ዳንኤል 2
2
ሕልሚ ናቡከደነፆር
1ናቡከደነፆር ምስ ነገሰ፥ ኣብ ካልአይቲ ዓመቱ ሕልሚ ሓለመ፤ መንፈሱ ድማ ተሃወኸ፤ ድቃስውን ሰኣነ። 2ሽዑ እቲ ንጉስ፥ ንተርጐምቲ ሕልሚ፥ ንጠንቈልቲ፥ ንምትሃተኛታት፥ ንኣስማተኛታት፥ ንከለዳውያንን ክፅውዑሉ ኣዘዘ። ንሳቶም ከዓ መፂኦም ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ቆሙ። 3ንሱ ድማ “ሕልሚ ሓሊመስ ሕልሙ እንታይ ከም ዝኾነ ንኽፈልጥ መንፈሰይ ተሃዊኹ ኣሎ” በሎም።
4ሽዑ እቶም ከለዳውያን ንንጉስ ብቛንቋ ኣራማይስጢ “ኦ ንጉስ፥ ንዘለኣለም ህያው ኩን፤ ንኣና ንባሮትካ ሕልምኻ ንገረና፤ ንሕናውን ትርጉሙ ኽንነግረካ ኢና” በልዎ።
5እቲ ንጉስ ከዓ “ነገሩ ኻባይ ርሒቑ እዩ፤ እቲ ሕልሚ ረሲዐዮ እየ፤ ነቲ ሕልምን ትርጕሙን እንተ ዘይነጊርኩምኒ፥ ክትስየፉ ኢኹም፤ ኣባይትኹም ድማ መደርበዪ ጓሓፍ ክኾና እየን” ኢሉ መለሰሎም።
6“ነቲ ሕልምን ትርጕሙን እንተ ነጊርኩምኒ ግና፥ ውህብቶን ሽልማትን ዓብዪ ኽብርን ካባይ ክትቕበሉ ኢኹም። እምበኣርከስ ነቲ ሕልሚ ንገሩኒ፤ ትርጕሙውን ኣፍልጡኒ” በሎም።
7ንሳቶም ድማ መሊሶም “ንጉስ፥ ንኣና ንባሮቱ ሕልሙ ይንገረና፤ ንሕናውን ትርጕሙ ኽንነግረካ ኢና” በልዎ።
8እቲ ንጉስ ከዓ “እቲ ነገር ካባይ ከም ዝረሓቐ ስለ ዝፈለጥኩም፥ ጊዜ ንምንዋሕ ትፍትኑ ኸም ዘለኹም፥ ብርግፅ ፈሊጠ ኣለኹ። 9ነቲ ሕልሚ እንተ ዘይነጊርኩምኒ ግና፥ ፍርድኹም ሓንቲ እያ። ንስኻትኩም ጊዜ ኽተሕልፉ፥ ኣብ ቅድመይ ቃላት ሓሰትን ምትላልን ክትዛረቡ ተሰማሚዕኹም ኣለኹም። እምበኣርከስ ነቲ ሕልሚ ንገሩኒ፤ ኣነ ኸዓ ትርጕሙ ኸም እትነግሩኒ ኽፈልጥ እየ” ኢሉ መለሰሎም።
10እቶም ከለውዳውያን ድማ ነቲ ንጉስ ከምዙይ ኢሎም መለሱሉ፦ “ነቲ ንጉስ ዝጠየቖ ጥያቐ፥ ክምልስ ዝኽእል ሰብ፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣይርከብን። ንጉስ፥ ዓቢይን ብርቱዕን እንተ ኾነ እኳ ንዝኾነ ጠንቋላይ፥ ኣስማተኛ ወይ ኮኸብ ቈፃሪ ጠይቑ ኣይፈልጥን። 11እቲ ንጉስ ዝጥይቖ ዘሎ ነገር የመና ዘሸግር እዩ። ኣብ ማእኸል ሰብ፥ ካብ ዘይነብሩ ኣማልኽቲ እንተ ዘይኮይኑ ንንጉስ ክገልፀሉ ዝኽእል የለን” በልዎ።
12እዙይውን ነቲ ንጉስ የመና ኣቘጥዖ፤ የመናውን ተናደደ፤ ኵሎም ኣብ ባቢሎን ዘለዉ ጠቢባን ድማ ኽቕተሉ ኣዘዘ። 13ንጠቢባንውን ክቐትሉ ጀመሩ፤ ንዳንኤልን ነቶም ብፆቱን ከዓ ኽቐትሉዎም ይደልዩዎም ነበሩ።
እግዚኣብሄር ንዳንኤል ትርጉም እቲ ሕልሚ ኸም ዝገለፀሉ
