2ይ ሳሙኤል 5
5
ዳዊት ኣብ እስራኤልውን ከም ዝነገሰ
(1 ዜና. 11፡1-9፥ 14፡1-7)
1ድሕሪዙይ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ናብ ኬብሮን መፂኦም፥ ንዳዊት “እኒሀና፥ ንሕና ዓፅምኻን ስጋኻን ኢና፤ 2ካብ ቀደም፥ ሳኦል ኣብ ልዕሌና ነጊሱ እንተሎውን፥ ንእስራኤል ናብ ውግእ እትመርሕ ንስኻ ኢኻ ኔርኻ። እግዚኣብሄርውን ንኣኻ እዩ ‘ንስኻ ንህዝበይ እስራኤል ክትጓሲ ኢኻ፤ ንስኻ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መራሒ ኽትከውን ኢኻ’ ኢሉካ ነይሩ እዩ” በልዎ።
3ኵሎም ዓበይቲ እስራኤል ድማ ናብ ንጉስ ናብ ኬብሮን መፁ፤ ንጉስ ዳዊት ከዓ ኣብ ኬብሮን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስኣቶም ኪዳን ኣተወ። ንሳቶም ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክኸውን ቀብእዎ።
4ዳዊት ክነግስ እንተሎ ወዲ ሰላሳ ዓመት ነበረ፤ ኣርብዓ ዓመት ከዓ ነገሰ። 5ኣብ ኬብሮን ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ሸውዓተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ነገሰ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤልን ይሁዳን ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ። #1 ነገ. 2፡11፥ 1 ዜና. 3፡4፥ 29፡27።
ዳዊት ንኢየሩሳሌም ተዋጊኡ ኸም ዝሓዛ
(1 ዜና. 3፡5-9፥ 11፡4-9፥ 14፡1-7)
6እቲ ንጉስን ሰቡን ድማ ኣብቲ ውሽጢ ሃገር ምስ ዝቕመጡ ኢያቡሳውያን ክዋግኡ ናብ ኢየሩሳሌም ከዱ። ንሳቶም “ዳዊት ናብዙይ ክኣቱ ኣይኽእልን እዩ” ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ “ዕውራትን ሓንካሳትን እንተ ዘየውፂእኻ ናብዙይ ኣይትኣቱን ኢኻ” በልዎ። #ኢያሱ 15፡63፥ መሳ. 1፡21። 7ዳዊት ግና ነታ ደሓር ከተማ ዳዊት ዝተብሃለት እምባ ፅዮን ሓዛ።
8ዳዊት በታ መዓልቲ እቲኣ “ንኢያቡሳውያን ክስዕሮም ዝደሊ በቲ መተሓላለፊ ማይ ኣቢሉ ይደይብ እሞ፥ ነቶም ኣነ ዝፀልኦም ሓንካሳትን ዕዉራትን የውፅእ” በለ። ስለዙይ ብምስላ “ዕዉርን ሓንካስን ናብ ቤተ መንግስቲ ኣይእተዉ” ተብሃለ።
9ዳዊት ከዓ ኣብታ እምባ ተቐመጠ፤ ከተማ ዳዊት ኢሉውን ሰየማ። ዳዊት ኻብ ሚሎ ሒዙ ብዙርያኣን ብውሽጣን ነደቓ። 10ዳዊት ከዓ ኣምላኽ ሰራዊት እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረ እናበርትዐ ኸደ።
11ኪራም ንጉስ ጢሮስ ድማ ንዳዊት ልኡኻት ሰደደሉ። ምስኣቶም ድማ ኦም ፅሕድን ፀረብትን ሃነፅትን፥ ወቐርቲ እምንን ሰደደሉ። ንሳቶም ከዓ ንዳዊት ቤት ሃነፁሉ። 12ዳዊት ከዓ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ገይሩ ኸም ዘፅንዖ፥ ነታ መንግስቱውን ምእንቲ ህዝቡ እስራኤል ኢሉ ልዕል ከም ዘበላ ኣስተውዓለ።
13ዳዊት ኻብ ኬብሮን ምስ መፀ፥ ብተወሳኺ ኣንስቲ ወሰኑን ካልኦት ኣንስቱን ካብ ኢየሩሳሌም ወሰደ። ካልኦት ኣወዳትን ኣጓላትን ከዓ ተወለዱሉ። 14እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተወለዱሉ ድማ፦ ሳሙስ፥ ሶባብ፥ ናታን፥ ሰሎሞን፥ 15ኢያቤሓር፥ ኤሊሱዔ፥ ናፌቅ፥ ያፍያ፥ 16ኤሊሳማ፥ ኢሊዳሄ፥ ኤሊፋላት እዮም።
ዳዊት ንፍልስጥኤማውያን ከም ዝሰዓሮም
(1 ዜና. 14፡8-17)
17ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክነግስ ከም ዝቐብእዎ ፍልስጥኤማውያን ምስ ሰምዑ፥ ኵሎም ክደልይዎ ደየቡ። ዳዊት ድማ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ናብ ዕርዱ ወረደ። 18ፍልስጥኤማውያን ከዓ መፂኦም ኣብ ለሰ ራፋይም ፋሕ ኢሎም ሰፈሩ። 19ዳዊት ድማ “ንፍልስጥኤማውያን ክዋግኦምስ ኣብ ኢደይዶ ትህበኒ ኢኻ?” ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ከዓ ንዳዊት “ንፍልስጥኤማውያን ብርግፅ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ እሞ ደይብ” በሎ።
20ዳዊት ድማ ናብ በኣልፐራሲም መፀ፤ ኣብኣ ኸዓ ወቕዖም እሞ፥ “ማይ ከም ዘፍርስ፥ እግዚኣብሄር ንፀላእተይ ኣብ ቅድመይ ኣፍረሶም” በለ። ስለዙይ ነታ ቦታ እቲኣ በኣልፐራሲም ዝብል ስም ኣውፅአላ።
21ጣዖታቶምውን ኣብኡ ሓደጉ፤ ዳዊትን ሰቡን ድማ ወሰድዎም።
22ፍልስጥኤማውያን ከዓ ንኻልኣይ ጊዜ ደዪቦም ኣብ ለሰ ራፋይም ፋሕ ኢሎም ሰፈሩ። 23ዳዊት ንእግዚኣብሄር ምስ ጠየቐ ድማ፥ ንሱ “ኣይትዋግኣዮም፤ ዘይርካ ብድሕሪኦም ኪዶም፤ ብመንፅር እቲ ሳጋሉ ድኣ ተጋጠሞም እምበር ኣይትደይብ። 24ኣብ ርእሲ እቲ ሳጋሉ ድምፂ ሰይፊ ምስ ሰማዕኻ፥ ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ክዋግኦም ቅድሜኻ ወፂኡ ማለት እዩ እሞ፥ ቀልጢፍካ ተዋግኣዮም” በሎ። 25ዳዊት ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ፤ ንፍልስጥኤማውያንውን ካብ ገባዖን ክሳዕ ጌዘር ሰዓሮም።
Currently Selected:
2ይ ሳሙኤል 5: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in