ዘዳግም 26
26
ኣስራትን በዅራትን
1“ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣተኹም፥ ወሪስኩምዋ ድማ ኣብኣ ምስ ተቐመጥኩም፥ 2ካብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪኹም፥ እተእትውዎ ዅሉ መጀመርታ ፍረ ምድሪ ኣብ ከፈር ጌርኩም፥ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንመሕደሪ ስሙ ዝሓረያ ቦታ ኺዱ። #ዘፀ. 23፡19። 3ናብቲ በተን መዓልቲታት እቲኣተን ዘሎ ኻህን ኣቲኹም ከዓ ‘ናብታ እግዚኣብሄር ንኣና ኽህበና፥ ነቦታትና ዝመሓለሎም ምድሪ ኸም ዝኣተና ሎሚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነፍልጥ ኣለና’ በልዎ። 4እቲ ኻህን ድማ ነቲ ኸፈር ካብ ኢድኩም ወሲዱ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም የንብሮ። 5ንስኻትኩም ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፦ ‘ኣቦና ኸርተት ዝብል ሶርያዊ ነበረ፤ ንሱን ስድራኡን ናብ ግብፂ እንትወርዱ፥ ቍፅሮም ውሑድ ነበረ፤ ስደተኛታት ኮይኖምውን ኣብኣ ተቐመጡ፤ ኣብኣ ኸዓ ዓቢይን ሓያልን ብዙሕን ህዝቢ ኾኑ። 6ግብፃውያን ግና ኽፉእ ገበሩና፤ ኣጨነቑና፤ ከቢድ ስራሕ ድማ ኣብ ልዕሌና ፀዓኑና። 7ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና ኸዓ ተማህለልና፤ እግዚኣብሄር ድማ ቓልና ሰምዐ፤ እቲ ዝተገፋዕናዮን ድኻምናንውን ረአየ። 8እግዚኣብሄር ብሓያል ኢድን ብብርቱዕ ቅልፅምን ብዘደንቕ ዓብዪ ነገርን ብምልክትን ብተኣምራትን ካብ ግብፂ ኣውፅአና። 9ናብዛ ቦታ እዚኣ ኸዓ ኣእተወና፤ ነዛ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ድማ ሃበና። 10ሕዚ ኸዓ፥ ኦ እግዚኣብሄር፥ እንሆ፥ መጀመርታ ፍረ እታ ዝሃብካና ምድሪ ኣምፂእና ኣለና’ በሉ። ሽዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣንብርዎ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከዓ ስገዱ። 11በቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንኣኻትኩምን ንቤትኩምን ዝሃበኩም ኵሉ ፅቡቕ ነገር፥ ንስኻትኩምን እቲ ሌዋዊን ኣብ ማእኸልኩም ዝነብር ስደተኛን ከዓ ብሓደ ዄንኩም ተሓጐሱ።
12“በታ ዓመት ኣስራት ዝኾነት ሳልሰይቲ ዓመት፥ ኣስራት ኵሉ እቶትኩም ምስ ኣውፃእኹም፥ ኣብ ውሽጢ ኸተማታትኩም በሊዖም ክፀግቡስ፥ ንሌዋዊን ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን ሃብዎም። #ዘዳ. 14፡28-29። 13ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ‘ነቲ ዝተቐደሰ ኣስራት ካብ ገዛና ኣውፂእና፥ ከምቲ ዝኣዘዝካና ዅሉ ትእዛዛትካ፥ ንሌዋዊን ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን ሂብና ኣለና፤ ካብ ትእዛዛትካ ሓደ እኳ ኣየጕደልናን፤ ኣይረሳዕናንውን። 14ብጊዜ ሓዘንና ኻብኡ ኣይበላዕናን፤ ዘይንፁሃት እንተለና ኸዓ ኻብኡ ኣየውፃእናን፤ ምእንቲ ምዉትውን ካብኡ ኣይሃብናን፤ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሰሚዕና ኣለና፤ ብዅሉ ነገር ድማ ኸምቲ ዝኣዘዝካና ገበርና። 15ካብቲ ቅዱስ መሕደሪኻ፥ ካብ ሰማይ ጠምት እሞ ንህዝብኻ እስራኤልን ነታ ኸምቲ ነቦታትና ዝመሓልካሎም፥ ንኣናውን ዝሃብካና፥ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ፍርያም ምድሪ ባርኽ።’
ትእዛዛት እግዚኣብሄር ሓልዉ
16“በዛ መዓልቲ እዚኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነዝ ሕግጋትን ትእዛዛትን ክትፍፅምዎ ይእዝዘኩም ኣሎ እሞ፥ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ሓልውዎን ፈፅምዎን። 17እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኾነ፥ ንስኻትኩም ድማ ብመንገዱ ኸም እትኸዱ፥ ሕግጋቱን ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ከም እትሕልዉ ቓሉውን ከም እትሰምዑ ሎሚ ኣፍለጥኩም። 18እግዚኣብሄር ከዓ ሎሚ ንስኻትኩም ከምቲ ዝበለኩም፥ ህዝቡ ኸም ዝኾንኩም፥ ከምቲ ንሱ ዘተስፈወኩም ከዓ ብፍላይ ገንዘቡ ኸም ዝኾንኩም፥ ኵሉ ትእዛዛቱ ድማ ኸም እትሕልዉ ኣፍለጥኩም። #ዘፀ. 19፡5፥ ዘዳ. 4፡20፥ 7፡6፥ 14፡2፥ ቲቶ 2፡14፥ 1 ጴጥ. 2፡9። 19ንሱ ኸዓ ልዕሊ ዅሎም ዝፈጠሮም ህዝብታት ልዕል ከም ዘብለኩም፥ ንስኻትኩም ከዓ ንስሙ ኽብርን ምስጋናን ከም እተቕርቡ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝበለኩም ድማ ንእኡ ዝተቐደሰ ህዝቢ ኸም እትኾኑ ኣፍለጠኩም።”
Currently Selected:
ዘዳግም 26: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in