ዘዳግም 28
28
ተኣዛዚ ብምዃን ዝርከብ በረከት
(ዘሌ. 26፡3-13፥ ዘዳ. 7፡12-24)
1“ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ተኣዚዝኩምዎ፥ እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛቱ ኸዓ ተጠንቂቕኩም እንተ ሓሊኹምዎ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ልዕሊ ዅሎም ህዝብታት ምድሪ ልዕል ከብለኩም እዩ። 2ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ሰማዕኹም፥ እዝ ዅሉ በረከት ክመፀኩም እዩ፤ ክረኽበኩምውን እዩ፦
3“ንስኻትኩም ኣብ ከተማ ብሩኻት ክትኮኑ ኢኺም፤ ኣብ ገራሁውን ብሩኻት ክትኮኑ ኢኹም።
4“ፍረ ከርስኹምን ፍረ ምድሪኹምን ፍረ እንስሳኹምን፥ ምውላድ ኣላሕምኩምን ምፍራይ ኣባጊዕኹምን ከዓ ቡሩኽ ክኸውን እዩ።
5“መሶብኩምን መልወሲኹምን ቡሩኽ ክኸውን እዩ።
6“ኣብ ምእታውኩም ብሩኻት ክትኮኑ ኢኹም፤ ኣብ ምውፃእኹምውን ቡሩኻት ክትኮኑ ኢኹም። #ዘፀ. 20፡25።
7“ነቶም ዝለዓሉኹም ፀላእትኹም፤ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሜኹም ተስዓርቲ ኽገብሮም እዩ፤ ብሓንቲ መንገዲ ኽመፁኹም እዮም፤ ካብ ቅድሜኹም ድማ ብሸውዓተ መንገዲ ኽሃድሙ እዮም።
8“እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹምን ቆፎኹምን ኣብ ኵሉ ተግባር ኢድኩምን በረከት ንኽወርድ ክእዝዘልኩም እዩ። ኣምላኽኩም እግዚኣብሄር፥ ኣብታ ዝህበኩም ምድሪ ድማ ኽባርኸኩም እዩ።
9“ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ሓሊኹም፥ ብመንገዱውን እንተ ኼድኩም፥ እግዚኣብሄር ከምቲ ዝመሓለልኩም ንእኡ ዝተቐደሰ ህዝቢ ገይሩ ኸቑመኩም እዩ። 10ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ኸዓ ብስም እግዚኣብሄር ከም ዝተፀዋዕኹም ሪኦም ክፈርሑኹም እዮም። 11ኣብታ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ክህበኩም፥ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ምድሪ፥ ፍረ ኸርስኹምን ፍረ እንስሳኹምን ፍረ ምድሪኹምን እግዚኣብሄር ኣፀቢቑ ኸብዝሐልኩም እዩ።
12“ንምድሪኹም ዝናም ብጊዜኡ ምእንቲ ኽህብ እሞ ዅሉ ተግባር ኢድኩም ድማ ኽባርኽ፥ እግዚኣብሄር ንሰማይ፥ ነቲ ፅቡቕ መዝገቡ፥ ክኸፍተልኩም እዩ። ንብዙሓት ህዝብታት ክተለቅሑ ኢኹም፤ ንስኻትኩም ግና ኻብ ዝኾነ ኣይትልቅሑን ኢኹም። 