YouVersion Logo
Search Icon

ዘፀኣት 23

23
ፍትሕን ቅንዕናን
1“ወረ ሓሰት ኣይትቀበል። ሓሲኻ ንኽትምስክርውን ምስ ዓማፂ ኢድካ ኣይተልዕል። #ዘፀ. 20፡16፥ ዘሌ. 19፡11-12፥ ዘዳ. 5፡20፥ 23፡19-20።
2“ክፉእ ንምግባር ደድሕሪ ብዙሓት ሰባት ኣይትስዓብ። ነቶም ብዙሓት ወጊንካ ፍርዲ ንምቕይናን ኣይትመስክር። 3#ዘሌ. 19፡15። ብፍርዲ ነገርውን ነቲ ድኻ ኣይተዳሉ።
4“ብዕራይ ፀላኢኻ ወይ ኣድጉ ጠፊኡ እንተ ረኸብካ፥ ናብ ዋናኡ ምለሶ። 5#ዘዳ. 22፡1-4። ኣድጊ ፀላኢኻ ኣብ ትሕቲ ፅዕነቱ ወዲቑ እንተ ረኸብካ፥ ምስ ዋናኡ ዄንካ ሓግዞ እምበር ረጊፅካዮ ኣይትሕለፍ።
6“ድኻ ናብ ፍርዲ እንተ ቐረበ፥ ‘ድኻ እዩ’ ኢልካ ፍትሒ ኣይተጕድለሉ። 7ካብ ሓሰት ዘረባ ረሓቕ። ንፁህን ቕኑዕን ሰብ ኣይትቕተል፤ ኣነ ንዝበደለ ሰብ ኣይምሕሮን እየሞ።
8“ጉቦ ነቶም ዝሪኡ ዘዕውር፥ ዘረባ ፃድቃን ከዓ ዘቐይንን እዩ እሞ፥ ጉቦ ኣይትቀበል። #ዘሌ. 19፡15፥ ዘዳ. 16፡19።
9 # ዘፀ. 22፡21፥ ዘሌ. 19፡33-34፥ ዘዳ. 24፡17-18፥ 27፡19። “ንስኻትኩም ኣብ ምድሪ ግብፂ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም፤ ነፍሲ ስደተኛ ኸመይ ከም ዝኾነት ድማ ትፈልጡ ኢኹም እሞ፥ ንስደተኛ ኣይትግፍዕዎ።
ሻውዐይቲ ዓመትን ሻውዐይቲ መዓልትን
10“ሽዱሽተ ዓመት ምድርኻ ዝራእ፤ ፍርያታ ኸዓ ኣእቱ። 11#ዘሌ. 25፡1-7። በታ ሻውዐይቲ ዓመት ግና፥ ድኻ ህዝብኻ ኻብኣ ምእንቲ ኽበልዕ፥ እቲ ዝተረፈ ድማ እንስሳ በረኻ ምእንቲ ኽበልዖ፥ ክተዕርፍ ሕደጋ። ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኻን ኣብ ኣውሊዕኻን ድማ ኸምኡ ግበር።
12 # ዘፀ. 20፡9-11፥ 35፡2፥ ዘሌ. 23፡3፥ ዘዳ. 5፡13-14። “ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕኻ ግበር፤ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና፥ ብዕራይካን ኣድግኻን፥ እቲ ኣብ ገዛኻ ዝተወልደ ባርያኻን፥ እቲ ስደተኛን ምእንቲ ኸዕርፉ፥ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኣዕርፍ።
13“ነቲ ዅሉ ዝበልኩኹም ሓልውዎ። ስም ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትፀውዑ፤ ካብ ኣፍኩምውን ኣይሰማዕ።
ብዛዕባ ሰለስተ ዓበይቲ በዓላት
14“ኣብ ዓመት ሰለስተ ሻዕ በዓል ግበረለይ።
15“በቲ ምዱብ እዋን፥ ብወርሒ ኣቢብ፥ ካብ ግብፂ በዛ ወርሒ እዚኣ ኢኻ ዝወፃእኻ እሞ፥ በዓል ቅጫ ኣብዕል፤ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብላዕ።
“ጥራሕ ኢድካ፥ ኣብ ቅድመይ ኣይትረአ።
16 # ዘሌ. 23፡15-21፥39-43፥ ዘሑ. 28፡26-31። “ናይቲ ኣብ ግራትካ ዝዘራእኻዮ መጀመርታ ፍረ ኽትዓፅድ እንተለኻ፥ በዓል ዓፂድ ኣብዕል።
“ኣብ መወዳእታ ዓመት፥ እኽልኻ ኻብ ግራትካ ምስ ኣከብካ፥ ናይ ምእካብ በዓል ኣብዕል።
17“ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሻዕ፥ ኣባይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይረአ።
18“እንስሳ ሓሪድካ ደም ክትስውአለይ እንተለኻ፥ ዝበዅዐ ነገር ምስኡ ኣይትሕወስ።
“ስብሒ ናይቲ ንበዓለይ ዝተሰውአ፥ ክሳዕ ንግሆ ኣይሕደር።
19“ነቲ ዝበለፀ በዅሪ ፍረ ምድርኻ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣምፅኣዮ።
“ንማሕስእ ብፀባ እኖኡ ኣይተብስሎ። #ዘዳ. 26፡2፥ 14፡21፥ ዘፀ. 34፡26።
ቃላት ተስፋን ትእዛዛትን
20“ኣብ መንገዲ ኽሕልወካ ናብቲ ዘዳለኽዎ ቦታ ድማ ኸእትወካ፥ እንሆ፥ ኣነ ቐቅድሜኻ መልኣኽ እልእኽ ኣለኹ። 21ኣብ ቅድሚኡ ተጠንቀቕ፤ ድምፁ ኸዓ ስማዕ። እምቢ ኣይትበሎ። ስመይ ኣብኡ ተሰምዩ እዩ እሞ፥ ሓጢኣት እንተ ሰራሕኻ ንበደልካ ኣይሓድግን እዩ። 22ድምፁ እንተ ሰሚዕኻ፥ ኣነ ዝብለካ ዅሉ ድማ እንተ ገበርካ፥ ኣነ ንፀላእትኻ ኽፀልኦም፥ ንዝፃረሩኻ ድማ ኽፃረሮም እየ። 23መልኣኸይ ቀቅድሜኻ ክኸይድ እዩ እሞ፥ ናብ ምድሪ ኣሞራውያንን ኬጢያውያንን ፈሪዛውያንን ከነዓናውያንን ኤዋውያንን ኢያቡሳውያንን ከእትወካ እዩ። ኣነ ድማ ኸጥፍኦም እየ። 24ንኣማልኽቶም ኣይትስገደሎም፤ ኣይተምልኮምውን፤ ከምቲ ዝገብርዎ ኸዓ ኣይትግበር። እኳ ደኣ ኣጥፍኣዮም፤ ነቲ ቕዱስ ዝብልዎ ናይ ኣምልኾ እምኒ ኣዕምዶም ከዓ ሰባብሮ። 25ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣምልኹ፤ ኣነ ኸዓ እንጀራኹምን ማይኩምን ክባርኸልኩም እየ። ሕማም ከዓ ኻብ ማእኸልኩም ከርሕቕ እየ። 26ኣብ ሃገርካ ጥንሲ ዝወርዳ ወይ መኻን ሰበይቲ ኣይትርከብን እያ። ቍፅሪ ዘመንካ ኸብዝሖ እየ።
27“ናብቶም እትጋጠሞም ኵሎም ህዝብታት ራዕዲ ቐቅድሜኻ ኽሰድድ፥ ከሸብሮምውን እየ። ንዅላቶም ፀላእትኻ ኸዓ፥ ካባኻ ኸም ዝሃድሙ ኽገብሮም እየ። 28ንኤዋውያንን ንከነዓናውያንን ንኬጢያውያንን ካብ ቅድሜኻ ዘሳጕጉ፥ ተናኸስቲ ፅንፅያ ቐቅድሜኻ ኽሰድድ እየ። 29እታ ምድሪ ምእንቲ ኸይትባድም፥ ኣራዊት በረኻ ኸዓ ኸይበዝሑኻ፥ ካብ ቅድሜኻ ብሓንቲ ዓመት ኣየወግዶምን እየ። 30ተባዚሕኻ ነታ ምድሪ ኽሳዕ እትወርሳ ኻብ ቅድሜኻ በብቑሩብ እየ ዘወግዶም።
31“ነቶም ኣብታ ምድሪ ዝነብሩ፥ ኣብ ኣእዳውካ ኽህበካ እየ፤ ካብ ቅድሜኻ ኸዓ ኽትሰጎም ኢኻ እሞ፥ ሽዑ ወሰንካ ኻብ ቀይሕ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ ፍልስጥኤም፥ ካብ ምድረ በዳ ድማ ኽሳዕ ፈለግ ኤፍራጥስ ክገብሮ እየ። 32ምስኣቶም ኮነ፥ ምስ ኣማልኽቶም ኪዳን ኣይትእቶ። 33ንኣማልኽቶም እንተ ደኣ ኣምሊኽካ፥ እዙይ ንኣኻ መፈንጠር ክኾነካ እዩ እሞ፥ ከየስሕቱኻ እሞ ንኣይ ከም እትብድል ከይገብሩኻ፥ ኣብ ምድርኻ ኽነብሩ ኣይትፍቀደሎም።”

Currently Selected:

ዘፀኣት 23: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in