14ሽዑ ዳንኤል፥ ነቲ ንጠንቈልቲ ባቢሎን ክቐትሎም ዝተኣዘዘ፥ ሓለቓ ዘብዐኛታት ንጉስ፥ ንኣርዮክ ብጥበብን በኣእምሮን ተዛረቦ። 15ዳንኤል ንኣርዮክ፥ ነቲ ናይ ንጉስ ሓለቓ ሰራዊት “እዝ ብርቱዕ ትእዛዝ እዙይ፥ ካብ ንጉስ ስለ ምንታይ ወፀ?” ኢሉ ጠየቖ። ኣርዮክ ድማ ንዳንኤል እቲ ዝኾነ ኣፍለጦ።
16ሽዑ ዳንኤል ናብ ንጉስ ኣትዩ፥ ነቲ ሕልሙ ንኽትርጕመሉ ጊዜ ኽህቦ፥ ንንጉስ ለመኖ።
17ድሕሪዙይ ዳንኤል ናብ ገዛኡ ኸደ እሞ፥ ንመሓዙቱ ንኣናንያን ንሚሳኤልን ንኣዛርያስን፥ ነቲ ነገር ገለፀሎም። 18ዳንኤልን ብፆቱን ምስቶም ዝተረፉ ጠቢባን ባቢሎን ከይቕተሉ፥ ብዛዕባ እዙይ ኣምላኽ ሰማይ፥ ምሕረት ንኽገብረሎምን ምስጢሩውን ንኽገልፀሎምን ንኽፅልዩ ኣፍለጦም። 19በታ ለይቲ እቲኣ ኸዓ፥ እቲ ምስጢር ንዳንኤል ብራእይ ለይቲ ተገለፀሉ። ዳንኤል ከዓ ንኣምላኽ ሰማይ ኣመስገኖ።
20ከምዙይውን በለ፦ “ጥበብን ሓይልን ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ስም እግዚኣብሄር ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይባረኽ። 21ንሱ ንዘመናትን ወርሓትን ይለዋውጥ፤ ንነገስታት ይስዕር፤ ንነገስታት ከዓ ይሸይም። ነቶም ጠቢባን ጥበብ፥ ነቶም መስተውዓልቲ ኸዓ ፍልጠት ይህቦም። 22ንዝዓመቘን ንዝተሰወረን ምስጢር ይገልፅ፤ ነቲ ኣብ ፀልማት ዘሎ ይፈልጦ፤ ብርሃንውን ምስኡ ይነብር። 23ኦ ኣምላኽ ኣቦታተይ፥ ነቲ ሕልሚ ንጉስ ኣፍሊጥካና ኢኻ እሞ፥ ጥበብን ሓይልን ስለ ዝሃብካኒ፥ ሕዚ እውን እቲ ዝለመንናካ ስለ ዝገለፅካለይ፥ አመስግነካን እውድሰካን ኣለኹ።”
ዳንኤል ንንጉስ ሕልሙን ትርጕሙን ከም ዝነገሮ
24ስለዙይ ዳንኤል፥ ናብቲ እቲ ንጉስ፥ ነቶም ጠቢባን ባቢሎን ከጥፍኦም ዝኣዘዞ ኣርዮክ ከደ፤ ኣትዩ ኸዓ “ነቶም ጠቢባን ባቢሎን ኣይተጥፍኣዮም፤ ናብ ንጉስ ድማ ውሰደኒ፤ ኣነውን ትርጉም እቲ ሕልሚ ንንጉስ ክነግሮ እየ” ኢሉ ነገሮ።
25ሽዑ ኣርዮክ ንዳንኤል ቀልጢፉ ናብ ንጉስ ኣእተዎ እሞ “ኦ ንጉስ እንሆ፥ ካብቶም ምሩኻት ይሁዳ፥ ንኣኻ ንንጉስ ትርጉም ሕልምኻ ኽገልፅ ዝኽእል ሰብ ረኺበ ኣለኹ” በሎ።
26እቲ ንጉስ ከዓ ነቲ ብልጣሶር ዝተብሃለ ዳንኤል “ነቲ ዝረአኽዎ ሕልምን ትርጕሙን፥ ክትነግረኒዶ ትኽእል ኢኻ?” በሎ።