13-14ነዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ሰሚዕኹምዎ፥ ተጠንቂቕኩም ከዓ እንተ ሓሊኹምዎ፥ ካብዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ዅሉ ነገር፥ ንየማን ወይ ንፀጋም እንተዘየግሊስኩም፥ ክትሰግዱሎምን ከተምልኹዎምን ኢልኩም ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ዘይሰዓብኩም፥ እግዚኣብሄር ርእሲ እምበር ጭራ ኣይገብረኩምን፤ ኵልሻዕ ላዕለዎት እምበር ታሕተዎት ከቶ ኣይትኾኑን ኢኹም።
ምጥሓስ ትእዛዝ ዘስዕቦ መርገም
(ዘሌ. 26፡14-46)
15“ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ዘይተኣዚዝኩም፥ እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ዅሉ ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ንምፍፃም ድማ እንተ ዘይተጠንቂቕኩም፥ እዝ ዅሉ መርገም ክመፀኩም እዩ፤ ክረኸበኩምውን እዩ፦
16“ንስኻትኩም ኣብ ከተማ ርጉማት ክትኮኑ፥ ኣብ ገራሁውን ርጉማት ክትኮኑ ኢኹም።
17“ከፈርኩምን መልወሲኹምን ዝተረገመ ክኸውን እዩ።
18“ፍረ ኸርስኹምን ፍረ ምድሪኹምን ምፍራይ ኣላሕምኩምን ምፍራይ ኣባጊዕኹምን ርጉም ክኸውን እዩ።
19“ንስኻትኩም ኣብ ምእታውኩም ርጉማት ክትኮኑ ኢኹም፤ ኣብ ምውፃእኹምውን ርጉማት ክትኮኑ ኢኹም።
20“ንኣይ ሓዲግኩም ክፉእ ስለ ዝገበርኩም፥ ክሳዕ እትጠፍኡን ቀልጢፍኩም ድማ ኽሳዕ እትፈልሱን፥ እግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ተግባር ኢድኩም መርገምን ሁከትን ውርደትን ክሰደልኩም እዩ። 21ካብታ ኽትወርስዋ እትኸዱ ዘለኹም ምድሪ ኽሳዕ ዘፍልሰኩም፥ እግዚኣብሄር ሕማም ፌራ ከልግበልኩም እዩ። 22እግዚኣብሄር ብዘማስን ሕማምን ብዓሶን ብረስንን ብቝስልን ብሃሩርን ብድርቅን ብሕሞድያን ክወቕዐኩም እዩ፤ ክሳዕ እትጠፍኡ ድማ ኸሳጕጉኹም እዮም። 23ኣብ ልዕሊ ርእስኹም ዘሎ ሰማይ ነሃስ፥ ኣብ ትሕቴኹም ዘላ ምድሪ ኸም ሓፂን ክትኮነኩም እያ። 24እግዚኣብሄር ንዝናም ምድሪኹም በነንታን ሓመድን ክገብሮ እዩ። ክሳዕ እትጠፍኡ ኸዓ፥ እዙይ ካብ ሰማይ ክወርደኩም እዩ።
25“እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ፀላእትኹም ተስዓርቲ ኽገብረኩም እዩ፤ ብሓደ መንገዲ ኽትከድዎም ኢኹም፤ ብሸውዓተ መንገዲ ኸዓ ኻብ ቅድሚኣቶም ክትሃድሙ ኢኹም፤ ኵሎም መንግስታት ምድሪ ድማ ብኣኻትኩም ከስካሕክሑ እዮም። 26ሬሳታትኩም ምግቢ ዅሎም ኣዕዋፍ ሰማይን ኣራዊት ምድርን ክኸውን እዩ፤ ዘባርሮም ከዓ ኣይህሉን እዩ። 27እግዚኣብሄር ፈውሲ ብዘይብሉ ብቝስሊ ግብፂ፥ ብሕበጥን ብመግለንጭዋን ብዓበቕን ብለሓሲቶን ገይሩ ኽወቕዐኩም እዩ። 28እግዚኣብሄር፥ ብዕብዳንን ብዕውራንን ብድንጋፀን ክወቕዐኩም እዩ። 29ዕዉር ብፀልማት ሃሰስ ከም ዝብል ድማ፥ ብቐትሪ ሃሰስ ክትብሉ ኢኹም፤ መንገድኹምውን ቅኑዕ ኣይኸውንን፤ ኣብ ዅሉ እትገብርዎ ኣይቐንዐኩምን እዩ። ኵልሻዕ ክትግፍዑን ክትዝመቱን ኢኹም፤ ዘድሕነኩም ከዓ የለን።
