YouVersion Logo
Search Icon

ዘፀኣት 26

26
ድንኳን
(ዘፀ. 36፡8-38)
1“ብዓሰርተ ዓለባታት ጌርካ ድንኳን ስራሕ። ነቲ ዓለባ ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን ብዝተፍሓሰ ሃርን ጌርካ ስርሓዮ። ክኢላታት ሰባት ድማ ብጥልፊ፥ ምስሊ ኪሩቤል ይስኣሉሉ። 2ዓቐን እቲ ዓለባታት ማዕረ ይኹን፤ ምንዋሑ ዕስራን ሸሞንተን እመት፥ ወርዱ ኸዓ ኣርባዕተ እመት ይኹን። 3ነቲ ሓሙሽተ ዓለባታት ብሓደ ኣላግቦ፤ ነቲ ኻልእ ሓሙሽተ ዓለባታትውን ብሓደ ኣላግቦ። 4ኣብ ወሰና ወሰን እቲ ብሓደ ዝተላገበ ዓለባ፥ ብሰማያዊ ፈትሊ ቐለበታት ግበር። ኣብ ወሰና ወሰን እቲ ዝተላገበ ኻልኣይ ዓለባ ኸዓ ኸምኡ ግበር። 5ኣብቲ ሓደ ዓለባ ሓምሳ ቐለበት ግበር። ኣብ ወሰና ወሰን እቲ ዝተላገበ ኻልኣይ ዓለባ ኸዓ ሓምሳ ቐለበት ግበር። እቲ ቐለበታት ንስንሳቱ መረኣእይቲ ይኹን። 6ብወርቂ ጌርካ ሓምሳ መቘለፊ ስራሕ። እቲ መሕደሪ ድንኳን ሓደ ምእንቲ ክኸውን ከዓ፥ ነቲ ዓለባታት በቲ ቝልፊ ንስንሳቱ ኣጋጥሞ።
7“ኣብ ልዕሊ እቲ መሕደሪ ድንኳን ዝድረብ ድማ፥ ብፀጕሪ ጤል ጌርካ ዓሰርተ ሓደ ዓለባታት ስራሕ። 8ዓቐን እቲ ዓሰርተ ሓደ ዓለባታት ማዕረ ይኹን፤ ምንዋሑ ሰላሳ እመት፥ ወርዱ ኸዓ ኣርባዕተ እመት ይኹን። 9ነተን ሓሙሽተ ዓለባታት ብሓደ ኣላግበን። ከምኡ ኸዓ ነተን ሽዱሽተ ዓለባታት ብሓደ ኣላግበን። ነታ ሻድሸይቲ ዓለባ ብወገን ቅድሚት እቲ ድንኳን ደርባ። 10ኣብ ወሰና ወሰን እቲ ዝተላገበ ዓለባ ሓምሳ ቐለበት ግበር። ኣብ ወሰና ወሰን እቲ ዝተላገበ ኻልኣይ ዓለባ ድማ ሓምሳ ቐለበት ግበር። 11ብነሃስ ጌርካ ሓምሳ መቘለፊ ስራሕ። እቲ መደረብታ ሓደ ምእንቲ ክኸውን፥ ነቲ መቘለፊ ናብቲ ቐለበታት ኣእትዎ። 12ፍርቂ ናይቲ ዝተረፈ ዓለባ፥ ነቲ ናይቲ ድንኳን ዳሕረዋይ ወገን ይኽደኖ። 13እቲ ብኽልተ ጐኑ፥ እመት በዙይ፥ እመት በቱይ፥ ሕልፊ ዘለዎ መደረብታ ዓለባታት፥ ብኽልተ ወገኑ ተንጠልጢሉ ነቲ ድንኳን ይኽደኖ።
14“ነቲ መደረብታ ኸዓ ብዝተቐረፀ፥ ቈራብቲ ማጓሉ ጌርካ መኽደን ግበረሉ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ብቘርበት እንስሳ ባሕሪ ጌርካ መኽደን ግበረሉ።
15“ነቲ ድንኳን ድማ ኻብ ዕንፀይቲ ሰራው ዝተፀርበ ደው ዝብል ሉሕ ግበረሉ። 16ምንዋሕ ሓደ ሉሕ ዓሰርተ እመት፥ ምግፋሑ ኸዓ እመትን ፈረቓን ይኹን። 17እቲ ሉሕ ንስንሳቱ ምእንቲ ኽገጣጠም ከክልተ ጉጭ ዘለዎ ይኹን። ንዅሉ ነቲ ናይ ድንኳን ሉሕ ከዓ ኸምኡ ጌርካ ስርሓዮ። 18ብወገን ደቡብ እቲ ድንኳን ከዓ፥ ዕስራ ሉሕ ግበር። 19ኣብ ትሕቲ እቲ ዕስራ ሉሕ፥ ብብሩር ጌርካ ኣርብዓ መርገፂ ስራሕ። ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ጉጭ ዘለዎ ሉሕ ክልተ መርገፂ ግበረሉ። 20ብወገን ሰሜን እቲ ድንኳን ድማ ዕስራ ሉሕ ግበር። 21ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ ሉሕ ዝኸውን፥ ብብሩር ጌርካ፥ በብኽልተ፥ ኣርብዓ መርገፂ ስራሕ። 22ብድሕሪ እቲ ድንኳን፥ ማለት ብወገን ምዕራቡ ሽዱሽተ ሉሕ ግበር። 23ነቲ ድንኳን ብወገን ድሕሪቱ ንመኣዝን ዝኸውን ክልተ ሉሕ ግበረሉ። 24እዙይ ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ድርብ ይኹን፤ ክሳዕ ላዕሊ፥ ክሳዕ እቲ ቐዳማይ ቀለበት ብምሉኡ ኸምኡ ይኹን። ኣብ ክልቲኡ መኣዝን ከምኡ ይኹን። 25ሸሞንተ ሉሕን ብብሩር ዝተሰርሐ ዓሰርተ ሽዱሽተ መርገፅን ግበር፤ ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ ሉሕ፥ ከክልተ መርገፂ ግበር።
26“ብዕንፀይቲ ሰራው ጌርካ ወርወር ስራሕ፤ ሓሙሽተ ወርወር ብሓደ ወገን እቲ ድንኳን ንዘሎ ሉሕ፥ 27ሓሙሽተ ወርወር ብኻልኣይ ወገን እቲ ድንኳን ንዘሎ ሉሕ፥ ሓሙሽተ ወርወር ብድሕሪ እቲ ድንኳን ብወገን ምዕራብ ንዘሎ ሉሕ ግበር። 28እቲ ኣብ ማእኸል ሉሕ ዘሎ ወርወር፥ ካብቲ ሓደ ወሰን ክሳዕ እቲ ኻልኣይ ወሰን ይሕለፍ። 29ነቲ ሉሕ ብወርቂ ለብጦ፤ ነቲ ወርወር ዝኣትዎ ቐለበታቱ ኸዓ ብወርቂ ስርሓዮ። ነቲ ወርወርውን ብወርቂ ለብጦ። 30ነቲ ድንኳን ከምቲ ኣብ እምባ ዘርአኹኻ ጌርካ ትኸሎ።
31“ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን፥ ብዝተፍሓሰ ሃርን ጌርካ መጋረጃ ግበር፤ ክኢላታት ሰባት ከዓ ምስሊ ኪሩቤል ይግበሩሉ። 32ብወርቂ ዝተለበጠ መሰቓቐሊ ጌርካ፥ ብዕንፀይቲ ሰራው ኣብ ዝተገብረ ኣርባዕተ ዓምዲ ስቐሎ፤ እቲ ዓምዲ ድማ ብብሩር ኣብ ዝተገብረ ኣርባዕተ መርገፂ ደው ኣብሎ። 33#ዕብ. 6፡19፥ 9፡3-5። እቲ መጋረጃ ኸዓ ኣብ ትሕቲ እቲ ቝልፍታት ስቐሎ፤ ነቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ዝተፅሓፎ ፅላት ድማ ናብ ውሽጢ እቲ መጋረጃ ኣእትዎ። እቲ መጋረጃ ኸዓ ኣብ መንጎ ቕድስትን፥ ቅድስተ ቅዱሳንን ይፍለየልኩም። 34ነቲ መኽደን ድማ ኣብቲ ቕድስተ ቅዱሳን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ፅላት ግበሮ። 35ነቲ ጠረጴዛ ኣብ ወፃኢ መጋረጃ ብወገን ሰሜን እቲ ድንኳን ኣንብሮ። ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል ድማ ኣብ መንፅር እቲ ጠረጴዛ ብወገን ደቡብ ኣንብሮ።
36“ነቲ ኣፍ ድንኳን ድማ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ዝኾነ ፈትልን ብዝተፍሓሰ ሃርን ዝተጠልፈ መጋረጃ ግበር። 37ብዕንፀይቲ ሰራው ጌርካ፥ ነቲ መጋረጃ ሓሙሽተ ዓምዲ ግበረሉ። ብወርቂ ለብጦ፤ መሰቓቐሊኡ ኸዓ ኻብ ወርቂ ይኹን። ነሃስ ኣፍሲስካ ድማ ሓሙሽተ እግሪ ግበረሉ።

Currently Selected:

ዘፀኣት 26: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in