መክብብ 12
12
1ክፉኣት መዓልቲታት እንተይመፃ “ደስ ኣየብሉን” እትብለሉ ዓመታት ከዓ እንተይቀረበ፥ ብመዋእል ጕብዝናኻ ንፈጣሪኻ ዘክሮ። 2ብርሃንን ፀሓይን ወርሕን ከዋኽብትን እንተይፀልመቱ፥ ደመናታትውን ድሕሪ ዝናም እንተይተመለሱ፥ 3በታ ሓለውቲ ቤት ዝንቅጥቀጡላ፥ ብርቱዓት ሰባት ዝጐብጡላ፥ ውሑዳት ኮይኖም እዮምሞ፥ ጠሓንቲ ስራሕ ብዝፈትሓላ፥ ጠማቶውን ኣብ መሳዅቲ ዝፅልሙቱላ፥ 4ናብ ኣደባባይ ዘእቱ በርታት ከዓ ዝዕፀወሉ መዓልቲ፥ ድምፂ መጥሓን ምስ ላሸወ፥ ድምፂ ኣዕዋፍ ሰሚዑ እንትለዓል፥ ድምፂ ደረፍቲ ኣዋልድ እንትልሕትት፥ 5ሽዑ ንበረኽቲ ይፈርሑ፤ ኣብ መንገዲውን ድንጋፀ እንትኸውን እንተሎ፥ ለውዚ እንትዕምብብ፥ ኣንበጣውን ከም ፆር እንትኸብድ፥ ድሌት ኵሉ እንትጠፍእ፥ ሰብ ናብ ናይ ዘለኣለም መንበሪኡ እንትኸይድ፥ መልቀስቲውን ኣብ ኣደባባይ እንትዞሩ፥ 6ሓብሊ ብሩር እንተይተበትከ፥ ፍዮ ወርቂ እንተይተሰበረ፥ ዕትሮ ኣብ ዓይኒ ማይ እንተይተሰበረ፥ መንኰራዅር ኣብ ዒላ እንተይተሰባበረ፥ 7ሓመድ ድማ ናብቲ ዝነበሮ ምድሪ እንተይተመለሰ፥ መንፈስውን ናብቲ ወሃቢኡ እግዚኣብሄር እንተይተመለሰ፥ ብመዓልቲታት ጕብዝናኻ ንፈጣሪኻ ዘክሮ። 8እቲ ሰባኺ “ናይ ከንቱ ኸንቱ፥ ኵሉ ኸንቱ እዩ” ይብል።
መደምደምታ
9ምስ ናይዙይ ግና እቲ ሰባኺ ጥበበኛ ስለ ዝነበረ፥ ነቲ ህዝቢ ፍልጠት መሃረ። ኣስተንተነ፤ መርመረ፤ ደላለየ ብዙሕ ምስላታት ከዓ ሰርዐ። 10እቲ ሰባኺ ዘሐጕስ ቃላት ክረክብ ደለየ፤ እቲ ዝፀሓፎ ኸዓ ቕኑዕን ቃል ሓቅን እዩ። 11ቃላት ጠቢባን ከም መውግኢ ብዕራይ እዩ፤ ንሱ ኸዓ ብእኩባት መምህራን ኣፀቢቑ ዝተሸንከረ ሽንካራት እዩ፤ ብሓደ ጓሳ ኸዓ ዝተውሃበ እዩ።
12ብዝተረፈ ወደይ፥ ንተግሳፅ ስማዕ፤ መፃሕፍቲ ምፅሓፍ መወዳእታ የብሉን፤ ብዙሕ ምምርማር ድማ ንሰውነት የድክም እዩ እሞ።
13መወዳእታ ዅሉ እቲ ነገር ንስማዕ፤ እዙይ ናይ ሰብ ኵለንትናኡ እዩሞ፤ ንእግዚኣብሄር ፍራሕ፤ ንትእዛዛቱውን ሓሉ። 14እግዚኣብሄር ንዅሉ ተግባራት፥ ንዅሉ ስውር ዝኾነ፥ ሰናይ ኮነ ኽፉእ፥ ናብ ፍርዲ ኸምፅኦ እዩ።
Currently Selected:
መክብብ 12: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: