2ይ ሳሙኤል 8
8
ዳዊት ተዋጊኡ ኸም ዝሰዓረ
(1 ዜና. 18፡1-17)
1ድሕሪዙይ ዳዊት ንፍልስጥኤማውያን ወቕዖም፤ ኣዋረዶምውን፤ ካብ ፍልስጥኤማውያን ድማ ሜቴግ ኣማ ንዝተብሃለት ከተማ ኻብ ኢዶም ኣሕዲጉ ሓዛ።
2ንሞኣብውን ወቕዓ፤ ነቶም ሞዓባውያን ድማ ኣብ ምድሪ ለጥ ኣቢሉ በብኽልተ ገመድ ለኪዑ ቐተሎም፤ በብሓደ ገመድ ለኪዑ ኸዓ ብህይወት ሓደጎም። ሞኣባውያን ከዓ ንዳዊት ግዙኣቱ ኾኑ፤ ግብሪውን ኣምፅኡሉ።
3ዳዊት ነቲ ኣብ ሩባ ኤፍራጥስ ዝነበረ ግዝኣቱ ኸምልስ ኢሉ ክኸይድ እንተሎ፥ ንሃዳድዔዘር ወዲ ረኣብ ንጉስ ሱባ ሰዓሮ። 4ዳዊት ድማ ኻብኡ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ፈረሰኛን፥ ዕስራ ሽሕ ከዓ ኣጋራትን ማረኸ። ዳዊት ሚእቲ ፈረስ ሰረገላ ኣትሪፉ፥ ንዅሎም ኣፍራስ ሰረገላ ቛንጃኦም ቈረፀ።
5እቶም ናይ ደማስቆ ሶርያውያን ከዓ ንኣድርኣዛር ንጉስ ሶባ ኽሕግዙ ኢሎም ምስ መፁ፥ ዳዊት ካብቶም ሶርያውያን ዕስራን ክልተን ሽሕ ሰብኡት ቀተለ። 6ዳዊትውን ኣብ ምድሪ ሶርያ ደማስቆ ድማ ሓለውቲ ኣቐመጠ። ሶርያውያን ከዓ ንዳዊት ግዙኣቱ ኾይኖም ግብሪ ኣምፅኡሉ። እግዚኣብሄር ድማ ንዳዊት ኣብ ዅሉ ዝኸዶ ዓወት ሃቦ።
7ዳዊት ናይቶም ሹመኛታት ኣድርኣዛር ዝነበረ ናይ ወርቂ ዋልታኦም ወሰደ፤ ናብ ኢየሩሳሌምውን ሒዙዎም መፀ። 8ከምኡውን ካብ ቤጣሕን ካብ ቤሮታይን፥ ከተማታት ኣድርኣዛር፥ የመና ብዙሕ ነሃስ ወሰደ።
9ቶዑ ንጉስ ሓማት ድማ፥ ዳዊት ንዅሉ ሰራዊት ኣድርኣዛር ከም ዝሰዓሮ ምስ ሰምዐ፥ 10ኣድርኣዛር ምስ ቶዑ ተዋጊኡ ነበረ እሞ፥ ንዳዊት ብዛዕባ ጥዕናኡ ኽጥይቖን፥ ክምርቖን ንሃዳድዔዘር ድማ ተዋጊኡ ስለ ዝሰዓሮ “እንኳዕ ኣሐጐሰካ” ኽብሎን፥ ኣቑሑ ብሩርን ኣቑሑ ወርቅን ኣቑሑ ነሃስን ኣትሒዙ ንኢዮራም ወዱ ለኣኾ።
11-12ነዙይውን ንጉስ ዳዊት፥ ከምቲ ኻብቶም ዝሰዓሮም ኵሎም ኣህዛብ፦ ካብ ሶርያውያንን ሞኣባውያንን፥ ካብ ደቂ ኣሞንን ፍልስጥኤማውያንን ኣማሌቃውያንን፥ ካብ ወዲ ረኣብ ንጉስ ሱባን፥ ካብ ምርኮ ኣድርኣዛርን፥ ዝወሰዶ ብሩርን ወርቅን ንእግዚኣብሄር ቀደሶ።
13ዳዊት ንኤዶማውያን ስዒሩ ምስ ተመለሰ፤ ኣብ ለሰ ጨው ዓሰርተ ሸሞንተ ሽሕ ሰባት ምስ ቀተለ፥ ስሙ ገነነ። #መዝ. 60፡1።
14ኣብ ኵላ ኤዶምያስ ከዓ ሓለውቲ ኣቐመጠ፤ ኵሎም ኤዶማውያን ድማ ግዙኣት ዳዊት ኮኑ። እግዚኣብሄር ከዓ ንዳዊት ኣብ ኵሉ ዝኸዶ ዓወት ሃቦ።
መመሓደርቲ መንግስቲ ዳዊት
15ዳዊት ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ነገሰ። ዳዊት ንዅሉ ህዝቡ ብፍትሕን ብፅድቅን የመሓድር ነበረ። 16ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ኢዮሳፍጥ ወዲ ኣሒሉድ ከዓ ፀሓፊ ታሪኽ ነበረ፤ 17ሳዶቅ ወዲ ኣኪጦብን፥ ኣብያታር ወዲ ኣቢሜሌክን ድማ ኻህናት ነበሩ፤ ሰራያ ኸዓ ፀሓፊ ነበረ፤ 18በናያስ ወዲ ዮዳሄ ድማ ሓለቓ እቶም ንንጉስ ዝሕልዉ ኽረታውያንን ጵለታውያንን ነበረ፤ ደቂ ዳዊት ከዓ መማኽርቲ ንጉስ ነበሩ።
Currently Selected:
2ይ ሳሙኤል 8: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: