“ንስኻ ሙሴ ድማ እቲ መብራህትታት ኵልሻዕ ምእንቲ ኽበርህ፥ ካብ ዝተወቐጠ ኣውሊዕ ንመብራህቲ ዝኸውን ፅሩይ ዘይቲ ኸምፅኡልካ፥ ንደቂ እስራኤል ኣዝዞም። ኣብቲ ድንኳን፥ ብወፃኢ እቲ መጋረጃ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ፅላት ሒዙ ዘሎ ታቦት፥ ኣሮንን ደቁን ካብ ምሸት ክሳዕ ጊሓት፥ ነቲ መብራህቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከም ዝበርህ ይግበርዎ። እዙይ ኣብ ደቂ እስራኤል፥ ንውሉድ ወለዶኦም ናይ ዘለኣለም ሕጊ ይኹን።