ዘፀኣት 29
29
ኣወሃህባ ኽህነት
(ዘሌ. 8፡1-36)
1“ኣሮንን ደቁን ካህናት ኮይኖም ምእንቲ ኸገልግሉኒ፥ ከምዙይ ጌርካ ቐድሶም፦ ጐደሎ ዘይብሎም ሓደ ዝራብዕን ክልተ ማጓሉን ውሰድ። 2መባዅዕቲ ዘይተሓወሶ ልሑም ሕሩጭ ስርናይ ጌርካ እንጀራን፥ ብዘይቲ ዝተለወሰ ቕጫን፥ ዘይቲ ዝተለኸየ ረቀቕቲ ቕጫታትን ሰንክት። 3ኣብ ሓደ መሶብ ኣንብሮ፤ በቲ መሶብ ጌርካ ምስቲ ዝራብዕን ምስቶም ክልተ ማጓሉን ኣቕርቦ።
4“ንኣሮንን ንደቁን ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣቕርቦም፤ ብማይ ድማ ሕፀቦም። 5ነቲ ኣልባስ ወሲድካ ድማ፥ ንኣሮን ቀሚሽ ውሽጥን ናይ ኤፉድ ቀሚሽ ላዕልን፥ ኤፉድን ሳንቃ ኣፍ ልብን ክደኖ። በቲ ብብልሓት ዝተኣልመ ቕናት ኤፉድ ጌርካ ኸዓ ኣዕጥቆ። 6ኣብ ርእሱ ድማ መጠምጠምያ ግበረሉ፤ ነቲ ቕዱስ ኣኽሊል ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያ ግበሮ። 7መቕብኢ ዘይቲ ወሲድካ ድማ ናብ ርእሱ እናፍሰስካ ቕብኣዮ። 8ንደቂ ኣሮን ኣቕሪብካ ኸዓ ቐማውሽ ውሽጢ ኽደኖም። 9ንኣሮንን ንደቁን ድማ ብቕናት ኣዕጥቆም፤ መጠምጠምያውን ግበረሎም። ክህነት ከዓ ብሕጊ ንዘለኣለም ናታቶም ይኹን። ስለዙይ ንኣሮንን ንደቁን ከምዙይ ጌርካ መዓርግ ክህነት ሃቦም።
10“ነቲ ዝራብዕ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣቕርቦ፤ ኣሮንን ደቁን ከዓ ኣእዳዎም ኣብ ርእሲ እቲ ዝራብዕ የንብሩ። 11ነቲ ዝራብዕ ከዓ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ቅድመይ ሕረዶ። 12ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲድካ ድማ፥ በፃብዕትኻ ነቲ ኣቕርንቲ መሰውኢ ልኸዮ፤ ነቲ ዝተረፈ ደም ከዓ፥ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ኣፍስሶ። 13ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላት ዝጕልብብ ቃንጡጥን ኣብ ልዕሊ ኸብዲ ዘሎ ስብሕን፥ ንኽልቲኡ ዀላሊትን፥ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ስብሕን፥ ብምሉኡ ወሲድካ ኣብ መሰውኢ ኣሕርሮ። 14ናይቲ ዝራብዕ ስጋን ቈርበትን ፈርስን ግና፥ ክንዲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ስለ ዝኾነ፥ ካብቲ ሰፈር ኣውፂእኻ ብሓዊ ኣቃፅሎ።
15“ነቲ ሓደ ማጕላውን ውሰዶ፤ ኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎም ኣብ ርእሲ እቲ ማጕላ የንብሩ። 16ነቲ ማጕላ ኸዓ ሕረዶ፤ ነቲ ደሙውን ኣብ ኵሉ ወገን እቲ መሰውኢ ንፀጎ። 17ነቲ ማጕላ ድማ በብብልዕቱ ቘራርፆ፤ ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላቱን ኣእጋሩን ከዓ ሓፂብካ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተቘራረፀ ስጋኡን ርእሱን ኣንብሮ። 18ነቲ ማጕላ ድማ ብምሉኡ ኣብ መሰውኢ ኣቃፅሎ። ንሱ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ፤ ንሱ ንኣይ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ። #ኤፌ. 5፡2፥ ፊልጵ. 4፡18።
19“ነቲ ኻልኣይ ማጕላ ውሰዶ፤ ኣሮንን ደቁን ከዓ ኣእዳዎም ኣብ ርእሲ እቲ ማጕላ የንብሩ። 20ነቲ ማጕላ ኸዓ ሕረዶ፤ ካብ ደሙ ወሲድካ ድማ፥ ኣብ ጫፍ የማነይቲ እዝኒ ኣሮንን፥ ኣብ ጫፍ የማናይ ኣእዛን ደቁን፥ ኣብ የማናይ ዓበዓባይቶ ኣእዳዎምን፥ ኣብ የማናይ ዓበዓባይቶ ኣእጋሮምን ልኸ። ነቲ ደሙውን ኣብ ኵሉ ወገን እቲ መሰውኢ ንፀጎ። 21ካብቲ ኣብ መሰውኢ ዘሎ ደምን፥ ካብቲ ዘይቲ መቕብእን ወሲድካ ድማ፥ ኣብ ኣሮንን ኣብ ኣልባሱን፥ ኣብ ደቁን ኣብ ኣልባስ ደቁን ንፀጎ። ሽዑ ንሱን ኣልባሱን ኣልባስ ደቁን ክቕደሱ እዮም።
22“ኣብ ምቕባል ክህነት ዝሕረድ ማጕላ ስለ ዝኾነ፥ ስብሒ፥ እቲ ማጕላ ሕልሕል፥ ንናይ ውሽጢ ኣካላት ዝጕልብብ ቃንጡጥ፥ ስብሒ ኸብዲ፥ ክልቲኡ ዀላሊት፥ ኣብ ልዕሊ ዀላሊት ዘሎ ስብሒ፥ የማናይ እግሪ ውሰድ። 23ካብቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ ዘይበዅዐ ቕጫ ዘለዎ መሶብ፥ ዘይቲ ዘይኣተዎ ሓደ ቕጫ፥ ዘይቲ ኣትዩዎ ዝተሰንከተ ሓደ ቕጫ፥ ሓደ ረቂቕ ቅጫ ውሰድ። 24ነዝ ዅሉ ድማ ኣብ ኣእዳው ኣሮንን ኣብ ኣእዳው ደቁን ኣንብሮ፤ ሽዑ ናባይ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ጌርካ ኣቕርበለይ። 25ካብ ኣእዳዎም ወሲድካ፥ ኣብ ቅድመይ ጥዑም ጨና ምእንቲ ክኸውን፥ ምስቲ ዝተቓፀለ መስዋእቲ ጌርካ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣቃፅሎ። እዙይ ንኣይ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ። 26ሓኸለ ናይቲ ኣሮን ክህነት ክቕበል እንተሎ ዝተሓረደ ማጕላ ውሰድ፤ ሽዑ ናባይ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ጌርካ ኣብ ቅድመይ ኣቕርቦ። እዙይ ግዴኻ ይኹን።
27“ነቲ ናባይ እናወዝወዝካ ኸም መስዋእቲ ዝቐርብ፥ ናይቲ ኽህነት ክወሃብ እንተሎ ዝሕረድ ማጕላ፥ ግደ ኣሮንን ደቁን ዝኾነ ሓኸለን እግርን ቀድሶ። 28እዙይ ኣሮንን ደቁን ካብ ደቂ እስራኤል ዝቕበልዎ ብፅሒት ንዘለኣለም ሕጊ ይኹን። እዝ ብፅሒት እዙይ፥ ካብቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርቡለይ ዝለዓል መስዋእቲ ምስጋና እዩ።
29“እቲ ኣሮን ዝኽደኖ ቅዱስ ኣልባስ፥ ብእኡ ምእንቲ ኽቕብኡን ክህነት ምእንቲ ኽቕበሉን፥ ብድሕሪ ሞቱ ናብ ደቁ ይሕለፍ። 30ካብ ደቁ፥ እቲ ተኪኡ ኻህን ዝኸውን፥ እቲ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግል ናብ መቕደስ ዝኣቱ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ይልበሶ።