30“ሰበይቲ ኽትሕፀዩ ኢኹም፤ ግና ኻልእ ምስኣ ኽድቅስ እዩ፤ ቤት ክትሰርሑ ኢኹም፤ ግና ኣብኡ ኣይትነብሩን ኢኹም። ወይኒ እውን ክትተኽሉ ኢኹም፤ ግና ኻብኡ ፍረ ኣይትእክቡን ኢኹም። 31ብዕራይኩም ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ክሕረድ እዩ፤ ግና ኻብ ስጋኡ ኣይትበልዑን ኢኹም። ኣድግኹም ኣብ ቅድሜኹም ክዝረፍ እዩ፤ ኣይምለሰኩምንውን እዩ። ኣባጊዕኹም ንፀላእትኹም ክወሃባ እየን፤ ዝረድአኹም ድማ ኣይህሉን። 32ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን ንኻልእ ህዝቢ ኽወሃቡ እዮም። ንስኻትኩም ድማ ኽትርእይዎም ምሉእ መዓልቲ ዓይንኹም ብሃረርታ ቐባሕባሕ ክተብሉ ኢኹም፤ ግና ኣብ ኢድኩም ሓይሊ ኣይህሉን። 33ፍረ ምድሪኹምን ኵሉ ፃዕሪኹምን ድማ ዘይትፈልጥዎ ህዝቢ ኽበልዖ እዩ። ኵልሻዕ ከዓ ግፉዓትን ጭኑቓትን ክትኮኑ ኢኹም። 34ኣዒንትኹም ካብ ዝሪኡዎ ዝተልዓለ ዕቡዳት ክትኮኑ ኢኹም። 35እግዚኣብሄር ክትሓውዩሉ ብዘይትኽእሉ፥ ብሕሱም ሕበጥ ኣብ ብርክኹምን ኣብ ዳንጋኹምን ካብ ከብዲ እግርኹም ክሳዕ መንበስበስታ ርእስኹም፤ ክወቕዐኩም እዩ።
36“እግዚኣብሄር ንኣኻትኩምን ነቲ ኣብ ልዕሌኹም እተንግስዎ ንጉስኩምን፥ ቅድሚ ሕዚ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ናብ ዘይትፈልጥዎ ህዝቢ ኽሰደኩም እዩ። ኣብኡ ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ፥ ንዕንፀይትን ንእምንን፥ ክተምልኹ ኢኹም። 37ኣብ ማእኸል እቶም እግዚኣብሄር ናብኣቶም ዘእተወኩም ኵሎም ኣህዛብ ከዓ፥ መገረሚን መመሰሊን መፅረፊን ክትኮኑ ኢኹም።
38“ኣብ ግራትኩም ብዙሕ ዘርኢ ኽትዘርኡ ኢኹም፤ ግና ኣንበጣ ኽበልዖ እዩ እሞ፥ ውሑድ ክትእክቡ ኢኹም። 39ወይኒ ኽትተኽሉ፥ ክትኵስኵስዎውን ኢኹም፤ ግና ሓሰኻ ኽበልዖ እዩ እሞ፥ ወይኒ ኣይትሰትዩሉን፤ ሓደ እኳ ኣይትእክቡን ኢኹም። 40ኣብ ኵሉ ሃገርኩም ኣውሊዕ ክኾነልኩም እዩ፤ ግና፥ እቲ ኣውሊዕኹም ክረግፍ እዩ እሞ፥ ዘይቲ ኣይትልከዩን ኢኹም። 41ኣወዳትን ኣጓላትን ቈልዑ ኽትወልዱ ኢኹም፤ ግና ተማሪኾም ክኸዱ እዮም እሞ፥ ንኣኻትኩም ኣይኾኑን እዮም። 42ንዅሉ ኣእዋምኩምን ፍረ ምድሪኹምን፥ ኵብኵብታ ኽወርሶ እዩ።
43“ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ ስደተኛታት መመሊሶም ልዕሌኹም ክኾኑ እዮም፤ ንስኻትኩም ግና መመሊስኩም ትሕቲኦም ክትኮኑ ኢኹም፤ 44ንሳቶም ከለቅሑኹም እዮም፤ ንስኻትኩም ግና ኣይተለቅሕዎምን ኢኹም፤ ንሳቶም ርእሲ ክኾኑ እዮም፤ ንስኻትኩም ግና ጭራ ኽትኮኑ ኢኹም።
