YouVersion Logo
Search Icon

ዳንኤል 1

1
ታሪኽ ዳንኤልን ብፆቱን
(1፡1—6፡28)
ዳንኤልን ብፆቱን ኣብ ቤተ መንግስቲ ናቡከደነፆር
1 # 2 ነገ. 24፡1፥ 2 ዜና. 36፡5-7። ንጉስ ይሁዳ ኢዮኣቄም ምስ ነገሰ፥ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመቱ፥ ንጉስ ባቢሎን ናቡከደነፆር መፂኡ ንኢየሩሳሌም ከበባ። 2እግዚኣብሄር ድማ ንኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ፥ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ኣቑሑ ኸፊሉ፥ ንናቡከደነፆር ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሃቦ። ንሱ ኸዓ ነቶም ዝማረኾም፥ ናብ ሰናዖር ናብ ቤት ኣማልኽቱ ወሰዶም፤ ነቲ ኣቑሑውን፥ ኣብ ቤት መዛግብቲ ኣማልኽቱ ኣእተዎ።
3እቲ ንጉስ ከዓ ንኣስፋኔዝ ሓለቓ ስሉባት፥ ካብ ደቂ እስራኤል፥ ካብ ዓሌት ንጉስን፥ ካብ ወለዶ መሳፍንትን መናእሰይ ዝኾኑ ሓርዩ ኸምፅአሉ ኣዘዞ። 4ንሳቶምውን ኣብ ቤተ መንግስቲ ምግልጋል ዝኽእሉ፥ ብቕዓት ዘለዎም መንእሰያት ኣወዳት እዮም። ኣብ ሰብነቶም ጐደሎ ዘይብሎም፥ ምልኩዓት፥ ብዅሉ ጥበብ መስተውዓልቲ፥ ዝኾነ ትምህርቲ ንኽመሃሩ ኽእለት ዘለዎም፥ በሊሕ ኣእምሮ ዘለዎም ክኾኑ ኸም ዘለዎም፥ ናይ ባቢሎን መፃሕፍትን ቋንቋን ከዓ ኽምህርዎም ከም ዘለዎም ኣዘዘ። #2 ነገ. 20፡17-18፥ 24፡10-16፥ 2 ዜና. 36፡10፥ ኢሳ. 39፡7-8። 5እቲ ንጉስ ድማ፥ ካብቲ ዝበልዖ ምግብን፥ ካብቲ ንሱ ዝሰትዮ ወይንን፥ መዓልቲ መዓልቲ ድርጎ ሰርዐሎም። ሰለስተ ዓመት ምስ ሰልጠኑ ኸዓ፥ ብድሕሪዙይ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ክቖሙ ኣዘዘ።
6ካብ ማእኸል እዚኣቶም ድማ ኻብ ደቂ ይሁዳ፥ ዳንኤልን ኣናንያን ሚሳኤልን ኣዛርያን ነበሩ። 7እቲ ሓለቓ ስሉባት ከዓ ንዳንኤል ብልጣሶር፥ ንኣናንያ ሲድራቅ፥ ንሚሳኤል ሚሳቅ፥ ንኣዛርያ ድማ ኣብደናጎ፥ ኢሉ ስም ኣውፅአሎም።
8ዳንኤል ግና፥ በቲ ምግቢ ንጉስን፥ በቲ ዝሰትዮ ወይንን ከይረክስ፥ ብልቡ ሓሰበ፤ ከይረክስ ድማ ነቲ ሓለቓ ስሉባት ለመኖ። 9እግዚኣብሄር ከዓ ንዳንኤል፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ስሉባት ሞገስን ምሕረትን ሃቦ። 10ግና እቲ ሓለቓ ስሉባት ንዳንኤል “መብልዕኹምን መስተኹምን ንዝኣዘዘልኩም ንጐይታይ ንጉስ እፈርሕ ኣለኹ፤ ንስኻትኩም ካብቶም ብዕድመ መሓዙትኩም ዝኾኑ መናእሰይ፥ ገፅኩም ዓቢሩ እንተ ተረኽበ፥ ንርእሰይ ብንጉስ ከይተቕፅዕዋ እፈርሕ ኣለኹ” በሎ።
11ሽዑ ዳንኤል ነቲ ሓለቓ ስሉባት፥ ኣብ ልዕሊ ዳንኤልን ኣናንያን ሚሳኤልን ኣዛርያስን፥ መጋቢ ገይሩ ዝሸሞ ሜልዳር፥ 12“እንበልዖ ጥረምረን እንሰትዮ ማይን ይወሃበና፤ ንዓሰርተ መዓልቲ እውን ንባሮትካ ክትፍትነና እልምነካ ኣለኹ። 13ደሓር ገፅናን ገፅ እቶም ምግቢ ንጉስ ዝበልዑን ረአየና፤ ሽዑ ኣብ ልዕሊ ባሮትካ ዝደለኻዮ ግበር” በሎ።
14ንሱውን ነዝ ሓሳብ እዙይ ተቐቢሉ፥ ዓሰርተ መዓልቲ ተዓዘቦም። 15ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ፥ ካብ ኵሎም እቶም ምግቢ ንጉስ ዝበልዑ መናእሰይ፥ ገፆም በሪሁን ሰብነቶም ፀቢቑን ተርኣየ። 16ሜልዳርውን ነቲ ዝበልዕዎ ምግብን ዝሰትይዎ ወይንን ኣትሪፉ፥ ጥረምረ ሃቦም።
17እግዚኣብሄር ከዓ ነዞም ኣርባዕተ መናእሰይ እዚኣቶም፥ ኵሉ ፍልጠትን ምስትውዓል መፃሕፍትን ጥበብን ሃቦም። ዳንኤል ድማ ብዅሉ ራእያትን ሕልምታትን መስተውዓሊ ነበረ።
18እታ ንጉስ ናብኡ ኽኣትዉላ ኢሉ ዝወሰና መዓልቲ ምስ በፅሐት፥ እቲ ሓለቓ ስሉባት ነቶም መናእሰይ ናብ ቅድሚ ናቡከደነፆር ኣእተዎም። 19እቲ ንጉስ ምስ ኣዘራረቦም ድማ ኻብ ኵሎም ከም ዳንኤልን ኣናንያን ሚሳኤልን ኣዛርያስን ዝበለ ኣይተረኽበን። ስለዙይ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቆሙ። 20እቲ ንጉስ ብዝጠየቖም፥ ብዝኾነ ናይ ጥበብን ምስትውዓልን ጉዳይ፥ ካብቶም ኣብ ኵሉ ግዝኣቱ ዝነበሩ ተርጐምቲ ሕልምን ኣስማተኛታትን፥ ዓሰርተ ኢድ በሊፆም ረኸቦም። 21ዳንኤል ድማ ኽሳዕ እታ ቐዳመይቲ ዓመት ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣብኡ ፀንሐ።

Currently Selected:

ዳንኤል 1: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in