27ዳንኤል ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ኦ ንጉስ፥ ነዝ እትጥይቖ ዘለኻ ምስጢር፥ ክነግረካ ዝኽእል ጠንቋሊ ወይ ኣስማተኛ ወይ መውደቕ ዛዕጐል ወይ ቈፃሪ ኮኸብ የለን። 28ግና ምስጢር ዝገልፅ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ኣሎ። ንሱ ነቲ ብዳሕረዋይ ዘመን ክኸውን ዘለዎ፥ ንንጉስ ናቡከደነፆር ገለፀልካ። እቲ ኣብ ዓራትካ ደቂስካ እንተለኻ ዝረአኻዮ ሕልምን ናይ ባዕልኻ ራእይን ከዓ እዙይ እዩ፦
29“ኦ ንጉስ፥ ብዛዕባ ድሕሪዙይ ዝኸውን፥ ኣብ ምድቃስካ እንተለኻ ትሓስብ ነበርካ። እቲ ምስጢራት ዝገልፅ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ነቲ ዝኸውን ነገር ኣፍለጠካ። 30እዝ ምስጢር እዙይ ንኣይ ዝተገልፀለይ፥ ካብ ኵሉ ሰብ ዝበለፀ ጥበብ ስለ ዘለኒ ኣይኮነን፤ ንስኻ ትርጕሙ ምእንቲ ኽትፈልጥ እሞ፥ እቲ ብልብኻ እተሰላስሎ ዝነበረ ነገር፥ እንታይ ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽትርዳእ እዩ።
31“ኦ ንጉስ፥ እንሆ፥ ንስኻ ዓብዪ ምስሊ ረአኻ፤ እዝ ገዚፍን ዘንፀባርቕን ዓብዪ ምስሊ ድማ፥ ኣብ ቅድሜኻ ቖይሙ ረአኻ፤ ትርኢቱውን ዘገርምን ዘፍርሕን ነበረ። 32እዝ ምስሊ እዙይ፥ ርእሱ ፅሩይ ወርቂ፥ ደረቱን ቀላፅሙን ብሩር፥ ከብዱን ሕቘኡን ከዓ ነሃስ ነበረ። 33መሓውሩ ሓፂን፥ ኣእጋሩ ኸዓ ገሊኡ ሓፂን፥ ገሊኡ ብመሬት ዝተሰርሐ ነበረ። 34ክትጥምት እንተለኻ፥ እንሆ፥ ኢድ እንተይነኽኦ እምኒ ተፈንቂሉ ወረደ፤ ነቲ ሓፂንን መሬትን ዝኾነ ኣእጋር ድማ፥ እቲ ምስሊ ወቒዑ ሓምሸሾ። 35ሽዑ እቲ ሓፂንን መሬትን ነሃስን ብሩርን ወርቅን ብሓደ ተሓምሸሸ፤ ከም ብቝቡቝ ዓውዲ ቐውዒ ድማ ኾነ፤ ኣሰሩ ኽሳዕ ዝጠፍእውን ንፋስ ወሰዶ። ነቲ ምስሊ ዝወቕዖ እምኒ ግና ዓብዪ እምባ ኾነ፤ ንዅላ ምድሪ እውን መልኣ።
36“እቲ ሕልሚ እዙይ እዩ፤ ትርጕሙ ኸዓ እንሆ፥ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ክንናገር ኢና። 37ኦ ንጉስ፥ እቲ ኣምላኽ ሰማይ፥ መንግስትን ስልጣንን ሓይልን ክብርን ዝሃበካ፥ ንጉስ ነገስታት ንስኻ ኢኻ። 38ደቂ ሰብን እንስሳ ዘገዳምን ኣዕዋፍ ሰማይን ዝነብሩሉ ዅሉ፥ ኣብ ኢድካ ሃበካ፤ ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ድማ ገዛኢ ገበረካ። እምበኣር እቲ ርእሲ ወርቂ ንስኻ ኢኻ። 39ብድሕሬኻ ድማ ኻባኻ ዝንእስ፥ ካልእ መንግስቲ ኽትስእ እዩ። ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዝገዝእ፥ ካልእ ሳልሳይ መንግስቲ ነሃስውን ክትስእ እዩ። 