YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ሳሙኤል 9

9
ዳዊትን ሜምፊቦስቴን
1ዳዊት ድማ “ምእንቲ ዮናታን ኢለ ሰናይ ዝገብረሉ፥ ካብ ቤት ሳኦል ሓደ ዝተረፈ ሰብ ደኾን ይህሉ?” በለ። #1 ሳሙ. 20፡15-17።
2ኣገልጋሊ ቤት ሳኦል ሲባ ዝስሙ ሓደ ሰብኣይ ነበረ፤ ናብ ዳዊትውን ፀውዕዎ። ንጉስ ድማ “ሲባ እትበሃል ንስኻ ዲኻ?” በሎ።
ንሱ ኸዓ “እወ ጐይታይ፥ ኣነ እየ” በለ።
3ንጉስ ድማ “ምእንቲ እግዚኣብሄር ብርህራሀ ኽከናኸኖስ፥ ካብ ቤት ሳኦል ሓደ ዝተረፈ ሰብዶ የለን?” በሎ።
ሲባ ኸዓ ንንጉስ “ኣእጋሩ ዝተጐድአ እባ ሓደ ወዲ ዮናታን ኣሎ” በሎ። #2 ሳሙ. 4፡4።
4ንጉስ ድማ “ኣበይ ኣሎ?” በሎ።
ሲባ ኸዓ ንንጉስ “እንሆ ንሱ ኣብ ቤት ማኪር ወዲ ዓሚኤል ኣብ ሎዶባር ኣሎ” በሎ።
5ሽዑ ንጉስ ዳዊት ናብ ሎዶባር ልኢኹ ኻብ ቤት ማኪር ወዲ ዓሚኤል ኣምፅኦ።
6ሜምፊቦስቴ ወዲ ዮናታን፥ ወዲ ሳኦል፥ ናብ ዳዊት መፂኡ፥ ብግንባሩ ተደፊኡ ኢድ ነስአ።
ዳዊት ድማ “ሜምፊቦስቴ” በሎ።
ንሱ ኸዓ “እኒሀኹ ጐይታይ” በለ።
7ዳዊት ድማ “ምእንቲ ኣቦኻ ዮናታን ኢለ ሰናይ ክገብረልካ እየ እሞ ኣይትፍራሕ፤ ገራሁ ኣቦኻ ሳኦልውን ክመልሰልካ እየ፤ ንስኻ ኸዓ ንሓዋሩ ኣብ ማእደይ ክትበልዕ ኢኻ” በሎ።
8ንሱ ድማ ፍግም ኢሉ “ናብ ከማይ ዝበለ ምዉት ከልቢ ገፅካ ኽትመልስስ፥ ኣነ ሓሽከርካ መን እየ?” በለ።
9ሽዑ ንጉስ ዳዊት ንሲባ ኣገልጋሊ ሳኦል ፀዊዑ “ናይ ሳኦልን ናይ ኵላ ቤቱን ዝኾነ ዅሉ ንወዲ ጐይታኻ ሂበዮ ኣለኹ። 10ንስኻን ደቅኻን ኣገልገልትኻን ድማ፥ ቤት ወዲ ጐይታኻ ምእንቲ ዝብላዕ ክረክብስ፥ እቲ መሬት ሓሪስኩም ንእኡ ኣእትዉሉ። ሜምፊቦስቴ ወዲ ጐይታኻ ግና ዅልሻዕ ኣብ ማእደይ ክበልዕ እዩ” በሎ። ሲባ ዓሰርተ ሓሙሽተ ኣወዳትን ዕስራ ኣገልገልትን ነበርዎ።
11ሲባ ድማ ንንጉስ “ጐይታይ! ከምቲ ንስኻ፥ ንኣይ ንሓሽከርካ ዝኣዘዝካኒ ዅሉ ኽገብር እየ” በሎ። ሜምፊቦስቴ ግና ከም ሓደ ኻብ ደቂ ንጉስ ኣብ ማእዲ ንጉስ ይበልዕ ነበረ።
12ሜምፊቦስቴ፥ ሚካ ዝስሙ ንእሽተይ ወዲ ነበሮ። ኣብ ቤት ሲባ ዝነብሩ ዅሎም ድማ ኣገልገልቲ ሜምፊቦስቴ ኾኑ። 13ሜምፊቦስቴ ከዓ ዅልሻዕ ኣብ ማእዲ ንጉስ እናበልዐ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ይቕመጥ ነበረ፤ ንሱ ኽልቲአን ኣእጋሩ ልሙሳት ነበራ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in