45“ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስለ ዘይተኣዘዝኩም፥ እቲ ዝኣዘዘኩም ትእዛዛቱን ሕግጋቱንውን ስለ ዘይሓለኹም፥ እዞም ኵሎም መርገማት ክወርዱኹም፥ ክሳዕ እትጠፍኡ ኽወርድኹም ከሳጕጉኹም ክረኽቡኹም እዮም። 46እዙይ ንኣኻትኩምን ንውሉድ ወለዶኹምን ንዘለኣለም ንምልክትን ንመደነቕን ክኸውን እዩ። 47ኵሉ ኣብዚሑ ስለ ዝሃበኩም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደስ ኢሉኩም ብሕጉስ ልቢ ስለ ዘየገልገልኩምዎ እዩ። 48ስለዙይ ነቶም እግዚኣብሄር ዝሰደደልኩም ፀላእትኹም ኣብ ጥሜትን ኣብ ፅምእን ኣብ ዕርቃንን ኣብ ኵሉ ስእነትን ክትግዝእዎም ኢኹም። ክሳዕ ዘጥፍኡኹም ከዓ ኣርዑት ሓፂን ኣብ ክሳድኩም ከንብሩልኩም እዮም።
49“ቋንቋኣቶም ዘይትሰምዕዎም ህዝቢ፥ ከም ንስሪ ዝነፍሩ ህዝቢ፥ እግዚኣብሄር ካብ ርሑቕ፥ ካብ ወሰን ምድሪ፥ ናባኻትኩም ከምፅእ እዩ። 50ገፆም ዘፍርሕ ህዝቢ፥ ገፅ ሽማግለ ሪኦም ዘይሓፍሩ፥ ነናእሽቲ ዘየናሕስዩ ኸምፅእ እዩ። 51ክሳዕ እትጠፍኡ ኸዓ፥ ውሉዳት መጓሰኹምን ከፍትኹምን ፍረ ምድሪኹምን ክበልዑ እዮም፤ ክሳዕ ዘጥፍኡኹም ስርናይ፥ ወይኒ፥ ዘይቲ፥ ምራኽ ላሕምኹም፥ ሌማታት ኣባጊዕኹም ኣይገድፉልኩምን እዮም። 52እቲ ንስኻትኩም እትኣምንዎ ነዊሕን ፅኑዕን ቅፅርኹም ኣብ ኵሉ ሃገርኩም ክሳዕ ዝፈርስ፥ ንዅለን ከተማታትኩም ክኸቡወን እዮም። ኣብ ኵላ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ፥ ንዅለን ከተማታትኩም ክኸቡወን እዮም።
53“ፀላእትኹም ከቢቦም ምስ ኣጨነቑልኩም፥ ስጋ እቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም ደቅኹም ዝኾኑ ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን ክትበልዑ ኢኹም። 54ኣባኻትኩም ርህሩህን በቝባቝን ዝበሃል ሰብኣይ እኳ ንሓዉን ነታ ዘፍቅራ ሰበይቱን ነቶም ብህይወት ዝተረፉ ደቁን ብኽፉእ ዓይኒ ይሪኦም። 55ካብቲ ዝበልዖ ዘሎ ስጋ ደቁ ኸዓ ንሓደ እኳ ኣይህብን እዩ። በቲ ፀላእትኹም ንዅለን ከተማታትኩም ከቢቦም ዘጨንቑኹም ጭንቂ ዝብላዕ ኻልእ ነገር ኣይተርፎን እዩ። 56ኣባኻትኩም እታ ቝፅይፅይ እትብልን ሕንቅቕትን፥ ብሕንቃቐኣን ቍፅይፅይ ብምባላን ብእግራ ምድሪ ኽትረግፅ ዘይትደሊ ሰበይቲ እኳ ነቲ እትፈትዎ ሰብኣያን ንወዳን ንጓላን ብኽፉእ ዓይኒ ትሪኦም። 57በቲ ፀላእትኹም ከቢቦም ኣብ ከተማታትኩም ዘጨንቁኹም ጭንቂ ዅሉ ነገር ስለ ዝሰኣነት፥ ነቲ ኻብ ማህፀና ዝወፀ መዳሕንትን ነቶም ዝወለደቶም ደቃን ተሓቢኣ ኽትበልዖም እያ።#2 ነገ. 6፡28-29፥ ሰቆ. 4፡10።
58“ነዝ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ዝተፅሓፈ ዅሉ ቓል እዝ ሕጊ እዙይ ክትፍፅምዎ እንተ ዘይተጠንቂቕኩም፥ ነዝ ምስጉንን መፍርሕን ዝኾነ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከዓ እንተ ዘይፈሪሕኹም፥ 59እግዚኣብሄር ዘስካሕክሕ መቕሰፍቲ ናባኻትኩምን ናብ ዘርእኹምን፥ ብርቱዕ እሞ ነዊሕ እዋን ዝፀንሕ መቕሰፍቲ፥ ሕሱም እሞ ነዊሕ እዋን ዝፀንሕ ሕማም ክሰደልኩም እዩ። 60ነቲ ዝፈራሕኹምዎ ዅሉ ሕማም ግብፂ ናብ ልዕሌኹም ክመልሶ እዩ እሞ፥ ክለግበኩም እዩ። 61ክሳዕ እትጠፍኡ፥ እግዚኣብሄር ኣብ መፅሓፍ እዝ ሕጊ እዙይ ዘይተፅሓፈ ዅሉ ሕማምን ኵሉ መቕሰፍትን ከምፅአልኩም እዩ። 62ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስለ ዘይተኣዘዝኩም ንስኻትኩም ኣቱም ቅድም ምብዛሕኹም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ዝነበርኩም፥ ብቝፅሪ ውሑዳት ክትተርፉ ኢኹም። 63እግዚኣብሄር ከምቲ ቐደም ከሀብትመኩምን ከብዝሐኩምን ብኣኻትኹም ደስ ዝበሎ፥ ከምኡ ኸዓ ብምጥፋእኹምን ፋሕ ብምባልኩምን ደስ ክብሎ እዩ። ካብታ ኽትወርስዋ እትኣትዉዋ ሃገር ክትንቀሉ ኢኹም።
64“እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ናብ ኵሎም ኣህዛብ ፋሕ ከብለኩም እዩ። ኣብኡ ድማ ብዕንፀይትን ብእምንን ንዝተሰርሑ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ንዘይትፈልጥዎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽትሰግዱ ኢኹም። 65ኣብ ማእኸል እቶም ኣህዛብ እቲኣቶም ከዓ ሰላም ኣይትረኽቡን ኢኹም፤ እግርኹም ዘዕርፈሉ ምድሪ እውን ኣይህልወኩምን እዩ፤ ኣብኡ ኸዓ እግዚኣብሄር ዝንቅጥቀጥ ልቢ ዝፈዘዘ ዓይኒ ድኹም ነፍሲ ኸምፅአልኩም እዩ። 66ህይወትወኩም ኣብ ቅድሜኹም ዝተንጠልጠለ ክኸውን እዩ፤ ለይትን መዓልትን ድማ ኽትፈርሑ ኢኹም፤ ብህይወትኩም ከዓ ኣይትተኣማመኑን ኢኹም። 67ንስኻትኩም ስለ እትፈርሕዎ ፍርሓት ልብን፥ ብዓይንኹም ስለ እትሪኡዎ ምርኣይን፥ ጊሓት መኣዝ ይመሲ፥ ምሸትውን መኣዝ ይወግሕ ኽትብሉ ኢኹም። 68በታ፥ ‘ደጊም መሊስኩም ኣይትሪእዋን ኢኹም’ ዝበልኩኹም መንገዲ፥ እግዚኣብሄር ብመራኽብ ገይሩ ናብ ግብፂ ኽመልሰኩም እዩ። ኣብኡ ድማ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት ክትኮኑ፥ ንባዕልኻትኩም ናብቶም ፀላእትኹም ክትሸጡ ትደልዩ፥ ዝዕድገኩም ግና ኣይርከብን።”
Currently Selected:
ዘዳግም 28: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in