40እቲ ራብዓይ መንግስቲ፥ ኵሉ ነገር ከም ዝቕጥቅጥን ከም ዝሰባብርን ሓፂን፥ ብርቱዕ ዝኾነ መንግስቲ ኽለዓል እዩ። ሓፂን ንዅሉ ሰባቢሩ ኸም ዘድቅቕ፥ ቅድሚኡ ንዝነበሩ ዅሎም ሰባቢሩ ኸድቅቖም እዩ። 41ከምቲ ኣእጋሩን ኣፃብዕቱን፥ ፍርቁ ሓፂን ፍርቁ ሻኽላ ኾይኑ ዝረአኻዮ፥ ከምኡ ዝተኸፋፈለ መንግስቲ ክኸውን እዩ፤ ግና ኸምቲ ሓፂንን ሻኽላን ተሓዋዊሱ ዝረአኻዮ፥ ክፋሉ ሓይሊ ሓፂን ክህልዎ እዩ። 42ከምቲ ኣፃብዕቲ ኣእጋሩ ኽፋሉ ሓፂን፥ ክፋሉ ኸዓ ሻኽላ ዝነበረ፤ ከምኡውን እቲ መንግስቲ ኽፋሉ ወገን ብርቱዕ፥ ክፋሉ ድማ ድኹም ክኸውን እዩ። 43ከምቲ ሓፂንን ሻኽላን ተሓዋዊሱ ዝረአኻዮ፥ እቲ ህዝቢ ሕውስዋስ ክኸውን እዩ። ከምቲ ሓፂን ምስ ሻኽላ ዘይላገብ፥ ከምኡ ንስንሳቶም ኣይላገቡን እዮም። 44ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም፥ ኣምላኽ ሰማይ ፈፂሙ ዘይፈርስን ንኻልእ ህዝቢ ዘይወሃብን፥ መንግስቲ ኸተስእ እዩ። ንዅሎም እዞም መንግስታት እዚኣቶም ክጭፍልቖም እዩ፤ ክሳዕ መወዳእታውን ከጥፍኦም እዩ፤ እዝ መንግስቲ እዙይ ግና ንዘለኣለም ክቐውም እዩ። 45ኢድ ሰብ እንተይነኽኦ፥ ካብ እምባ ተፈንቂሉ ዝወረደ እምኒ፥ ንሓፂንን ንነሃስን ንሻኽላን ንብሩርን ንወርቅን ከድቅቖ እንተሎ ዝረአኻዮ፥ እቲ ዓብዪ ኣምላኽ ነቲ ድሕሪዙይ ክኸውን ዘለዎ ንኣኻ ንንጉስ ኣርእዩካ ኣሎ። እቲ ሕልሚ ትክኽል፥ ትርጕሙ ኸዓ እሙን እዩ።”
ንጉስ ንዳንኤል ከም ዝሸሞ
46ሽዑ ንጉስ ናቡከደነፆር፥ ብግምባሩ ተደፊኡ ንዳንኤል ሰገደሉ፤ መስዋእቲ ብልዕን ዕጣንን ከቕርቡሉ ድማ ኣዘዘ። 47እቲ ንጉስ ንዳንኤል “ንስኻ ነዛ ምስጢር እዚኣ ኽትገልፃ ኻብ ከኣልካስ፥ እቲ ኣምላኽኩም ብሓቂ ኣምላኽ ኣማልኽትን፥ ጐይታ ነገስታትን፥ ገላፂ ምስጢራትን እዩ” በሎ። 48ሽዑ እቲ ንጉስ ንዳንኤል፥ ኣብ ዝለዓለ ስልጣን ኣቐመጦ፤ ብዙሕ ዓበይቲ ውህብቶታትውን ሃቦ። ኣብ ልዕሊ ዅላ ኣውራጃ ባቢሎን ድማ ገዛኢ ገበሮ፤ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ጠቢባን ባቢሎንውን ሓለቓ ገበሮ። 49ዳንኤል ስለ ዝለመኖ ኸዓ፥ እቲ ንጉስ ንሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ኣብ ልዕሊ ኣውራጃ ባቢሎን ሸሞም፤ ዳንኤል ግና ኣብ በሪ ቤት ንጉስ ነበረ።
Currently Selected:
ዳንኤል 2: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in