ዘፀኣት 15
15
መዝሙር ሙሴ
1 #
ራእይ 15፡3። ሽዑ ሙሴን ደቂ እስራኤልን ንእግዚኣብሄር እዝ መዝሙር እዙይ ዘመሩሉ፦
“እግዚኣብሄር ልዕል ልዕል ስለ ዝበለ ኽዝምረሉ እየ፤
ንፈረስን ፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርበዮም።
2እግዚኣብሄር ሓይለይን ዝማሬይን እዩ፤
ንሱ መድሓኒየይ ኮነለይ፤
ንሱ ኣምላኸይ ስለ ዝኾነ፥ ከኽብሮ እየ፤
ኣምላኽ ኣቦይ እዩ እሞ፥ ልዕል ልዕል ከብሎ እየ። #መዝ. 118፡14፥ ኢሳ. 12፡2።
3እግዚኣብሄር ተዋጋኢ እዩ፤
ስሙ ኸዓ እግዚኣብሄር እዩ።
4ንሰረገላታት ፈርዖንን ሰራዊቱን
ናብ ባሕሪ ደርበዮም፤
እቶም ሕሩያት ሓለቓታቱ
ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ሰጠሙ።
5ዓሚቝ ባሕሪ ኸደኖም፤
ከም እምኒ ናብ ውሽጢ ሰጠሙ።
6ኦ ጐይታ፥ የማነይትኻ ብሓይላ ኸበረት፤
ኦ ጐይታ፥ የማነይትኻ ንፀላኢ ቐጥቀጠቶ።
7ንዝቃወሙኻ ብዕቤት ግርማኻ ኣጥፋእኻዮም፤
ቍጥዓኻ ሰደድካ፤ ከም ሓሰር ድማ በልዖም።
8ብእስትንፋስ ኣፍንጫኻ ማያት ተዀመሩ፤
ወሓዝቲ ኸዓ ኸም መንደቕ ደው በሉ፤
ማይ መዓሙቝ ድማ ኣብ ማእኸል ባሕሪ ረግአ።
9ፀላኢ፥ ኣሳጒጐ ኽሕዞም እየ፤ ምርኮውን ክካፈል እየ፤
ነፍሰይውን ክትፀግቦም እያ፤
ሰይፈይ ክመዝዝ እየ፤
ኢደይውን ክተጥፍኦም እያ፤ በለ።
10ንፋስ ኣንፈስካ፤
ባሕሪ ድማ ኸደኖም፤
ከም ዓረር ድማ ኣብ ዓሚቝ ማይ ሰጠሙ።
11ኦ እግዚኣብሄር! ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ
ከማኻ ዝበለ መን ኣሎ?
ብቕድስና ኸማኻ ዝኸበረ፥
ብግርማ ኸማኻ ዝተፈርሐ፥
ገባሪ ተኣምራት፥ መን ኣሎ?
12የማነይቲ ኢድካ ዘርጋሕኻ፤
ምድሪ እውን ወሓጠቶም።
13ብሕያዋይነትካ ንዝተቤዘኻዮም ህዝቢ፥ መራሕኻዮም፤
ብሓይልኻ ናብ ቅዱስ መሕደሪኻ መራሕኻዮም።
14ኣህዛብ ሰሚዖም ኣንቀጥቀጡ፤
ኣብ ፍልስጥኤም ንዝነብሩውን ቅልውላው ሓዞም።
15መኳንንቲ ኤዶምያስ ተሸበሩ፤
ንመራሕቲ ሞኣብ ራዕዲ ሓዞም፤
ኣብ ከነዓን ዝነብሩ ዅሎምውን መኸኹ።
16ኦ እግዚኣብሄር! ህዝብኻ ኽሳዕ ዝሓልፍ፥
እቲ ዝተቤዘኻዮ ህዝቢ ኽሳዕ ዝሓልፍ፥
ድንጋፀን ፍርሓትን ሓዞም፤
ብሓይሊ ቕልፅምካ ኸም እምኒ ስቕ በሉ።
17ኦ እግዚኣብሄር! ናብቲ መሕደሪኻ ክኸውን ዘዳለኻዮ ቦታ፥
ጐይታ፥ ናብቲ ኣእዳውካ ዘዳለዋኦ መቕደስ፥
ኣብቲ ርስትኻ ዝኾነ እምባ ኣእቲኻ ኽትተኽሎም ኢኻ።
18እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ክነግስ እዩ።”
ማርያም ዝዘመረቶ መዝሙር
19ኣፍራስ ፈርዖን ምስ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ናብ ባሕሪ ኣተዉ፤ እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ማያት ባሕሪ ናብ ልዕሊኣቶም መለሶ፤ ደቂ እስራኤል ግና ብማእኸል ባሕሪ ብንቑፅ ሓለፉ።
20ነቢይት ማርያም ሓፍቲ ኣሮን ከበሮ ሒዛ ተልዓለት፤ ኵለን ኣንስቲ ድማ ኸበሮ ሒዘን ብስዕስዒት ደድሕሪኣ ወፃ። 21ማርያም ከዓ ኸምዙይ እናበለት ዘመረትሎም፦
“እግዚኣብሄር የመና ልዑል እዩ እሞ ዘምሩሉ፤
ንፈረስን ፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርበዮም።”
መሪር ማይ
22ሙሴ ድማ ንእስራኤል ካብ ባሕሪ ኤርትራ መሪሑ ኣውፅኦም፤ ሱር ናብ ዝተብሃለ ምድረ በዳ ኸዓ ወፁ። ማይ እንተይረኸቡ ድማ ሰለስተ መዓልቲ ብምድረ በዳ ተጕዓዙ። 23ማራ ናብ ዝተብሃለ ቦታ በፅሑ፤ ማይ ማራ መሪር ስለ ዝነበረ ኸዓ ኽሰትይዎ ኣይከኣሉን። በዝ ምኽንያት እዙይ ድማ ማራ ተብሃለ። 24እቶም ህዝቢ ኸዓ ንሙሴ “እንታይ ክንሰቲ ኢና?” ኢሎም ኣጕረምረሙሉ።
25ሙሴ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። እግዚኣብሄር ሓንቲ ዕንፀይቲ ኣርኣዮ፤ ንሱ ድማ ናብቲ ማይ ደርበያ፤ እቲ ማይ ከዓ ጠዓመ።
ኣብኡ ሕግን ስርዓትን ገበረሎም፤ ኣብኡ ኸዓ ፈተኖም። 26ኣስዒቡ ድማ “ድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተጠንቂቕካ እንተ ሰሚዕኻ፥ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ቕኑዕ ዝኾነ ኸዓ እንተ ገበርካ፥ ንትእዛዛቱውን ፅን እንተ በልካ፥ ኵሉ ሕግጋቱ ድማ እንተ ሓሊኻ፥ ኣነ እቲ ዘሕውየካ እግዚኣብሄር እየሞ፥ ነቲ ናብ ግብፃውያን ዝሰደድክዎ ሕማም ኣይሰደልካን እየ፤” በሎም።
27ኤሊም ናብ እትብሃል ቦታ ድማ በፅሑ፤ ኣብኡ ዓሰርተ ኽልተ ዓይኒ ማይን ሰብዓ ኦም ተምርን ነበረ። ኣብኡ ኸዓ ኣብ ጥቓ ማይ ሰፈሩ።
Currently Selected:
ዘፀኣት 15: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in