YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ሳሙኤል 7

7
ኣምላኽ ንዳዊት ከም ዘተስፈዎ
(1 ዜና. 17፡1-15)
1ከምዙይ ድማ ኾነ፦ እቲ ንጉስ ኣብ ቤቱ ተቐመጠ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኻብቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ዅሎም ፀላእቱ ኣዕረፎ። 2እቲ ንጉስ ንነቢይ ናታን፥ “እስኪ ረአ! ኣነ ብፅሕዲ ኣብ ዝተሰርሐ ቤት እነብር ኣለኹ፤ ታቦት እግዚኣብሄር ግና ኣብ ድንኳን ኣብ ውሽጢ መጋረጃታት ተቐሚጡ ኣሎ” በሎ።
3ናታን ከዓ ንንጉስ፥ “እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ እሞ፥ ኪድ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዅሉ ግበር” በሎ።
4በታ ለይቲ እቲኣ ድማ እግዚኣብሄር ንናታን ከምዙይ በሎ፦
5“ኪድ፤ ንባርያይ ዳዊት ‘እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ’ በሎ። ‘ንስኻ ኣነ ዝነብረላ ቤት ኣይትሰርሐለይን ኢኻ። 6ካብታ ንደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ዘውፃእኹላ መዓልቲ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ፥ ኣብ ድንኳንን ኣብ መሕደሪን እየ ዝነበርኩ እምበር ኣብ ቤት ኣይነበርኩን። 7ምስ ኵሎም ደቂ እስራኤል ኣብ ዝተጕዓዝኩሉ፥ ንህዝበይ እስራኤል ክጓስዩ ኻብ ዝኣዘዝክዎም መራሕቲ እስራኤል ንሓደኳ ስለ ምንታይ ብኦም ፅሕዲ ቤት ዘይሰራሕኹምለይ ኢለዶ ተዛሪበ እየ?’
8“ሕዚ ኸዓ ንባርያይ ዳዊት ከምዙይ በሎ፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሒ ኽትከውን፥ ካብ ምጕሳይ ኣባጊዕ ኣምፃእኹኻ። 9ኣብ ኵሉ ዝኸድካዮ ኸዓ ምሳኻ ነበርኩ፤ ንዅሎም ፀላእትኻውን ካብ ቅድሜኻ ኣጥፋእኹዎም። ከም ስም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዓበይቲ ድማ ንስምካ ዓብዪ ኽገብሮ እየ። 10-11ንህዝበይ እስራኤልውን ቦታ ኸዳልወሉ፥ ድሕሪ ደጊም ከይነቓነቕስ ኣብታ ቦታኡ ኽተኽሎ እየ። ሽዑ፥ ከምቲ ኻብታ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሕቲ ክኾኑ ዝኣዘዝኩላ መዓልቲ፥ እቶም ዓመፅቲ ኸምቲ ናይ ቀደም መሊሶም ኣየጨንቕዎምን እዮም። ካብ ኵሎም ፀላእትኻ ድማ ኸዕርፈካ እየ።
“ኣነ ቤት ከም ዝሰርሐልካ እነግረካ ኣለኹ። 12መዓልቲታትካ ምስ ኣኸላ፥ ምስ ኣቦታትካ ኸዓ ምስ ተቐበርካ፥ ብድሕሬኻ ነቲ ኻብ ሕቘኻ ዝወፅእ ዘርእኻ፥ ልዕል ከብሎ እየ፤ ነታ መንግስቱውን ከፅንዓ እየ። #መዝ. 89፡3-4፥ 132፡11፥ ዮሓ. 7፡42፥ ግ.ሓ. 2፡30። 13ንሱ ንስመይ ቤት ክሰርሕ እዩ፤ ኣነ ኸዓ ዙፋን መንግስቱ ንዘለኣለም ከፅንዐሉ እየ። 14ኣነ ኣቦ ክኾኖ፥ ንሱ ድማ ወሉድ ክኾነኒ እዩ። እንተ በደለ ኸዓ ኸምቲ ሰብ ዝቐፅዐሉ ጨንገርን ደቂ ሰብ ብዝቐፅዑሉን ክግስፆ እየ። #መዝ. 89፡26-27፥ 2 ቆሮ. 6፡18፥ ዕብ. 1፡5። 15ግና ኸምቲ ንሳኦል ካብ ቅድሜኻ ኸወግዶ እንተለኹ ፍቕረይ ዘርሓቕኩሉ፥ ምሕረተይ ካብኡ ኣየርሕቕን እየ። 16ገዛኻን መንግስትኻን ከዓ ኣብ ቅድመይ ንዘለኣለም ክፀንዕ እዩ፤ ዙፋንካውን ንዘለኣለም ክፀንዕ እዩ።” #መዝ. 89፡36-37።
17ናታን እዝ ዅሉ ዘረባ እዙይን እዝ ዅሉ ራእይን ንዳዊት ነገሮ።
ናይ ዳዊት ፀሎት ምስጋና
18ሽዑ ንጉስ ዳዊት ኣተወ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተቐሚጡ ድማ ኸምዙይ በለ፦
“ኦ ጐይታይ እግዚኣብሄር ክሳዕ እዙይ ዘብፃሕኻንስ፥ ኣነ መን እየ? ቤተይከ እንታይ እያ? 19ኦ ጐይታይ እግዚኣብሄር እዙይ ድማ ንእሽተይ ኮይኑ ተርእዩካስ፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤተይ፥ ኣብ ቤት ባርያኻ ድሕሪ ሕዚ ዝኸውን ትዛረብ ኣለኻ። ኦ እግዚኣብሄር! እዙይስ ሕጊ ሰብ ድዩ?
