ዘፀኣት 27
27
መሰውኢ
(ዘፀ. 38፡1-7)
1“ብዕንፀይቲ ሰራው ጌርካ ሓሙሽተ እመት ዝምንዋሑ፥ ሓሙሽተ እመት ዝምግፋሑ መሰውኢ ግበር። እቲ መሰውኢ ኣርባዕተ መኣዝን ይኹን፤ ምብራኹ ድማ ሰለስተ እመት ይኹን። 2በርባዕተ መኣዝን ኣቕርንቲ ግበረሉ። እቲ ኣቕርንቲ ምስቲ መሰውኢ ብሓደ ለጊቡ ይሰራሕ፤ ብነሃስ ከዓ ለብጦ። 3ንሓሙዅሽቲ ዝኸውን ውንጭሕቲ መፅሓሪን ጭሐሎን መውግእ ስጋን እቶንን ግበር፤ ነዝ ዅሉ ኣቑሑ ኸዓ ብነሃስ ስርሓዮ። 4ብነሃስ ዝተሰርሐ ኸም መንፊት ዝበለ መጋረዲ ግበረሉ፤ ነቲ መንፊት ከዓ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝኑ ኣርባዕተ ቐለበት ነሃስ ግበረሉ። 5ነቲ መጋረዲ ድማ ኣብ ትሕቲ መንከስ መሰውኢ ግበሮ። ንሱ ኻብ ታሕቲ ኽሳዕ እቲ ፈረቓ መሰውኢ ይብፃሕ። 6ነቲ መሰውኢ ድማ ብዕንፀይቲ ሰራው መፃውር ግበረሉ፤ ብነሃስ ከዓ ለብጦ። 7ነቲ መሰውኢ ምፅዋሩ ምእንቲ ኽምቹ፥ ነቲ መፃውር ብኽልተ ወገኑ ናብቲ ቐለበታት ኣእትዎ። 8ነቲ መሰውኢ፥ ጓንጓ ጌርካ ብሉሕ ስርሓዮ። ከምቲ ኣብ እምባ ዘርአኹኻ ገይሮም ይስርሕዎ።
ቕፅሪ
(ዘፀ. 38፡9-20)
9“ነቲ ድንኳን ቕፅሪ ግበረሉ። ብወገን ደቡብ ነቲ ቕፅሪ ብዝተፍሓሰ ሃሪ ጌርካ ሚእቲ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት ግበረሉ። 10ብነሃስ ዝተሰርሐ ዕስራ መርገፂ ዘለዎ፥ ዕስራ ኣዕምዲ ስርሐሉ። ናይቲ ኣዕምዲ መሰቓቐልን ዘንግታትን ብብሩር ይኹን። 11ከምኡ ድማ ብወገን ሰሜን ሚእቲ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት ስርሐሉ። ብነሃስ ዝተሰርሐ ዕስራ መርገፂ ዘለዎ፥ ዕስራ ኣዕማድ ድማ ስርሐሉ። ናይቲ ኣዕማድ መሰቓቐልን ዘንግታትን ከዓ ብሩር ይኹን።
12“ብወርዱ ነቲ ቕፅሪ፥ ብወገን ምዕራብ፥ ዕስራን ሰለስተን ሜትር ዝምንዋሑ መጋረጃታት ስርሐሉ። ዓሰርተ መርገፂ ዘለዎ ዓሰርተ ኣዕምዲ ድማ ስርሐሉ። 13ስፍሓት እቲ ቕፅሪ፥ ብቕድሚት ብወገን ምብራቕ፥ ዕስራን ሰለስተን ሜትር ይኹን። 14ነቲ ኣፍ ደገ ብሓደ ወገኑ፥ ሸውዓተ ሜትር ዝምንዋሑ መጋረጃታት ግበረሉ። ሰለስተ መርገፂ ዘለዎ ሰለስተ ኣዕምዲ ድማ፥ ግበረሉ። 15ብኻልኣይ ወገኑ ድማ ሸውዓተ ሜትር ዝምንዋሑ መጋረጃታት ግበረሉ። ሰለስተ መርገፂ ዘለዎ ሰለስተ ኣዕምዲ ኸዓ ግበረሉ።
16“ንኣፍ እቲ ቕፅሪ ድማ፥ ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን፥ ብዝተፍሓሰ ሃርን ጌርካ፥ ትሽዓተ ሜትር ዝምንዋሑ ዝተጠልፈ መጋረጃ ስርሐሉ። ኣርባዕተ መርገፂ ዘለዎ ኣርባዕተ ኣዕምዲ ድማ ግበረሉ። 17ነቲ ኣብ ዙርያ ቕፅሪ ዘሎ ዅሉ ኣዕምዲ፥ ዘንግታት ብሩርን መሰቓቐሊ ብሩርን ግበረሉ። መርገፂኡ ኸዓ ብነሃስ ጌርካ ስርሓዮ። 18ነቲ ቕፅሪ፥ ምንዋሑ ሓደ ሚእቲ እመት፥ ምግፋሑ ኸዓ ሓምሳ እመት፥ ቁመቱ ድማ ሓሙሽተ እመት ግበሮ፤ ነዙይ ብዝተፍሓሰ ሃሪ ግበሮ፤ ንመርገፂ እቲ ኣዕምዲ ኸዓ ብነሃስ ስርሓዮ። 19ኣቑሑ ድንኳን ብምሉኡን፥ ኵሉ መስርሒኡ ዝኸውንን፥ ኵሉ ሽኻላቱን፥ ኵሉ ሽኻላት ቅፅርን ብነሃስ ጌርካ ስርሓዮ።
ንመብራህቲ ዝኸውን ዘይቲ
20“ንስኻ ሙሴ ድማ እቲ መብራህትታት ኵልሻዕ ምእንቲ ኽበርህ፥ ካብ ዝተወቐጠ ኣውሊዕ ንመብራህቲ ዝኸውን ፅሩይ ዘይቲ ኸምፅኡልካ፥ ንደቂ እስራኤል ኣዝዞም። 21ኣብቲ ድንኳን፥ ብወፃኢ እቲ መጋረጃ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ፅላት ሒዙ ዘሎ ታቦት፥ ኣሮንን ደቁን ካብ ምሸት ክሳዕ ጊሓት፥ ነቲ መብራህቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከም ዝበርህ ይግበርዎ። እዙይ ኣብ ደቂ እስራኤል፥ ንውሉድ ወለዶኦም ናይ ዘለኣለም ሕጊ ይኹን።
Currently Selected:
ዘፀኣት 27: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in