YouVersion Logo
Search Icon

ዘዳግም 7

7
ህዝቢ እግዚኣብሄር
(ዘፀ. 34፡11-16ዘዳ. 28፡1-14)
1“እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብታ ኽትወርስዋ ትኸዱ ዘለኹም ምድሪ ኸእትወኩም እዩ፤ ክትኣትውዋ እንተለኹም ከዓ ንኬጢያውያንን ጌርጌሳውያንን ኣሞራውያንን ከነዓናውያንን ፈሪዛውያንን ሔዋውያንን ኢያቡሳውያንን፥ ነዞም ሸውዓተ ኻባኻትኩም ዝዓብዩን ዝሕይሉን ብዙሓት ህዝብታት ካብ ቅድሜኹም ምስ ሰጐጎም፥ #ግ.ሓ. 13፡19። 2እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ቅድሜኹም ኣሕሊፉ እንትህበኩም እሞ እንትትስዕርዎም፥ ፈፂምኩም ኣጥፍእዎም። ምስኣቶም ኪዳን ኣይትተኣታተዉ፤ ኣይትምሓርዎምውን። 3ኣይትዋሰብዎም፤ ኣጓላትኩም ነወዳቶም ኣይትሃቡ፤ ኣጓላቶም ከዓ ነወዳትኩም ኣይትውሰዱ። 4እንተ ዘይኮነ ደቅኹም፥ ካልኦት ኣማልኽቲ ምእንቲ ኸምልኹ ኻብ እግዚኣብሄር ከርሕቕዎም እዮም እሞ፥ እግዚኣብሄር የመና ኽቝጥዐኩም እዩ፤ ቀልጢፉ ኸዓ ኸጥፍአኩም እዩ። 5ንኣኣቶምስ ከምዙይ ደኣ ግበርዎም፦ መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፤ ሓወልትታቶምውን ሰባብሩ፤ ዘምልኹሉ ኣፀዶም ቍረፁ፤ ዝተፀርበ ምስልታቶምውን ብሓዊ ኣቃፅሉ። #ዘዳ. 12፡3። 6ንስኻትኩም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ ህዝቢ ኢኹም እሞ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ካብ ኵሎም ኣብ ልዕሊ ገፅ ምድሪ ዘለዉ ህዝብታት ፈልዩ፥ ህዝቡ ኽትኮንዎ መረፀኩም። #ዘፀ. 19፡5፥ ዘዳ. 4፡20፥ 14፡2፥ 26፡18፥ ቲቶ 2፡14፥ 1 ጴጥ. 2፡9።
7“እግዚኣብሄር ዝፈተወኩምን ዝመረፀኩምን፥ ካብ ኵሎም ህዝብታት ስለ ዝበዛሕኹም ኣይኮነን፤ ካብ ኵሎም ንስኻትኩም ትውሕዱ። 8እኳ ደኣ እግዚኣብሄር ስለ ዝፈተወኩምን እቲ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ማሕላ ስለ ዝሓለወን፥ እግዚኣብሄር ብሓያል ኢዱ ኣውፅአኩም፤ ካብ ባርነት፥ ካብ ኢድ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ተቤዘወኩም። 9እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኾነ፥ ንዝፈትውዎን ትእዛዙ ንዝሕልዉን ክሳዕ ሽሕ ትውልዲ ምሕረት ዝገብር፥ ቃል ኺዳኑውን ዝሕሉ እሙን ኣምላኽ ከም ዝኾነ፥ ፍለጡ። 10ነቶም ዝፀልእዎ ንምጥፋእ ኣብ ቅድሚኣቶም ናይ ኢዶም ይፈድዮም፤ ንዝፀልእዎ እንተይደንጐየ ኣብ ቅድሚኡ ናይ ኢዶም ይፈድዮም። #ዘፀ. 20፡5-6፥ 34፡6-7፥ ዘሑ. 14፡18፥ ዘዳ. 5፡9-10። 11እምበኣርከስ፥ ነዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛትን ሕግጋትን ፍርድንውን ተጠንቂቕኩም ሓልውዎ።
