YouVersion Logo
Search Icon

ዘፀኣት 15:23-25

ዘፀኣት 15:23-25 ትመ15

ማራ ናብ ዝተብሃለ ቦታ በፅሑ፤ ማይ ማራ መሪር ስለ ዝነበረ ኸዓ ኽሰትይዎ ኣይከኣሉን። በዝ ምኽንያት እዙይ ድማ ማራ ተብሃለ። እቶም ህዝቢ ኸዓ ንሙሴ “እንታይ ክንሰቲ ኢና?” ኢሎም ኣጕረምረሙሉ። ሙሴ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። እግዚኣብሄር ሓንቲ ዕንፀይቲ ኣርኣዮ፤ ንሱ ድማ ናብቲ ማይ ደርበያ፤ እቲ ማይ ከዓ ጠዓመ። ኣብኡ ሕግን ስርዓትን ገበረሎም፤ ኣብኡ ኸዓ ፈተኖም።