ዘዳግም 6
6
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣፍቅር
1“እቲ ኣብታ ንዮርዳኖስ ሰጊርኩም እትወርስዋ፥ ሃገር ክትፍፅምዎ ኣነ ኽምህረኩም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኒ ትእዛዛትን ሕግጋትን ፍርድታትን እዙይ እዩ፦ 2ንስኻትኩምን ደቅኹምን ደቂ ደቅኹምን ምሉእ ዕድሜኹም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽትፈርሕዎ፥ ዕድሜኹም ድማ ምእንቲ ኽነውሕ፥ እዝ ዅሉ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ሓልዉ። 3ስለዙይ፥ ኦ ህዝቢ እስራኤል! ስምዑ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዝበለኩም፥ ሰናይ ክኾነልኩምን ኣብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ድማ የመና ኽትበዝሑን፥ ተጠንቂቕኩም ፈፅምዎ።
4“ኦ እስራኤል! ስማዕ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ። #ማር. 12፡29። 5ንስኻ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ሓይልኻን ኣፍቅሮ። #ማቴ. 22፡37፥ ማር. 12፡30፥ ሉቃ. 10፡27። 6ነዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ትእዛዛት ኣብ ልብኻ ሓዞ። 7ንደቅኻ ንገሮም፤ ኣብ ገዛኻ ኮፍ እንትትብል፥ ኣብ መንገዲ እንትትከይድ እንትትድቅስ እንትትትስእ ዅልሻዕ ዘክሮ፤ ኣስተንትኖውን። 8ንምልክት ክኾነካ ኣብ ኢድካ እሰሮ፤ ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ኸም ክታብ ይኹነልካ? 9ኣብ ድርኵዂት ገዛኻን ኣብ ማዕፆ ኣፍ ደገኻን ድማ ፀሓፎ። #ዘዳ. 11፡18-20።
10“ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነቦታትኩም፥ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን፥ ንኣኻትኩም ክህበኩም ዝመሓለሎም ምስ ኣእተወኩም ዘይሰራሕኹምወን ዓበይትን ፅቡቓት ከተማታትን ክህበኩም እዩ። #ዘፍ. 12፡7፥ 26፡3፥ 28፡13። 11ንስኻትኩም ዘይመላእኹምወን ፅቡቓት ኣቑሑ ዝመልኣ ኣባይትን፥ ዘይኰዓትኩምወን ዒላታትን፥ ዘይተኸልኩምዎ ወይንን ኣውሊዕን ክህበኩም እዩ። ነዝ ዅሉ በሊዕኹም ምስ ፀገብኩም፥ 12ሽዑ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዘውፅአኩም እግዚኣብሄር ከይትርስዕዎ ተጠንቀቑ።
13“ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፍርሑ፤ ንእኡ ጥራሕ ኣምልኹ፤ ብስሙውን መሓሉ። #ማቴ. 4፡10፥ ሉቃ. 4፡8። 14ነቶም ኣብ ዙርያኹም ዝነብሩ ህዝብታት ዘምልኽዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይተምልኹ። 15ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ደኣ ኣምሊኽኩም ግና እቲ ምሳኻትኩም ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፥ ቍጥዓኡ ኣባኻትኩም ነዲዱ ኻብ ገፅ ምድሪ ኸጥፍአኩም እዩ። 16ከምቲ ኣብ ማሳህ ዝተፈታተንኩምዎ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይትፈታተንዎ። #ዘፀ. 17፡1-7፥ ማቴ. 4፡12። 17እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም ሕግጋቱን ትእዛዛቱን ኣፅኒዕኹም ሓልዉ። 18-19ከምቲ እግዚኣብሄር ዝተናገሮ፥ ምእንቲ ሰናይ ክኾነልኩም፥ ንዅሎም ፀላእትኹም ካብ ቅድሜኹም ክሰጎም፥ ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ፍርያም ምድሪ ኸዓ ኽትኣትዉን ክትወርስዋን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕን ሰናይን ግበሩ።
20“ብዳሕረዋይ ዘመን ‘እዝ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝኣዘዘኩም ትእዛዛትን ሕግጋትን ፍርድታትን እንታይ እዩ?’ ኢሎም ደቅኹም እንተ ጠየቑኹም፥ 21ንስኻትኩም ‘ኣብ ግብፂ ባሮት ፈርዖን ነበርና፤ እግዚኣብሄር ከዓ ብሓያል ኢድ ካብ ግብፂ ኣውፅአና። 22እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ግብፂ፥ ኣብ ፈርዖንን ኣብ ኵሉ ቤቱን፥ ንሕና እናረአና ዓቢይን ዘስካሕክሕ ምልክትን ተኣምራትን ገበረ። 23ንኣና ግና፥ ናብታ ነቦታትና ዝመሓለሎም ምድሪ ምእንቲ ኸእትወናን ክህበናን፥ ካብ ግብፂ ኣውፅአና። 24ምሉእ ዕድሜና ምእንቲ ሰናይ ክኾነልና፥ ከምዝ ሎሚ ዘሎናዮ ኸዓ ምእንቲ ብህይወት ከንብረና፥ እግዚኣብሄር ነዝ ዅሉ ትእዛዛት ክንፍፅም፥ ንእኡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽናውን ክንፈርሖ ኣዘዘና። 25ከምቲ ንሱውን ዝኣዘዘና፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና እግዚኣብሄር ንኽንፍፅሞ ንዅሉ እዝ ትእዛዛት እዙይ እንተ ሓለና ንኣና ፅድቂ ክኾነልና እዩ’ በልዎም።”
Currently Selected:
ዘዳግም 6: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: