YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ሳሙኤል 6

6
ታቦት ኪዳን ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝተወሰደ
(1 ዜና. 13፡1-1415፡25—16፡6፥43)
1ዳዊት መሊሱ ነቶም ኵሎም ካብ እስራኤል ዝተሓርዩ ሰላሳ ሽሕ ሰብኡት ኣከቦም። 2#ዘፀ. 25፡22። ዳዊትን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ህዝብን፥ ነቲ ብስም እቲ “ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዝነብር ጐይታ ሰራዊት” ዝፅዋዕ ታቦት እግዚኣብሄር ኣብ ይሁዳ ኻብ ዘላ ኻብ በኣል ተልዒሎም ከምፅእዎ ኸዱ። 3ንሳቶም ከዓ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣብ ሓድሽ ሰረገላ ገይሮም ካብታ ኣብ ኰረብታ ዝነበረት ቤት ኣሚናዳብ ኣምፅእዎ፤ ነቲ ሓድሽ ሰረገላውን ዖዛን ኣሕዮን፥ ደቂ ኣሚናዳብ፥ ይመርሕዎ ነበሩ። #1 ሳሙ. 7፡1-2። 4ካብታ ኣብ ኰረብታ ምስ ታቦት ኣምላኽ ዝነበረት ቤት ኣሚናዳብ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ምስ ኣውፅእዎ፥ ኣሕዮ ቐቅድሚ እቲ ታቦት ይኸይድ ነበረ። 5ዳዊትን ኵላ ቤት እስራኤልን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዅሉ ዓይነት ቃናታት፥ ብበገናን ብመሰንቆን ብኸበሮን ብቓጭላትን ብፀናፅልን ብምሉእ ሓይሎም እናዘመሩ ይፃወቱ ነበሩ።
6ኣብ ዓውዲ ናኮን ምስ በፅሑ ግና፥ እቶም ነቲ ሰረገላ ዝስሕቡ ኣብዑር ይፋንኑ ስለ ዝነበሩ፥ ዖዛ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ኢዱ ዘርጊሑ ሓዞ። 7ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዖዛ ነደደ፤ ስለ ድፍረቱ ድማ እግዚኣብሄር ቀሰፎ፤ ኣብኡውን ኣብ ጥቓ ታቦት እግዚኣብሄር ሞተ።
8ዳዊት ከዓ፥ እግዚኣብሄር ንዖዛ ስለ ዝቐሰፎ፥ የመና ሓዘነ፤ ነታ ቦታ እቲኣ ኸዓ፥ ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ ዝበሃል ዘሎ፥ “ስብራት ዖዛ”#6፡8 ስብራት ዖዛ፦ ብእብራይስጥ፦ “ፔሬዝ ዖዛ” ይብል። ኢሉ ሰመያ።
9ዳዊት ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንእግዚኣብሄር ፈሪሑ፥ “ታቦት እግዚኣብሄር ከመይ ገይሩ ናባይ ክመፅእ” በለ። 10ስለዙይ ዳዊት ንታቦት እግዚኣብሄር ናብ ከተማኡ ኸእትዎ ስለ ዘይፈተወ፥ ናብ ቤት እቲ ጌታዊ ኣቢዳራ ኣእተዎ። 11እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ቤት እቲ ጌታዊ ሰብ ኣብ ኣቢዳራ ሰለስተ ወርሒ ተቐመጠ። እግዚኣብሄር ድማ ንኣቢዳራን ንዅላ ቤቱን ባረኸ። #1 ዜና. 26፡4-5።
12እግዚኣብሄር ምእንቲ ታቦት ኪዳን ኢሉ ንቤት ኣቢዳራን ንዘለዎ ዅሉን ከም ዝባረኸሉ ሰሚዖም ንንጉስ ዳዊት ነገርዎ። ሽዑ ዳዊት ከይዱ ንታቦት እግዚኣብሄር ካብ ቤት ኣቢዳራ ብሓጐስ ናብ ከተማ ዳዊት ኣምፅኦ። 13እቶም ታቦት እግዚኣብሄር ዝፆሩ ሽዱሽተ ስጕምቲ ምስ ሰጐሙ፥ ሓደ ብዕራይን ስቡሕ ዝራብዕን ሰውአ። 14ብሃሪ ዝተሰርሐ ኤፉድ ተዓጢቑ ድማ ብምሉእ ሓይሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይስዕስዕ ነበረ። 15ዳዊትን ኵላ ቤት እስራኤልን ከዓ ንታቦት እግዚኣብሄር ብዕልልታን ብቓና መለኸትን ናብ ኢየሩሳሌም ኣምፅእዎ።
16እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ናብ ከተማ ዳዊት ክኣቱ እንተሎ ኸዓ፥ ሜልኮል ጓል ሳኦል ብመስኰት ተቐልቂላ፥ ንጉስ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክዘልልን ክስዕስዕን እንተሎ ረአየቶ እሞ ብልባ ነዓቐቶ።
17ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምፂኦም ድማ ኣብ ስፍራኡ ኣብ ማእኸል እቲ ዳዊት ዝተኸለሉ ድንኳን ኣንበርዎ። ዳዊት ከዓ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕረበ። 18ዳዊት ድማ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣቕሪቡ ምስ ወድአ፥ ነቲ ህዝቢ ብስም ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ባረኾ። 19ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል፥ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ፥ ንነፍሲ ወከፍ ሓደ ቕጫን ሓደ ጉማድ ስጋን ሓደ ጎጎ ዘቢብን ሃቦም። ድሕሪዙይ ከዓ ዅሉ እቲ ህዝቢ ነናብ ገዛኡ ተመለሰ።
20ዳዊትውን ንቤተሰቡ ኽባርኽ ተመለሰ። ሜልኮል ጓል ሳኦል ከዓ ንዳዊት ክትቅበሎ ወፂኣ፦ “ከንቱ ዝኾነ ሰብ ከም ዝቕላዕ፥ ንጉስ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ቘናጁ ባሮቱ፥ ዕርቃኑ ብምግላፁ ኸመይ ከበረ!” በለቶ። #1 ዜና. 16፡43።
21ዳዊት ከዓ ንሜልኮል “ኣብ ቅድሚ እቲ ኻብ ኣቦኽን ካብ ኵላ ቤቱን ዝሓረየኒ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድማ መራሒ ዝገበረኒ እግዚኣብሄር፥ ይመስገን፤ እወ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እየ ዝሰሓቕ ዘለኹ። 22ገናውን ካብዙይ ንላዕሊ ንርእሰይ ከዋርድ እየ፤ ብዓይንኺ የመና እንተ ተንዓቕኩ እኳ፥ ኣብ ቅድሚ እተን ዝበልክየን ኣግራድ ግና ክኸብር እየ” በላ።
23ሜልኮል ጓል ሳኦል ኽሳዕ ዕለተ ሞታ ኣይወለደትን።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in