31“ስጋ ናይቲ ኣብ ምቕባል ክህነት ዝሕረድ ማጕላ ወሲድካ፥ ኣብ ቅዱስ ቦታ ኣብስሎ። 32ኣሮንን ደቁን ድማ፥ ንስጋ እቲ ማጕላን ነቲ ኣብ መሶብ ዘሎ ቕጫን፥ ኣብ ኣፍ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኮይኖም ይብልዕዎ። 33ንሳቶም ክህነት ምእንቲ ኽቕበሉን ክቕደሱን፥ ነቲ ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት ዝተወፈየ ይብልዕዎ። ንሱ ቅዱስ እዩ እሞ፥ ካልእ ሰብ ከቶ ኣይብልዓዮ። 34ካብ ስጋ ናይቲ ኣብ ምቕባል ክህነት ዝሕረድ ማጕላ፥ ወይ ካብቲ ቕጫ ኽሳዕ ንፅባሒቱ ዝኾነ እንተ ተረፈ፥ ነቲ ተረፍ ብሓዊ ኣቃፅሎ፤ ቅዱስ እዩ እሞ ሰብ ኣይብልዓዮ።
35“ንኣሮንን ንደቁን ከምቲ ዅሉ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ስርዓት ክህነት ፈፅመሎም። 36በብመዓልቱ ኸዓ ንስርየት ሓጢኣት ሓደ ዝራብዕ ሰውእ፤ ስርየት ሓጢኣት ብምግባር ድማ ነቲ መሰውኢ ኣፅርዮ፤ ዘይቲ እናቐባእኻውን ቀድሶ። 37እዙይ ንሸውዓተ መዓልቲ ግበሮ። ሽዑ እቲ መሰውኢ ፈፂሙ ቅዱስ ክኸውን እዩ፤ እቲ ዅሉ ዝነኽኦ ድማ ኽቕደስ እዩ።
መዓልታዊ መስዋእቲ
(ዘሑ. 28፡1-8)
38“በብመዓልቱ፥ ዓመት ዝገበሩ ኽልተ ጡቦታት ኣባጊዕ መስዋእቲ ኣቕርብ። 39ነቲ ሓደ ጡቦት በጊዕ ጊሓት፥ ነቲ ኻልኣይ ጡቦት በጊዕ ከዓ ምሸት ሰውኣዮ። 40ምስቲ ቐዳማይ ጡቦት በጊዕ፥ ሓደ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ፥ ብሓደ ሊትሮ ዘይቲ ኣውሊዕ ለዊስካ ሰውእ፤ ሓደ ሊትሮ ወይኒ ድማ፥ ከም መስዋእቲ ጌርካ ኣፍስሰሉ። 41ነቲ ኻልኣይ ጡበት በጊዕ ድማ፥ ከምቲ ናይ ጊሓት ምስ መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን ጌርካ፥ ኣጋ ምሸት ኣቕርቦ። ንሱ ንኣይ ጥዑም ዝጨናኡ፥ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።
42“እዙይ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣብ ቅድመይ፥ ንውሉድ ወለዶኹም ንዅልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ። ኣነ ኣብኡ ኽዛረበካ፥ ምሳኻውን ክራኸብ እየ። 43ኣብኡ ምስ ደቂ እስራኤልውን ክራኸብ እየ፤ እቲ ድንኳን ድማ ብኽብረይ ክቕደስ እዩ።
44“ነቲ መራኸቢ ድንኳንን ነቲ መሰውእን ክቕድሶ እየ። ንኣሮንን ንደቁን ከዓ ኻህናት ኮይኖም ከገልግሉኒ ኽቕድሶም እየ። 45ኣነ ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ክነብር፥ ኣምላኾም ድማ ክኸውን እየ። 46ንሳቶም ከዓ፥ ኣብ ማእኸሎም ምእንቲ ኽነብር ኢለ፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኽዎም፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ከም ዝኾንኩ ኽፈልጡ እዮም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ።
Currently Selected:
ዘፀኣት 29: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in