርሕዎም ዘእውይዎ ዘለዉ ሰሚዐ ኣለኹ፤ ስቓዮምውን ፈሊጠ ኣለኹ። 8ስለዙይ ካብ ኢድ ግብፃውያን ከድሕኖም ወሪደ ኣለኹ፤ ካብታ ምድሪ እቲኣ ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ፅብቕትን ስፍሕትን ምድሪ፥ ናብ ዓዲ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ኤዊያውያንን ኢያቡሳውያንን ከደይቦም እየ። 9ሕዚ ድማ እንሆ፥ ኣውያት ደቂ እስራኤል ኣባይ ተሰሚዑ ኣሎ፤ እቲ ግብፃውያን ዝገፍዕዎም ዘለዉ ኸዓ ሪአ ኣለኹ። 10እምበኣር ሕዚ ነዓ፤ ንህዝበይ ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኽተውፅኦም፥ ናብ ፈርዖን ክልእኸካ እየ” በሎ።
11ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄር፥ “ናብ ፈርዖን ዝኸይድን ንደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ዘውፅእንከ፥ ኣነ መን እየ?” በሎ።
12እግዚኣብሄር ከዓ፥ “ኣነ ብሓቂ ምሳኻ ክኸውን እየ፤ ኣነ ኸም ዝለኣኽኩኻ ድማ እዙይ ምልክት ይኹንካ፦ ነቲ ህዝቢ ኻብ ግብፂ ምስ ኣውፃእኻዮ፥ ኣብዝ እምባ እዙይ ንእግዚኣብሄር ክተምልኹ ኢኹም” በሎ።
13 #
ዘፍ. 6፡2-3። ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄር፥ “እንሆ፥ ናብ ደቂ እስራኤል ከይደ፥ ‘ኣምላኽ ኣቦታትኩም ናባኻትኩም ልኢኹኒ’ ምስ በልክዎም፥ ‘ስሙ መን እዩ?’ እንተ በሉንስ፥ እንታይ ክብሎም እየ?” በሎ።
14 #
ራእይ 1፡4፥8። እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ ‘ዘሎን ዝነብርን’ ኣነ እየ፤ ንደቂ እስራኤል ድማ እቲ ‘ዘሎን ዝነብርን’ #3፡14 ዘሎን ዝነብርን፦ ብዕብራይስጢ “ያህዌ” ይብል። ናባኻትኩም ልኢኹኒ በሎም” በሎ። 15እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ መሊሱ ኸምዙይ በሎ፦ “ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም፥ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ ናባኻትኩም ልኢኹኒ። እዙይ ንዘለኣለም ስመይ እዩ፤ ንውሉድ ወለዶ ኸዓ በዝ ስም እዙይ ክዝከር እየ። 16ኪድ ንዓበይቲ እስራኤል ኣኪብካ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም፥ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ ብርግፅ ተመልኪቱኩም እዩ፤ ነቲ ኣብ ግብፂ ዝገፍዑኹም ድማ ሪኡ ኣሎ፤ 17ካብ መከራ ግብፂ ናብ ምድሪ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ኤዊያውያንን ኢያቡሳውያንን ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኸደይበኩም እየ’ ኢሉ እዩ ኢልካ ንገሮም።
18“እቶም ዓበይቲ እስራኤል ድማ ቓልካ ኽሰምዑ እዮም። ንስኻን ንሳቶምን ናብ ንጉስ ግብፂ ኣቲኹም ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዕብራውያን ተገለፀልና። ሕዚ ድማ በይዛኻ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና መስዋእቲ ኽነቕርብ መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ በረኻ ኽንከይድ ስደደና’ በልዎ። 19ግና ብሓያል ኢድ እንተ ዘይኮይኑስ፥ ንጉስ ግብፂ ኽትከዱ ኸም ዘይሰደኩም እፈልጥ እየ። 20ስለዙይ ኢደይ ክዝርግሕ እየ፤ በቲ ኣብ ማእኸላ ዝገብሮ ተኣምራት ንግብፂ ኽወቕዓ እየ፤ ብድሕሪኡ ኽሰደኩም እዩ።
21“ንኣኻትኩም ንህዝበይ ግና ኣብ ቅድሚ ግብፃውያን ሞገስ ክህበኩም እየ። ካብ ግብፂ ኽትወፁ እንተለኹም ከዓ ጥራሕ ኢድኩም ኣይትወፁን ኢኹም። #ዘፀ. 12፡35-36። 22ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ፥ ካብ ጐረቤታን ካብታ ኣብ ገዛኣ እትነብርን ‘ኣቕሓ ብሩርን ወርቅን ክዳውንትን ትለምን።’ ነዙይ ኣብ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ግበርዎ፤ ከምዙይ ጌርኩም ንግብፃውያን ክትዘምትዎም ኢኹም።”
Currently Selected:
ዘፀኣት 3: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in