12“ነዝ ትእዛዛት እዙይ ተጠንቂቕኩም እንተ ሰሚዕኹምዎን እንተ ሓሊኹምዎን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ኪዳኑን ምሕረቱን ክሕልወልኩም እዩ። 13ክፈትወኩምን ክባርኸኩምን ከብዝሐኩምንውን እዩ። ኣብታ ንኣኻትኩም ክህበኩም ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ምድሪ ድማ፥ ፍረ ኸርስኹምን ፍረ ምድሪኹምን ስርናይኩምን ወይንኹምን ዘይትኹምን፥ ኣብታይ ከፍትኹምን፥ ሌማታት ኣባጊዕኹምን ኣጣልኩምን ክባርኸልኩም እዩ። 14ልዕሊ ዅሎም ህዝብታት ክትባረኹ ኢኹም። ኣባኻትኩም ካብ ሰብኣይ ወይ ካብ ሰበይቲ መኻን ኣይህሉን እዩ። 15እግዚኣብሄር ካባኻትኩም ሕማም ከርሕቕ እዩ። እቲ ዅሉ እትፈልጥዎ ዘስካሕክሕ ሕማም ግብፂ ድማ ኣየምፅአልኩምን እዩ። ናብ እቶም ኵሎም ዝፀልኡኹም ግና እዝ ዅሉ ኸምፅአሎም እዩ። 16እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣሕሊፉ ንዝህበኩም ኵሎም ኣህዛብ ኣጥፍእዎም፤ ዓይንኹምውን ኣይራህርሀሎም። ኣማልኽቶምውን መፈንጠር ከይኾኑኹም፥ ኣይተምልኽዎም። #ዘዳ. 11፡13-17።
17“ብልብኹም ድማ፥ ‘እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ካባና ዝበዝሑ እዮም እሞ፥ ከመይ ጌርና ኽነውፅኦም ኢና?’ እንተ በልኩም፥ 18ኣይትፍርሕዎም፤ እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ፈርዖንን ኣብ ኵላ ግብፅን ዝገበሮ ዘክሩ። 19ነቲ ኣዒንትኹም ዝረአያኦ ዓበይቲ መቕሰፍትታትን ምልክታትን ተኣምራትን፥ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብኣኣ ዘውፅአኩም ሓያል ኢድን ዝርግሕቲ ቕልፅምን ኣፀቢቕኩም ዘክሩ። ነዞም ኵሎም እትፈርሕዎም ዘለኹም ኣህዛብ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምኡ ኽገብሮም እዩ። 20ከምኡውን ነቶም ዝተረፉን ካባኻትኩም ዝተሓብኡን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክሳዕ ዝጠፍኡ ዕኮት ክሰደሎም እዩ። 21እቲ ዓቢይን ዝፍራሕን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ማእኸልኩም እዩሞ፥ ንኣኣቶም ኣይትፍርሑ። 22ነዞም ኣህዛብ እዚኣቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ቅድሜኹም በብቑሩብ ክሰጎም እዩ። ኣራዊት በረኻ ምእንቲ ኸይበዝሑኹም፥ ብሓደ ጊዜ ኽተጥፍእዎም ኣይግበአኩምን። 23ኣምላኽኩም እግዚኣብሄር ንኣኣቶም ኣብ ቅድሜኹም ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ፤ ብዓብዪ ድንጋፀ ድማ ኽሳዕ ዝጠፍኡ ኸደንግፆም እዩ። 24ንነገስታቶም ከዓ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ፤ ስሞም ድማ ኻብ ትሕቲ ሰማይ ክተጥፍኡ ኢኹም። ክሳዕ እተጥፍእዎም ዝኾነ ይኹን ኣብ ቅድሜኹም ክቃወመኩም ዝኽእል የለን። ንዅሎም ክተጥፍእዎም ኢኹም። 25ዝተቐረፀ ምስልታት ኣማልኽቶም ብሓዊ ኣቃፅሉ፤ ነቲ ኣብ ምስልታት ኣማልኽቶም ዘሎ ብሩርን ወርቅን ኣይትመነዩ፤ እዙይ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ርኹስ እዩ እሞ፥ መፈንጠር ከይኾነኩም፥ ካብኡ ንኣኻትኩም ሓደኳ ኣይትውሰዱ። 26ንስኻትኩም ድማ ኸምኡ ርኹሳት ምእንቲ ኸይትኾኑ፥ ዝኾነ ርኹስ ነገር ናብ ገዛኹም ኣይተእትዉ፤ ዝረኸሰ እዩ እሞ፥ ፈፂምኩም ፅልእዎን ተፀየፍዎን።

Currently Selected:

ዘዳግም 7: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in