ዘዳግም 23
23
ካብ ህዝቢ እግዚኣብሄር ክፍለ ዝግባእ ሰብ
1“ፍረ ነፍሱ ዝተቐጥቀጠ ወይ ብልዕቱ ዝተሰልበ ናብ ጉባኤ ቤት እግዚኣብሄር ኣይእቶ።
2“ድቓላ ናብ ጉባኤ ቤት እግዚኣብሄር ኣይእቶ። ክሳዕ ዓስራይ ትውልዲውን ናብ ጉባኤ ቤት እግዚኣብሄር ኣይእቶ።
3“ኣሞናዊ ወይ ሞኣባዊ ናብ ጉባኤ ቤት እግዚኣብሄር ኣይእቶ። ክሳዕ ዓስራይ ትውልዲ ንዘለኣለምውን እንተ ኾነ ናብ ጉባኤ ቤት እግዚኣብሄር ኣይእቶ። 4እዙይ ከዓ ኻብ ግብፂ ምስ ወፃእኹም፥ ኣብ መንገዲ እንጀራን ማይን ሒዞም ስለ ዘይተቐበሉኹም፥ ንበለዓም ወዲ ቢዖር ድማ፥ ምእንቲ ኽረግመኩም፥ ካብ ጴቶር ናይ ኣራም ነሃራዪም ብዋጋ ስለ ዘምፅእዎ እዩ። #ዘሑ. 22፡1-6። 5#ነህ. 13፡1-2። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስለ ዘፍቀረኩም ግና፥ ንበለዓም ክሰምዖ ኣይደለየን፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነቲ መርገም ናብ ምርቓ ደኣ ለወጠልኩም እምበር። #ዘሑ. 23፡7—24፡9። 6ምሉእ ዕድሜኹም ንዘለኣለም ሰላሞምን ልምዓቶምን ኣይትድለዩ።
7“ኤዶማውያን ግና ኣሕዋትኩም እዮም እሞ ኣይትፀየፍዎም፥ ንግብፃውያንውን፥ ኣብ ሃገሮም ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ ኣይትፀየፍዎም። 8ካብ ሳልሳይ ትውልዲ ዝተወለዱ ደቆም ናብ ጉባኤ እግዚኣብሄር ይእተዉ።
ንፅህና ኣብ ሰፈር ተዋጋኢ ሰራዊት
9“ምስ ፀላእትኹም ክትዋግኡ ወፂእኹም ክትሰፍሩ እንተለኹም፥ ክፉእ ካብ ዝኾነ ነገር ኵሉ ሰብነትኩም ሓልዉ። 10ካባኻትኩም ሓደ ብለይቲ ዘርኢ እንተ ፈሰሶ፥ ካብ ሰፈር ወፂኡ ኣብ ደገ ይፅናሕ፤ ናብ ሰፈርውን ኣይእቶ። 11ኣጋ ምሸት ድማ ማይ ይተሓፀብ፤ ፀሓይ ምስ ዓረበ ኸዓ ናብ ውሽጢ ሰፈር ይእቶ።
12“ኣብ ወፃኢ ሰፈር፥ ቀልቀል እትወፁሉ ቦታ ይሃሉኹም። 13ምስ ኣፅዋርኩም መዅዓቲ ሓዙ፤ ቀልቀል ምስ ወፃእኹም በቲ መዅዓቲ ጕድጓድ ኵዒትኩም ነቲ ቐልቀልኩም ቅበርዎ። 14እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ምእንቲ ኸድሕነኩምን ንፀላእትኹም ኣብ ኢድኩም ክህበኩምን፥ ብማእኸል ሰፈርኩም ክሓልፍ እዩ እሞ፥ ዝኾነ ዘሕፍር ነገር ከይሪአልኩም፥ ገፁ ኸዓ ኻባኻትኩም ከይመልስ፥ እቲ ሰፈርኩም ቅዱስ ይኹን።
ዝተፈላለየ ሕግታት
15“ካብ ጐይታኡ ዀብሊሉ ናባኻትኩም ዝተዓቘበ ባርያ ናብ ጐይታኡ ኣሕሊፍኩም ኣይትሃብዎ። 16ኣብ ዝደለዮ ኸተማን ኣብ ዝመረፆ ቦታን ምሳኻትኩም ይቀመጥ፤ ኣይትጨቍንዎውን።
17“ካብ ኣጓላት እስራኤል ኣመንዝራ ኣይትሃሉ፤ ካብ ኣወዳት እስራኤልውን ኣብ ተባዕታይ ዘመንዝር ኣይሃሉ። #ዘሌ. 19፡29። 18ክልቲኦም ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፅዩፋት እዮም እሞ፥ መብፅዓኹም ዓስቢ ኣመንዝራ ሰበይትን ዋጋ ኸልብን ከም መብፅዓ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይተእትዉ።
19“ካብ እስራኤላዊ ሓውኩም፥ ሃረፃ ገንዘብ ኮነ ሃረፃ እኽሊ፥ ወይ ዝኾነ ዓይነት ካልእ ሃረፃ ኣይትቀበሉ። 20ካብ ጓና ደኣ ሃረፃ ተቐበሉ እምበር፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብታ ኽትወርስዋ እትኣትዉዋ ሃገር ኣብ ኵሉ ስራሕኹም ምእንቲ ኽባርኸኩምስ፥ ካብ ሓውኩም ሃረፃ ኣይትቀበሉ። #ዘፀ. 22፡25፥ ዘሌ. 25፡36-37፥ ዘዳ. 15፡7-11።
21“ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም መብፅዓ ምስ ተመባፃዕኹም፥ ኣምላኽኩም እግዚኣብሄር ይፅበዮ እዩ እሞ፥ ሓጢኣት ከይኾነኩም፥ መብፅዓኹም ቀልጢፍኩም ፈፅሙ። #ዘሑ. 30፡1-16፥ ማቴ. 5፡33። 22እንተ ዘይተመባፃዕኹም ግና ሓጢኣት የብልኩምን። 23እቲ ኻብ ከናፍርኹም ዝወፀ፥ ከምቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብፍታውኩም ዝተመባፃዕኹምዎ፥ ኣፍኩም ዝተዛረቦ፥ ሓልዉዎን ፈፅሙዎን።
24“ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ብፃይኩም እንተ ኣተኹም፥ ካብቲ ወይኒ ቓሕ፥ ከም ዝበለኩም፥ ክሳዕ እትፀግቡ ብልዑ፤ ብኣቕሓኹም ግና ኣይትውሰዱ። 25ናብ ዝሩእ ብፃይኩም ምስ ኣተኹም ሸዊት ብኢድኩም ቀፂኹም ብልዑ፤ ዓፂድኩም ግና ኣይትውሰዱ።”
Currently Selected:
ዘዳግም 23: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in