20“ኦ ጐይታይ እግዚኣብሄር ንኣይ ንባርያኻ ትፈልጠኒ ኢኻ፤ ደጊምከ ዳዊት እንታይ ኢሉ ኽዛረበካ እዩ? 21ምእንቲ እቲ ቓልካን ከምቲ ፍቓድካን እዝ ዓብዪ ነገርዙይ ገበርካ፤ ንኣይ ንባርያኻ ኸዓ ኣፍለጥካኒ።
22“ኦ ኣምላኸይ ከምቲ ዅሉ በእዛንና ዝሰማዕናዮ ኸማኻ ዝበለ የለን፤ ብዘይ ንስኻውን ኣምላኽ የለንሞ፥ ንስኻ ዓብዪ ኢኻ። 23ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፥ ህዝቢ ምእንቲ ክኾነካ፥ ባዕልኻ ዘድሓንካዮ እዩ። ምእንቲ እቲ ኻብ ግብፂ ዘውፃእኻዮ ህዝቢ ኢልካ፥ ነህዛብ ምስ ኣማልኽቶም ብዓቢይን ብዘደንግፅ ተኣምራትን ካብ ቅድሚኡ ሰጒጕካ ስምካ ዘፀዋዕኻ፥ ኣብ ምድሪ ኸም ህዝብኻ እስራኤል ዝበለ ህዝቢ መን ኣሎ? #ዘዳ. 4፡34። 24ንህዝብኻ እስራኤል ከዓ ንዘለኣለም ህዝብኻ ክኸውን ሓረኻዮ። ንስኻ እግዚኣብሄር ድማ ኣምላኾም ኮንካ።
25“ሕዚ ኸዓ፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! ነቲ ብዛዕባይ ብዛዕባ ባርያኻን ብዛዕባ ቤተይን እተዛረብካዮ ነገር ንዘለኣለም ኣፅንዓዮ፤ ከምቲ እተዛረብካዮውን ግበር፤ 26ስምካ ድማ ንዘለኣለም ልዕል ይበል። ሰባት፥ ‘ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ እስራኤል እዩ’ ይበሉ። ቤት ባርያኻ ዳዊት ከዓ ኣብ ቅድሜኻ ትፅናዕ።
27“ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ እስራኤል! ንኣይ ንባርያኻ፥ ‘ኣነ ቤት ክሰርሐልካ እየ’ ኢልካ ገሊፅካለይ ኢኻ፤ ስለዙይ ኣነ ባርያኻ እዝ ፀሎት እዙይ ናባኻ ኸቕርብ ብልበይ ደፈርኩ። 28ሕዚ ኸዓ፥ ጐይታይ እግዚኣብሄር ንስኻ ኣምላኽ ኢኻ፤ ዘረባኻውን ሓቂ እዩ፤ እዝ ፅቡቕ ነገር እዙይውን ንኣይ ንባርያኻ ኣተስፈኻኒ። 29ሕዚ ድማ፥ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ ቤት ባርያኻ ብበረኸትካ ንዘለኣለም ክትባርኽ ተዛሪብካ ኢኻ እሞ፥ ቤት ባርያኻ ንዘለኣለም ኣብ ቅድሜኻ ምእንቲ ኽነብር ክትባርኾ ፍቓድካ ይኹን።”

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in